ፕረዚደንት ካጋመ ጥሮታ ንምውጻእን ጋዜጠኛ ንምዃንን ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, RWANDA Presidency/Twitter
ንርዋንዳ ን23 ዓመታት ብፕረዚደንትነት ዝመርሓ ፓል ካጋመ፡ ሰልጣን ኣረኪቡ ጥሮታ ክወጽእን ድሕሪኡ ጋዜጠኛ ክኸውን ድሉው ምህላዉን ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ምስ ኬንያዊ መዘናኡ ዊልያም ሩቶ ኣብ ኪጋሊ ተራኺቦም ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ዝህብሉ ዝነበሩ እዋን’ዩ፡ ስልጣን ንምርካብ ኣብ መደብ ከምዘሎን ምስቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብዛዕባ እቲ ዘይተርፍ ምውጻእ ጥሮታ ይዝትዩ ከም ዘለዉን ዝገለጸ።
እቲ ፕረዚደንት ነቶም ክመርሑ ዝኽእሉ ምቹእ ሃዋሁ ምጥጣሕ’ምበር መን’ዩ ክትክኦ ንኽመርጽ ድሌት ከም ዘይብሉ’ውን ሓቢሩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ መግለጺኡ “ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ሰልፍና ካብ 2010 ጀሚርና ኢና ተዛሪብናሉ፤ እንተዀነ ኵነታት፡ ብድሆታትን ታሪኽ ርዋንዳን ነገራት ኣብ እዋኑ ንኸይከውን ደሪትና’ዩ” ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ ንሱ ጥሮታ ንኽወጽእ “እንተስ ኣብ ቀረባ እንተስ ኣብ ርሑቕ” ግድን ክዝተየሉ ከም ዘለዎ’ውን ሓቢሩ።
“ርግጸኛ’የ ሓደ መዓልቲ ኣብ እዋን እርጋነይ ጋዜጠኛ ክኸውን’የ” ብምባል ጋዜጠኛ ንምዃን ክቱር ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
እቲ ብፖል ካጋመ ዝመራሕ ‘ርዋንዳን ፓትርዮቲክ ፓርቲ’ ቅድሚ ሒደን መዓልታት ንመጀመርታ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ምክትል ፕረዚደንት ምምራጹ ዝዝከር’ዩ።
ንሰልፊ ‘ርዋንዳን ፓትርዮቲክ ፓርቲ’ ካብ 1998 ጀሚሩ ዝመርሐ ፖል ካጋመ፡ ብዛዕባ ጥሮታ ምውጻእ ክዛረብ እዚ ናይ መጀመርታኡ ኣይኰነን።
ኣብ ታሕሳስ 2022’ውን ካብ ስልጣን ወሪዱ ተራ ዜጋ ኰይኑ ንምንባር ዋላ ሓንቲ ጸገም ከም ዘይብሉ ምሕባሩ ይዝከር።
ፖል ካጋመ ኣብ 2000 እዩ ፕረዚደንት ርዋንዳ ኰይኑ።
ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ ሪፈረንደም ከኣ እቲ ፕረዚደንት ንክልተ እብረ ጥራይ ክምረጽ ዝድርት ዝነበረ ቅዋን ከም ዝእለ ኰይኑ።
ብመሰረት እቲ ኣብ 2015 ብሪፈረንደም ዝጸደቐ ሓድሽ ቅዋም፡ ፖል ካጋመ ብሕጂ’ውን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘፍቕድ’ዩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ መደበር ተለቪዥን ፈረንሳ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ኣብቲ ኣብ 2024 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







