ቀጻሊ ስጉምቲ ፑቲን እንታይ ይኸውን?

ኣብ ሞስኮ ድሕሪ’ቲ ንመርገጺ ፕረዚደንት ሩስያ ዘንቀጥቀጠ ዓመጽ ዕሱብ ወተሃደራዊ ጉጅለ ቫግነር፡ ህጹጽ ስጉምትታት ጸጥታ ይቕጽል ኣሎ።

ብዙሓት ሕቶታት እውን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይረኸቡን።

ፑቲን ቀጺሉ እንታይ ክገብር እዩ?

ቭላድሚር ፑቲን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ንፈለማ እዋን ኣብ ውሽጢ ዘደንጽዉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ ስልጣኑ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኣጋጢምዎ’ሎ። እቲ ቅጽበታዊ ሓደጋ ምቁፅፃር ዝተኽኣለ እኳ ይምሰል'ምበር፡ ሩስያውያን ሰብሞያ ግን ፑቲን ሓያል ዘይኮነስ ብኸቢድ ተሃሪሙ ዝቖሰለ መሲሉ እዩ ዝረአ ዘሎ ይብሉ።

ፑቲን ኣብቲ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንግሆ ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ቀሪቡ ዘስምዖ መደረ ንመራሒ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን "ኣብ ሕቑኡ ብኻራ ብምውጋእ"ን ክድዓትን ክኸሶ ተሰሚዑ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣይተራእየን፤ ሓድሽ ፕረዚደንታዊ መደረ ኣብ ቀረባ እዋን ክቐርብ እውን ውጥን የለን። ብሰንበት ኣብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝተፈነወን ቅድሚ ዓመፅ ጉጅለ ቫግነር ዝተቐድሐ ዝመስልን ቃለ መሕትት፡ ኣብ ወፍሪ ኲናት ዩክሬን ርእሰ ተኣማንነት ከምዘለዎ ክገልፅ ይስማዕ።

ኣብ ሞስኮ ጸረ-ሽበራ ስጉምትታት ጸጥታ ሕጂ’ውን ይካየድ እኳ እንተሎ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብዚ እዋን ኣብታ ርእሰ ከተማ ድዩ ዘሎ ወይስ ኣይኮነን ዝብል ግን ንጹር ኣይኮነን።

ፑቲን፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ኣብ ዘለዉ ዘይድግፍዎ ኣካላት ወተሃደራዊ ወይ ካልእ ሃንደበታዊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ገለ ተዓዘብቲ ግምቶም ይህቡ።

ኣባል ባይቶ ፖላንድ ራዴክ ሲኮርስኪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፑቲን ነቶም “ተወላወልቲ ዝበሎም ከፅርዮም”፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ስርዓት ድማ "ዝገደደ ምልካዊን ኣረሜናውን" ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ፕሪጎዚን ኣብ ቤላሩስ እንታይ ክገብር ይኸውን?

ብድሕሪ እቲ ኣብ ሩስያ ዝተወለዐ ናዕቢ ዘሎ ሰብ - የቭገኒ ፕሪጎዚን - ነጻ ሰብ ኰይኑ ኣሎ።

ወተሃደራዊ መሪሕነት ሩስያ ንምውዳቕ እኳ እንተፈተነ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ዕጥቃዊ ናዕቢ ግን ተሰሪዙሉ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩስያን ዕጡቕ ጉጅለ ቫግነርን ዝተበጽሐ ስምምዕ ግን ዝፍለጥ አይኮነን።

ተንተንቲ ሩስያ ፕሪጎዚን ስቕ ኢሉ ክጠፍእ ትጽቢት የብሎምን።

እቲ ኣብ ዩክረይን ንዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዕጡቓት ድምፂ ብምዃን ዝፍለጥ መራሒ ዕሱባት፡ ንነዊሕ እዋን ብድሕሪት ኮይኑ ዝሕግዝ ናይ ፕረዚደንት ፑቲን ኣገዳሲ ሰብ እውን እዩ ነይሩ።

መንግስቲ ሩስያ ኣብ ሶርያ ካብ ዝገበሮ ውግእ ክሳብ ኣብ 2014 ንግዝኣት ክሪሚያ ዝጎበጠሉ ኲናት ዩክረይን ብድሕሪት ኮይኑ ዝሰርሐ ምዃኑ ይንገረሉ።

ንስልጣን ፑቲን ድሕሪ ምቁማት፡ ገሊኦም ከምዝብልዎ ድማ መራሒ ሩስያ ክዋረድ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንድሕነቱ እንታይ ውሕስነት ተዋሂብዎ ይኸውን? ቀፃልነት ሓላፍነቱኸ? ዝብሉ ሕቶታት ገና መልሲ ኣይረኸቡን።

የቭገኒ ፕሪጎዚን፡ ብሓቂ ናብ ከተማ ሚንስክ እንተኸይዱን ሓይልታት ቫግነር እንተስዒቦምዎን መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ኣብ ልዕሊኡ ክሳብ ክንደይ ቁጽጽር ክገብር ከምዝኽእል ከምኡ’ውን ንሩስያ፣ ቤላሩስን ዩክረይንን እንታይ ዓይነት ሓደጋ ከስዕቡ ይኽእሉ? ዝብሉ ሕቶታት ካብ ተዓዘብቲ ይለዓሉ።

ጉጅለ ቫግነር እንታይ ከጋጥሞ ይኸውን?

ቅድሚ እዚ ዘገርም ዕጥቃዊ ናዕቢ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዕሱባት ቫግነር ኣብቲ ፑቲን ኣንጻር ዩክሬን ዝወልዖ ቁልፊ ተራ ይጻወቱ ነይሮም። ኮይኑ ግን ቫግነር ከም ናጻ ሰራዊት ዝቕፅለሉ ግዜ እናተለኣመ ዝመጸሉ እዋን ነይሩ።

ፕሪጎዚንን ሓይልታቱን ድማ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሩስያ ክጥርነፉ ንዝካየድ ጸቕጢ ክቃወሙ ጸኒሖም። ነዚ ስጉምቲ ካብ ምጽላእ ዝነቀል ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ቅርሕንቲ ከኣ ናብ ናዕቢ ንምእታው ከም ቀንዲ ረቛሒ ይረአ።

እቲ ንሓጺር ሰዓታት ዝጸንሐ ናዕቢ ምስ ተዛዘመ ፕሪጎዚን ናብ ስደት ከም ዘምርሕ ዝግለፅ ኮይኑ ‘ተቓለስቱ እንታይ ክኾኑ እዮም?’ ዝብል ሕቶ ካብ ብዙሓት ይለዓል ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ናዕቢ ዝተሳተፉ ዝተመስረተ ክሲ ዝተሰረዘ ይመስል።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ድማ ሰራዊት ቫግነር ካብታ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዝተቖጻጸሩላ ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ክወጽኡ ከለዉ የርእዩ።

ኣመሓዳሪ ናይታ ኣብ መንጎ ሮስቶቭን ሞስኮን እትርከብ ከተማ ቮሮነዝ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓይልታት ቫግነር ካብ ከባቢኦም ይወጹ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ’ሎ።

ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሕዚ’ኸ ብቐሊሉ ክተሓባበሩን ምስ ስሩዕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ክውሃሃዱን ድዮም ዝብል ንጹር ኣይኮነን።

ከምቲ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ዝብልኦኸ ኣብ ዩክረይን ግጭት ናብ ዝካየደሎም ዞባታት ንውግእ ክምለሱ’ዶ ይኾኑ?

ፕሪጎዚን ናብ ቤላሩስ እንተኸይዱ እቶም ዕጡቓት ናብ ምዕራብ ክስዕብዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታታት ገለ ተንተንቲ ኣልዒሎም ኣለው። እዚ ድማ ሩስያ ንርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪየቭ ከተጥቅዓሉ እትኽእል ዝቐረበ ቦታ እዩ።

ኣብ ዩክረይን ንዝካየድ ውግእ ብኸመይ ይጸልዎ?

ጉጅለ ቫግነር ብዙሓት ካብቶም ኣብ ዩክረይን ዝዋግኡ ዘለዉ ዕዉታት ተዋጋእቲ ከቕርብ ጸኒሑ’ዩ።

ብዙሓት ዕጡቓቱ: ናብ ቅድመ ግንባር እንተኸቲቶም ካብ ማእሰርቲ ከምዝፍትሑ ብመብጽዓ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ እዮም። ንኣብነት ሩስያ ንከተማ ባክሙት ኣብ ዝተቖፃፀረትሉ እዋን ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝተሳተፉ ይግለፅ።

ሩስያ ግን፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ ኣብ ወፍሪ ዩክረይን ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይነበሮ እያ ትገልጽ።

ይኹን እምበር ሓይልታት ሩስያ ነቲ ክፍፀም ዝጸንሐ ሰሚዖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እቲ ዜና ድማ ሞራሎም ዝሃስይ ክኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ሰባት ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ኣሃዱታት ውሽጣዊ ውግእ ክህሉ ከምዝኽእል ይሕብሩ።

ብወገን ዩክረይን ድማ ኣብ ርእሲ’ቲ ሩስያ ወተሃደራዊ ወፍርታታ ክተሐይሎ ትኽእል እያ ዝብል ስክፍታ ዘሎ ዀይኑ፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ እታ ሃገር ካብቲ ኣብ ስግር ዶብ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዕድላት ንምጥቃም ክጓየዩ እዮም።

ሓይልታት ዩክረይን ብጎበጥቲ ዝተትሓዘ ግዝኣታት ንምምላስ ጸረ መጥቃዕቲ ዝጀመሩ ኮይኖም እቲ ኣብ ሩስያ ዘሎ ናዕቢ ድማ "መስኮት ዕድል" ከም ዝኸፍት ይኣምኑ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ዩክሬን ነበር ቢል ተይለር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ዩክረይን ብሃንደበታዊ ስጉምቲ ተዋጋእቲ ቫግነር ንዝተፈጠረ ታክቲካዊ ድኽመታት ንምምዝማዝ ኣብ "ጽቡቕ ኩነታት" ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ኣሜሪካን ካልኦትን ኣቐዲሞም እንታይ ይፈልጡ ነይሮም?

ፕሪጎዚን ዝመርሖ ናዕቢ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብዝኾነ ኩነታት ንመንግስቲ ሩስያ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ትካላት ስለያ ኣመሪካ ኣቐዲሞም ነዚ ንምፍፃም መደብ ከምዘለዎ ዝሕብሩ ምልክታት ጠቒሶም ከምዝነበሩን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ድማ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ወሰንቲ መራሕቲ ኮንግረስ ከምዝሓበርዎምን ፀብፃብ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ የመልክት።

መራሒ እቲ ጉጅለ ዕሱባት ኣብ ጥቓ ዶብ ሩስያ ኣጽዋር፣ ተተኮስትን ካልእ ናውትን ይኽዝን ምህላዉ ስለያ ኣሜሪካ ከምዝተዓዘበ ሲኤንኤን ሓቢሩ’ሎ።

ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ ከምዝሕብሮ ድማ ፕረዚደንት ባይደን ምስ መራሕቲ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ሰፊሕ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ሩስያ ዝገብሮ ምቁጽጻር “ኣብ መንጎ እቲ ህውከት ክሽርሸር ይኽእል እዩ” ዝብል ስክፍታ ከምዘለዎ ገሊፁሎም’ዩ።

ሓለፍቲ ስለያ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፕሪጎዚንን ሰበስልጣን ምክልኻል ሩስያን ዝምዕብል ዝነበረ ወጥሪ ዝመልኦ ዝምድና፡ ንኣዋርሕ ክከታተልዎ ዝፀንሑ ኮይኖም፡ እዚ ድማ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንቫግነርን ንስሩዕ ወተሃደራዊ ሓይሊን ብፅቡቕ ይኸይድ ከምዘየሎ ዘርኢ ምልክት ምዃኑ ኣብ መደምደምታ ከምዝተበፅሐ እቲ ጋዜጣ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕሪጎዚን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ገለ ነገር ክፍፅም መደብ ከምዘለዎ ብኣሜሪካ ተፈሊጡ ዝፀንሐ ጉዳይ ክኸውን ከምዝኽእል ፀብፃብ ዋሽንግተን ፖስት ይገልጽ።

ፕረዚደንት ፑቲን እውን፡ ፕሪጎዚን ገለ ውዲት ይኣልም ከምዘሎ ብናይ ገዛእ ርእሱ ስለያ ከምዝተነግሮ እቲ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ፑቲን መዓስ እዚ ሓበሬታ ከምዝተነገሮ እኳ ንጹር እንተዘይኮነ፡ ግን ከኣ "ብርግፀኝነት ቅድሚ ልዕሊ 24 ሰዓታት እዩ ነይሩ" ክብል እቲ ጋዜጣ ንሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ብምጥቃስ ብቀዳም ፀብፂቡ።

ህዝቢ ሩስያ እንታይ ይሓስብ?

ፑቲን እቲ ቅልውላው እናተጋህደ እንከሎ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ ስግኣት ክሳብ ክንደይ ብዕቱብ ከምዝርእዮ ዘመልከተ እዩ።

ፍልጥቲ ተንታኒት ሩስያ ታቲያና ስታኖቫያ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝፀሓፈቶ ፅሑፍ "ብዙሓት ልሂቃን፡ ንፑቲን ኩሉ ነገር ክሳብ ክንድዚ ርሕቐት ብምኻዱን እቲ ፕረዚደንት ብእዋኑ ግብረ መልሲ ዘይምሃቡን ክወቅስዎ እዮም" ኢላ’ላ።

ኣስዒባ ድማ "ስለዚ እዚ ኩሉ ኩነታት ንመርገጺታት ፑቲን ዘናግዕ እዩ" ክትብል ገሊፃ።

ብዛዕባ ሓፈሻዊ ህዝባዊ ርእይቶ ሩስያ ኣብ መደምደምታ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ ሲቪላውያን ነበርቲ ከተማ ሮስቶቭ ንኣሃዱታት ቫግነር ከጣቕዑን ብታሕጓስ ክቕበሉን ከለዉ ምርኣይ ንመራሕቲ እታ ሃገር ዘሻቕል ምኾነ።

ወተሃደራት ቫግነር ካብታ ኣብ እዋን ናዕቦም ብኣድማዒ መንገዲ ዝተቖጻጸርዋ ከተማ ክወጹ ከለዉ፡ ደገፍቲ ብዝመስሉ ነበርቲ ብዕልልታ ጣቕዒትን ሓቢሮምዎም ስእልታት ብምስኣልን ተሰንዮም ነይሮም።

ይኹን እምበር ዕጡቓት ቫግነር ብሰንበት ምስ ኣተዉ ካብታ ከተማ ብባቡር ክወጽኡ ዝተጓየዩ ገለ ነበርቲ'ውን ነይሮም’ዮም።