ፑቲን: ጉጅለ ቫግነር ብመንግስቲ ይምወል ከም ዝነበረ ተዛሪቡ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣባላት ጉጅለ ዕሱብ ወተሃደራት ቫግነር ሙሉእ ብሙሉእ ብመንግስቲ ይምወሉ ከም ዝነበሩ ገሊጹ።

ንሱ ከም ዝበሎ እንተዀይኑ ቫግነር ካብ ወርሒ ግንቦት 2022 ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2023 ጥራይ 86.262 ቢልዮን ሩብል (1 ቢልዮን ዶላር) ደሞዝን ተወሳኺ ዓስብን ተዋሂብዎ’ዩ።

እዚ ድማ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ባጀት እታ ሃገርን ዝተወስደ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ እቲ ናይ ብሕቲ ዕሱብ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ፑቲን ን24 ሰዓታት ዝጸንሐ ናዕቢ ከም ዘልዓለ ይዝከር።

መራሒ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዢን ካብ ሩስያ ክወጽእ ድሕሪ ምስምማዑ ትማሊ ሰሉስ ናብ ቤላሩስ ኣትዩ ኣሎ።

ፕሬዝደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ፕሪጎዢን ናብ ሃገሩ ምእታው ከረጋግጽ እንከሎ፡ ምስኡ ምትእስሳር ኣለዋ ዝተባህለት ናይ ብሕቲ ጀት ኣብ ርእሰ ከተማ ቤላሩስ ሚንስክ ክትዓልብ እንከላ ተራእያ ነይራ።

ብቀዳም ጉጅለ ዕሱባት ሰራዊት ቫግነር ንደቡባዊ ሩስያ ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ሒዞም ናብ ሞስኮ ክግስግሱ እንከለው ንወተሃደራዊ ሄሊኮፕተራት ሩስያን ኣብ መንገዶም ዝነበራ ነፈርትን ሃሪሞም ኣውዲቘም’ዮም።

ድሒሩ ብሽምግልና ፕሬዝደንት ሉካሸንኮ ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ እቲ ናዕቢ ጠጠው ኣቢሎምዎ።

ሰብመዚ ሩስያ ቫግነር ዕጥቁ ክፈትሕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ናዕቲ ተሳቲፎም ዝነበሩ ኣባላት’ውን ከም ዘይኽሰሱ ገሊጾም ኣለው።

ፑቲን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ካብዚ ጉጅለ ዝመጽኡ ተጋደልትን ኣዘዝትን ኩሉ ግዜ ብዓቢ ኣኽብሮት ኢና ንርእዮም ነይርና፡ ምኽንያቱ ብሓቂ ትብዓትን ጀግንነትን ኣርእዮም’ዮም” ኢሉ።

ንሱ፡ እቲ ንቫግነርን መራሒኡን ዝተኸፍለ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከም ዝውዓለ ክምርመር ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ጉጅለ ከበድቲ ኣጽዋርን ናውትን ንሰራዊት ሩስያ ከረክብ ምድላዋት ይካየድ ከም ዘሎ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣባላቱ ድማ ናብ ስሩዕ ሰራዊት ክጽንበሩ፡ ናብ ቤተሰቦም ክጽንበሩ ወይ ድማ ናብ ቤላሩስ ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ፑቲን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ፕሬዝደንት ሉካሸንኮ’ውን፡ ቤላሩስ ንኣባላት እቲ ጉጅለ ዝዀነ መዓስከራት ክትሃንጽ ከም ዘይጀመረት ብምግላጽ፡ እንተደልዮም ግን ከተአንግዶም ምዃና ገሊጹ።

ኣተሓሕዛ እቶም ዕሱባት ምስቲ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ደለይቲ ፍትሕን ሩስያ ዝፍጸም ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ዝጻረር ኰይኑ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ኣንጻር እቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምዝራቦም ጥራይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ንኣብነት ተቓዋሚ ቭላድሚር ካራ-ሙርዛ ብሃገር ክሕደት ተኸሲሱ፡ ማእሰርቲ 25 ዓመታት ተፈሪዱዎ ኣሎ።

ብኣንጻሩ፡ ሓላፊ ቫግነር ፕሪጎዢንን እቶም ኣብቲ ናዕቢ ዝተሳተፉ ዕጡቓትን ነጻ ክወጽኡ ዝፍቀደሎም ዘሎ ይመስል።