እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ንእስራኤልን ሓማስን ብገበናት ኲናት ከሲሱ
እስራኤልን ሓማስን ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ገበናት ኲናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዝፈጸሙ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ገሊጹ።
እቲ ብመርመርቲ መጻረዪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ናጻ መርመራ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ህዝቢ መጥቃዕቲ ብምፍጻምን “ቅትለት ወይ ኰነ ኢልካ ምቕታልን” ብዝብሉ ገበናት ኲናት ይኸስስ።
እቲ ጸብጻብ ክሳብ መወዳእታ 2023 ዘሎ ዝሽፍን ኰይኑ፡ እስራኤል ብፍሉይ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝዀኑ ስቅያት፡ “ምጽናት”ን “ፍልስጤማውያን ደቂ ተባዕትዮ ዒላማ ዝገበረ ጾታዊ ስቅያትን” ፈጺማ ክብል ከሲሱ።
እስራኤል ነቲ ጸብጻብ ብምንጻግ፡ ነቲ ኮሚሽን ኣንጻር እስራኤል “ፀቢብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ" ይኽተል ኣሎ ክትብል ወቒሳ።
መርመርቲ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐርብ ጸብጻብ ንመስንዳእ፡ ምስ ግዳያትን መሰኻኽርን ዝተኻየዱ ቃለ-መሐትት፣ ሕክምናዊ ጸብጻባትን ካልኦት ምንጪታትን ከም ዝተጠቐሙ ሓቢሮም።
እቲ ብሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነበር ናቪ ፒላይ ዝምራሕ ፓነል፡ እስራኤል ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢታት ከበድቲ ኣጽዋር ምጥቃማ ከም ገበን ኲናት’ዩ ዝርኣይ ብምባል፡ “ንመትከላት ፍልልይን ተመጣጣንነትን ከምኡ’ውን እኹል ጥንቃቐታት ዕሽሽ ብምባል ዝለዓለ ዕንወት” ንምብጻሕ ዝዓለመ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ህዝቢ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ፈጺማ’ያ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ብጥምየት፣ ብዘይ ፍቓድ ብምእሳር ከምኡ’ውን “ዓሰርተታት ኣሽሓት ህጻናት” ብምቕታልን ምጉዳእን ዝኣመሰሉ ካልኦት ሓያሎ ገበናት ኲናት’ውን ተኸሲሳ።
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ እስራኤል መግብን ማይን ንሲቪላት ከይበጽሕ ዝድርት “ፍጹም ዕጽዋ” ከም ዝተጠቐመትን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም “ሓባራዊ መቕጻዕቲ” ከም ዝዀነን ገሊጹ።
ካልኦት ብእስራኤል ዝተፈጸሙ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ “ምጽናት፡ ቅትለት፡ ፍልስጤማውያን ደቂ ተባዕትዮን ኣወዳትን ዒላማ ዝገበረ ጾታዊ ስቅያት፡ ሰባት ብኣስገዳድ ክወጽኡ ምግባር ከምኡ'ውን ኢ-ሰብኣውን ጨካንን ኣተሓሕዛን” ከም ዘጠቓልል እቶም መርመርቲ ገሊጾም።
ሓማስ ብወገኑ፡ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 251 ድማ ጅሆ ሒዙ ወሲዱ።
እቲ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ እስራኤል ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፍጸምን ኣብ ህዝባዊ መዕቆቢታት ዝፍጸም ጃምላዊ ቅትለትን ከም ዘሎ መርትዖታት ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
“ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ጾታውን ዓመጽ ዘስዓቡ ብዙሓት ጭውያታትን ሕስረት ዝተመልኦ ኣተሓሕዛን ዝተፈጸሙ ኰይኖም፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ነቶም ዝተጨውዩ ሰባት ንምርኢት ኣቕሪቦም" ይብል እቲ ጸብጻብ።
“ደቂ ተባዕትዮ፡ ንኣካላት ደቂ ኣንስትዮን ከም ዋንጫ ዓወት ይጥቀሙሉ ነይሮም”።
ሓይልታት እስራኤል’ውን፡ “ብሓፈሻ ነቲ ሕብረተሰብ ንምውራድን እቲ ጸቕጢ ንምጉላሕን” ዝዓለመ ጾታዊ ግህሰት ፈጺሞም’ዮም ክብል ይኸስስ።
እስራኤል - ኣብቲ መርመራ ምትሕብባር ኣይገበረትን- ነቲ ጸብጻብ “ስርዓታዊ ጸረ እስራኤል ኣድልዎ” ብምባል ትነጽጐ።
ኣብ ጀኔቭ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ሜይራቭ ኣይሎን ሻሃር፡ እቲ ኮሚሽን ምስ ጾታዊ ዓመጽ ብዝተኣሳሰር ኣብ መንጐ ሓማስን ሰራዊት እስራኤልን ናይ ሓሶት ምዕሪት ንምፍጣር ይጽዕር ኣሎ ክትብል ነቒፋ።
ሓማስ ብዛዕባ እቲ ክሲ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበን።
ኣብ ትሪኒቲ ኮሌጅ ዳብሊን ፕሮፌሰር ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ማይክል ቤከር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንመራሕቲ እስራኤልን ሓማስን ትእዛዝ ማእሰርቲ ዘውጽአ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC)፡ ሓድሽ ኣገባባት መርመራ ንምርካብ ኣብቲ ጸብጻብ ክምርኮስ ተኽእሎ ኣሎ ኢሉ።
እንተዀነ፡ እዚ ክስታት ከም “ቀጥታዊ መርትዖ" ኰይኑ ናይ ምግልጋል ተኽእሎ ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።
ወሲኹ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እዚ ጸብጻብ ከም ኣካል ናይቲ "እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ፈፂማ’ያ" ብምባል እተቕርቦ ዘላ ክሲ፡ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል “ዘጠራጥር” ኣይኰነን ይብል።
ንሱ፡ እቲ ቤት ፍርዲ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሳነኡ ከምዚኦም ዝበሉ ጸብጻባት ከም ዝጠቅስ” ኣመልኪቱ።
ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነበር ናቪ ፒላይ ዝዀነ ኣብቲ ግጭት ገበን ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ኣካል “ክሕተት ኣገዳሲ” እዩ ኢላ።
“እቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝግበር ምጥቃዕን ሕነ ምፍዳይን ሓዊሱ ተደጋጋሚ ዑደታት ዓመጽ ደው ንምባል እቲ እንኰ መገዲ፡ ዓለማዊ-ሕጊ ብግቡእ ከም ዝተኸብረ ምርግጋጽ'ዩ” ክትብል ተዛሪባ።
መራሕቲ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር፣ መሓመድ ዲያብ ኢብራሂም ኣልማስሪን እስማዒል ሃኒየህን ድሮ ብገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ፈጺሞም ብዝብል ካብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክወፅእ ተሓቲቱሎም ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንትን እውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ማእሰርቲ ክሲ ክወፅኦም እዩ።
ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 37 ሽሕን 120 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመጀመርታ ግዜ መሰል ህጻናት ብምግሃስ ንሰራዊት እስራኤል፣ ንወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስን ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን ኣብ ዝርዝር ገበነኛታት ከስፍሮም ምዃኑ ተፈሊጡ።