ኣብ ከባቢታት ራያ ብዛዕባ ዘጋጠመ ግጭት፡ ሓላፊ ዞባ ደቡብ ትግራይ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, KOREM COMMUN.
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ወረዳታት ደቡብ ትግራይ ከባቢታት ራያ፡ ወጥሪ ከምዝቐጸለን ትማሊ ኣብ ከባቢታት ዛታ ተዂሲ ይስማዕ ከምዝነበረን ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ሕቶ ይግበአኒ ዘልዓልሉን ዝተቘፃፀርዎን ከባቢታት ኣመሓደርቲ ኰይኖም ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝተሸሙ ሓለፍቲ፡ ካብ ክልል ትግራይ ብዝመፅኡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ተፈፂሙ ኢሎም እዮም ዝኸሱ።
ነዚ ክሲ ዝነፀገ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ብወገኑ ሎሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ጎንፂ ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝበሃል ዘሎን 'ተስፋሕፋሕቲ' ዝበሎም ሓይልታት ዘቃልሕዎ ዘለዉን ከምዘይኰነ ሓቢሩ።
"እቲ መንቀሊ፡ ሓድሽ ነገር ስለዘሎ ኣይኰነን፤ መንቀሊኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ዝርርብ ድሕሪ ምግባሮም፡ እቲ ጉዳይ 'ብሰለማዊ መገዲ ግዲ ክውዳእ እዩ?' ኢሎም ስለዝሰግኡ ዘበገስዎ እዩ" ክብል ነቶም ነቲ ከባቢ ተቖፃፂሮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ ከሲሱ።
ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ካብ ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ራያ ሓደ ዝዀነ ወረዳ ዛታ ረቡዕ ከባቢ ሰዓት 10 ረፋድ (ሰዓት 4 ብኣቈጻጽራ ኢትዮጵያ) ዳግማይ ተዂሲ ክስማዕ ከምዝጀመረ፡ ብክልል ኣምሓራ ዝተቐመጠ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ካሳሁን መኮነን ሓቢሩ።
እቶም ተዂሲ ዝኸፈቱ ዕጡቓት ካብ ክልል ትግራይ ካብ እትርከብ "ከተማ ማይጨው" ዝመጹ ምዃኖም'ውን ገሊጹ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታ ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ፍስሓ ኪዳኑ ግን ካብ ትግራይ ተላዒሉ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ዕጡቕ ጕጅለ የለን ክብል ነቲ ክሲ ነጺጉ።
እቲ ሌተናል ጀነራል፡ "ሚሊሻ፡ ነበርቲ፡ ህዝቢ ናብ መረበትና ንመለስ ክብል እዩ ዝሓትት ዘሎ። ካብዚ ሓሊፉ ብትዕግስቲ ክጽበ ዝጸንሐ ህዝቢ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ኣብሪሁ።
ኣቶ ካሳሁን ብወገኑ፡ እቶም ዕጡቓት ረቡዕ ብሰለስተ ኣንፈት ኣትዮም ዝኸፈትዎ ተዂሲ ንኣስታት ሓደ ሰዓትን 20 ደቓይቕን ድሕሪ ምቕጻሉ ፖሊስ ፈደራል ኣብ መንጐ ብምእታዉ ደው ከምዝበለ ተዛሪቡ።
ሎሚ መዓልቲ እውን ድምጺ ተዂሲ "ስናይፐር" ሓሓሊፉ ይስማዕ ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።
ይዅን’ምበር ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ካብ ናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ድሕሪ ኲናት፡ ኣብተን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ወረዳታት ራያ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን ቦታታትን ጎንፂ ከምዝጸንሐ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ሰብመዚ እቲ ከባቢ ከምዝብልዎ ኣብተን ወረዳታት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ 6 ለካቲት 2016 [ግ] ጀሚሩ ተዂስን መጥዕቲታትን ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።
ኣብቲ እዋን ብወረዳ ባላ ኣንፈት ተዂሲ ከምዝተኸፈተ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ሃፍቱ ስዮም ንቢቢሲ ገሊጹ። ንሱ ከምዝብሎ፡ "ዘመናዊ ኣጽዋር... ዲሽቃ፡ ብሬን፡ ስናይፐር ዝዓጠቐ ካብ 400 ዘይውሕድ” ሓይሊ፡ "ናብ ክልል ትግራይ” ከምዝኣተወ ኣቶ ሃፍቱ ጠቒሱ።
እቲ ሓላፊ፡ “ናይ መንነት ሕቶ ዝለዓለሉ ከባቢ እዩ። [እቲ ሕቶ] ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ብሕጋዊ መንገዲ ክሳዕ ዝምለስ 'ክወጹልና ይግባእ' ኢልና ኢና ንሓትት ዘለና፤ እቶም ምልሻ ኣብቲ ከባቢ ስለዝነበሩ ቦታ ሒዞም ነይሮም። መሊሶም ክመጹ እንከለዉ፡ [እቶም ምልሻ] ከሕልፍዎም ስለዘይደለዩ፡ [ተዅሲ] ተለዋዊጦም" ክብል ነቲ ኣብታ መዓልቲ ዝተፈጠረ ኵነታት ኣብሪሁ።
ንጽባሒቱ ሓሙስ ሓይልታት ምክልኻል ናብቲ ከባቢ ኣትዮም ነቲ ኵነታት ከምዘረጋግኡን ረቡዕ ለይቲ ድማ ኣብ ወረዳ ኦፍላ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ፍስሃ ሞላ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣቶ ፍሰሃ፡ "ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሽዱሽተ ለካቲት ለይቲ ናብ ሸውዓተ ዘውግሕ ኣብ ቀበሌ ፋላ ብምእታው ንምክትል ኣመሓዳሪ እቲ ቀበሌ ወሲዶምዎ” ብምባል ካብ “ዙርያ ማይጨው” መጺኦም ዝበልዎም ዕጡቓት ከሲሶም።
ብተወሳኺ "ኣብቲ ከባቢ ፈደራል ፖሊስ እውን ስለዘሎ ተዅሲ ክንጅምር ኣይንደልን ኢና። ናብቲ ዝመጹሉ ቦታ ክምለሱ ኢና ንደሊ። ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ እንተዀይኑ ግን ንሕና’ውን ስጕምቲ ክንወስድ ኢና" ኢሉ።
ኣብቲ ከባቢ ብቐጻሊ ገበናትን ግፍዕን ዝፍጸመሉን ምዃኑ ዝዛረብ እቲ ኣመሓዳሪ ኣቶ ሃፍቱ፡ "እዚ እናፈለጥና'ውን፡ ኣይተኰስናን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተተኲሱና’ውን ስቕ ኢና ኢልና" ብምባል፡ ብውዕል ፕሪቶርያ መሰረት እቲ ከባቢ ብሰለማዊ መገዲ ናብ ንቡር ምሕዳሩ ክምለስ ብትዕግስቲ ይፅበዩ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
ብኻልእ ወገን፡ 9 ለካቲት 2016 [ግ] ካብ ከተማ ኮረም ሓደ ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ "ዓዲ ነባ" ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ልዕሊ ናይ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ናይ ህዝቢ ናይ ጽዕነት መካይንን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ናይቲ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ከተማ ኮረም፡ “ብቐዳም ዕጡቓት ዕዳጋ ጸኒሖም ዝምለሱ ሰባት ዝጸዓነት ኣውቶቡስ ብምትኳሶም ሓደ ሰብ ቆሲሉና እዩ። ነቶም ተሳፈርቲ እውን ገልታዕታዕ ኣቢሎምዎም። ካብ ሰቘጣ ትመጽእ ዝነበረት መኪና ቀይሕ መስቀል እውን [ብጥይት] ወቒዖምዋ" ክብል እቲ ዘጋጠመ ኵነታት ገሊጹ።
ሓላፊ ሰብኣዊ ዲፕሎማሲን ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽንን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣቶ መስንፍ ደረጀ፡ ኣብ መኪና ናይቲ ማሕበር መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ኣቶ መስፍን ከምዝበሎ፡ እታ መኪና ብዛዕባ ነቲ ብድርቂ ዝተሃስየ ከባቢታት ብሄረ ዋግ ኽምራ ዝወሃብ ሓገዝ ብዝምልከት መጽናዕቲ ንምክያድ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሓደ ሰራሕተኛ ረድኤትን መራሒ መኪናን ኣሳፊራ ነይራ።
ወሲኹ’ውን ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ መስኮት እታ መኪና ከምዝተሰባበረን ኰይኑ ግን “ዝዀነ ዝተጐድአ ሰብ” ከምዘየለን ገሊጹ።
"እቶም ዕጡቓት ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ምዃኖም ምስ ፈለጡ፡ ሓዲጐምዎም" ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ እቶም ሰራሕተኛታት፡ ኣብታ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ መኪና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ እግሩ ብጥይት ዝተሃርመ ወዲ 16 ዓመት ቈልዓ ሒዞም ኣብ ከተማ ኮረም ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ከምዝኸዱ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ እቶም ሰራሕተኛታት መፅናዕቶም ደው ኣቢሎም ኣብዚ እዋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ይምለሱ ከምዘለዉ’ውን ኣመልኪቱ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ መንነት ናይቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኣለልዩ ድዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ መስፍን፡ “ከምዚ ዝበለ ነገር ክንምርምር እንኽእለሉ መንገዲ የለን። ግን ዕጡቓት ሓይልታት እዮም” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕንነትን ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፍስሃ “ካብ ትግራይ ዝመጸ [ዕጡቕ] ኣብ ክልልና [ተዅሲ] ፈጺሙ” ዝበሃል ክሲ ነጺጉ።
"ወቕቲ ሕርሻ ይመጽእ ኣሎ። ቀውዒ እዩ"ብምባል “[ህዝቢ] መሬቱ እዩ ዝጽበ ዘሎ” ክብል ኣስሚሩ።
ነቶም ቦታታት ዝምልከት ሕቶ ህዝቢ ክልል ትግራይ መልሲ ከምዘይረኸበን "[ህዝቢ] ክሳዕ ሕዚ ይሓትት" ከምዘሎን ወሲኹ ኣብሪሁ።
እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝኣተዉ ዘካትዑ ከባቢታት፡ እቲ ኲናት ቅድሚ ሓደ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ካብ ዝዛዘም ኣትሒዙ ሎሚ እውን ፍታሕ ኣይረኸቡን።
ፈደራል መንግስቲ ካብ ክልቲአን ክልላት ዝለዓል ሕቶ ይግባኣኒ ብመገዲ ረፈረንደም መልሲ ክረኽቡ ከምዝሓሰበ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ነዚ ኣንፈት ዝተቓወመ ዀይኑ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ እቲ ግዝኣት ናብቲ ንቡር ምምሕዳር ትግራይ ክመለስን፡ ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ክምለሱን ይጠልብ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብ ኣዲስ አባባ ዝርርባት ዝተገብሩ ዀይኖም፡ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራን'ውን፡ ምምላስ ተመዛበልትን፡ ካብቶም ቀንዲ ኣጀንዳታት ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







