እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ድሮናት ኢራንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ኵናት ሱዳን ምህላወን ዘረጋግጽ መርትዖ
ኢራንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብቲ 14 ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ዘሎ ኵናት ሱዳን፡ ድሮናት ብምልኣኽ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ብሕቡራት ሃገራት ዝተነበረ እገዳ መሸጣ ብረት ከምዝጠሓሰኦ ክጥርጠር ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ሃገራት ዝቐርብ ዘሎ ክሲ 'ሓቂ ድዩ?' ኢልና መርትዖ ኣሰኒና መርሚርናዮ ኣለና።
12 መጋቢት 2024 ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፡ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሰራዊት ሱዳን ወተሃደራዊ ዓወታት ተጎናጺፍና ብምባል ሓጎሶም እናጸንበሉ ይርኣዩ፡ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ዜና ስለዝተቆጻጸርዎ’ዮም ዝጭድሩ ነይሮም።
እቲ ህንጻ፡ ኵናት ሓድሕድ ጅምር ምስ ኣበለ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ብሕሜቲ ዝምርሑ ሰራዊት ኣትዩ።
እንተዀነ፡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ህንጻ ብኢራን ዝተሰርሓ ዶሮናት ብዝፈጸመኦ ደብዳብ ተሓጊዙ ክቆጻጸሮ ከምዝኽኣለ ዘርኢ ቪድዮታት ክወጽእ ግዜ ኣይወሰደን።
ድሮናት ተራእየን
ኣብ ምጅማር እቲ ኵናት ሓድሕድ ሰራዊት ሱዳን ዝያዳ ኣብ ሓይሊ ኣየር ይምርኮስ ከምዝነበረ ሱለይማን ባልዶ ዝተብሃለ ዳይረክተር ‘ሱዳን ትራንስፓረንሲ ኤንድ ፖሊሲ ኦብዘርቨር’ ዝተብሃል ዘይመንግስታዊ ትካል ይሕብር።
ንሱ ወሲኹ፡ “ሰራዊት ሱዳን ብኹሉ ስለዝተኸበበ ተዋጋኢ ሓይሊ ኣይነበሮን” ይብል።
ሰራዊት ሕሜቲ ኣብ ባይታ ዝያዳ ብምዕብላል ንዝበዝሐ ክፋል ካርቱም፡ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዝርከብ ሰፊሕ ዞባ ዳርፉር ክቆጻጸር ግዜ ኣይወሰደሉን፡ ሰራዊት ሱዳን ከኣ ንሰማያት ሱዳን ብሒቱ ሓዞ።
ኣብ መጀመርታ ጥሪ 2024፡ ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ድሮን ሃሪሞም ከምዘውደቑ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ትዊተር ብብዝሒ ሰብ ክቀባበለሉ ተራእዩ።
ዊም ዚውነጀበርክ ዝተብሃለ ክኢላ ድሮን ካብቲ ስብርባር ተበጊሱ፡ እቲ ሞተረን ጭራን ናይታ ድሮን ምስተን ማሃጀር-6 ዝተብሃላ ድሮናት ኢራን ከምዝመሳሰል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ማሃጀር-6 ቁመተን 6.5 ሜትሮ ኮይኑ ክሳብ 2000 ኪሎሜተር ተጓዒዘን ናይ ምጥቓዕ ዓቕሚ ዘለወን ድሮናት’የን።
ዊም ዚውነጀበርክ፡ ኣብ ሰሜን ካርቱም ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዋዲ ሰይድና፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ካልእ ዓይነት ዶሮን ተራእያ ከምዝነበረት’ውን ይጠቅስ።
ንሱ “እዘን ድሮን እዚአን ኣዝየን ውጽኢታውያን’የን፤ ጸላኢ ብቀሊሉ ከለልያ ዝኽእላ’የን” ይብል።
ዊም ዚውነጀበርክ ብምስዓብ፡ ድሮን ሞሃጅረ-6 ተሃሪማ ምስ ወደቐት ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ካልእ ብሰራዊት ሕሜቲ ዝተሃረመት ድሮን ወዲቓ ዘርኢ ቪድዮ ወጺኡ።
ዊም ዚውነጀበርክ ሕዚ'ውን፡ ነዛ ዳሕረወይቲ ድሮን ምስ ዛጂል-3 ዝተብሃላ ኣብ ኢራን ዝፈርያ ድሮናት’ዩ ኣመሳሲልዋ።
ዛጂል-3 ቅዳሕ ናይተን ኣባቢለ-3 ዝብሃለ ድሮናት ናይ ኢራን’የን።
ዛጂል-3 ሱዳን ንነዊሕ ዓመታት ትጥቀመለን ዝነበረት ዓይነታት ድሮን’የን፡ እንተኾነ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዓላ መርትዖ ክርከብ ግን እዚ ናይ ጥሪ ክስተት ፈለማይ’ዩ።
ዊም ዚውነጀበርክ ኣብ ሚያዝያ’ውን ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዋዲ ሰይድና ካልእ ዓይነት ድሮን ዛጂል-3 ብሳተላይት ከምዝተራአየት ይሕብር።
ነሱ “ዋላ ድኣ ሰራዊት ሱዳን 'ካብ ኢራን ዝኾነ ወተሃገራዊ ደገፋት ኣይተገበረለይን' ይበልም 'ምበር፡ እዚ ኢራን ንሰራዊት ሱዳን ንጡፍ ደገፍ ከምእትገብር ዘርኢ’ዩ” ኢሉ።
ዊም ዚውነጀበርክ ብምስዓብ “እዘን ድሮናት እዚአን ተመራሒ ብረት ዝዓጠቓ እንተኾይነን ብርግጽ ካብ ኢራን ዝተውሃባ’የን ምኽንያቱ ሱዳን ተመራሒ ብረት ኣይተፍርን’ያ” ይብል።
ኣብ መጀመርታ ታሕሳስ ቦይንግ 747 ዝተብሃለት ብመንገዲ ኣየር ቐሽም ፋርስ ዝተብሃለ ትካል ኢራን ትውነን ካርጎ ካብ ኢራን መዓርፎ ነፈርቲ ባዳር ዓባስ ተበጊሳ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ኣተወት ካብ ራዳር ተሰዊራ።
ድሕሪ ሰዓታት ኣብቲ ሰራዊት ሱዳን ዝቆጻጸሮ መዓርፎ ነፈርቲ ፖርት ሱዳን ንዓኣ ትመስል ነፋሪት ኣብ ሳተላይት ክትርአ ክኢላ፡ ጸኒሑ’ውን ልክዕ ንዓኣ ትመስል ነፋሪት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ፖርትሱዳን እናተበገሰት እንከላ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ኤክስ [ትዊተር ነበር] ተዘርጊሑ።
እታ ነፋሪት ክሳብ መወዳእታ ጥሪ ሓሙሽተ ግዜ’ያ ናብ ፖርት ሱዳን በረራ ኣካይዳ፡ ኣብ ተመመሳሳሊ ወርሒ ከኣ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኢራን ዝተሰርሓ ድሮናት ይጥቀም ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታታት ክወጽእ ጀሚሩ።
መንገዲ ኣየር ቀሽም ፋርስ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሶርያ ዝተኣገዱ ወተሃደራዊ ኣፅዋራት ኣጎዓዒዙ ተባሂሉ፡ ብኣመሪካ እገዳ ዝተነብረሉ መንገዲ ኣየር’ዩ።
ክልቲኦም ወገናት ነናቶም ዕላማ ኣለዎም
ሱዳንን ኢራንን ነዊሕ ዓመታት ዘቁጸረ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ነይርወን’ዩ።
እንተኾነ ኣብ 2016 ኣብ ሞንጎ ስዑድያን ኢራንን ፍሕፍሕ ምስ ጀመረ፡ ሱዳን ጸግዒ ስዑድያ ስለዝወሰደት ርክብ ኢራንን ሱዳንን ሓርፊፉ።
ሱለይማን ባልዶ “መብዛሕትኦም ሰራዊት ሱዳን ዝጥቀመሎም ብረታት ንድፎም ካብ ኢራን ተወሲዱ ኣብ ሱዳን ዝስርሑ’ዮም” ይብል።
ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ምስ ጀመረ፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ርክባቱ ምስ ኢራን ከደልድል ጸኒሑ’ዩ።
ክልቲኦም ወገናት ነናቶም ዕላማ ከምዘለዎም ከኣ ሱለይማን ባልዶ ይሕብር።
ሱለይማን ባልዶ፡ “ኢራን ኣብዚ ዞባ መርገጺ እግሪ ትደሊ ኣላ፡ ነቲ ከምዝረኸቡ እንተኣረጋጊጾም ከኣ ተወሰኽቲ ምዕቡላትን ብዙሓትን ድሮናት ካብ ምሃብ ንድሕር ኣይክብሉን’ዮም” ይብል።
ቢቢሲ ብዛዕባ እዘን ድሮናት ኣመልኪቱ ንሰራዊት ሱዳን፡ ንሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ከምኡ ከኣ ንመንገዲ ኣየር ቐሽም ፋረስ’ኳ እንተሓተተ ካብ ሰለስቲኦም መልሲ ክረክብ ኣይክኣለን።
እንተኾነ ምክትል ፕረዚደንት ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ማሊክ ኣጋረ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት፡ “ካብ ዝኾነ ወገን ዝኾነ ዝተቐበልናዮ ወተሃደረዊ ብረት የብልናን፡ ብረት ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ተዘርጊሖም ኣለዉ፡ ካብ ጸሊም ዕዳጋ ምሽማት ከኣ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን” ኢሉ ነይሩ።
እገዳ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ዕሽሽ ተባሂሉ
ኣብ መጀመርታ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን’ውን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምረሑ ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኳድኮፐር ዝተሰመያ ድሮናት ይጥቀሙ ከምዝነበሩ መርትዖታት ይወጽእ ነይሩ’ዩ።
እዘን ድሮናት እዚአን 120 ሜሊሜትር ሞርታር ናይ ምሽካም ዓቕሚ ዘለወን’የን።
ሰራዊት ሱዳን’ውን ብዙሓት ካብዘን ደሮናት ከምዘውደቐ ዘርኢ ስእል ቪድዮን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያትት ይልጠፍ ነይሩ’ዩ።
ኣብ ኣምነስት ኢንረርናሽናል ክኢላ ኣጽዋር ዝኾነ ብረያን ካስተነር፡ እተን ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝጥቀሙለን ድሮናት ስርሓት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝኾና’ዩ ዝገልጽ።
ብርያን ካስተነር “ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዘን ድሮናት ኣብ ካልኦት መሻርኽታ ዝኾና ሃገራት’ውን ከተዋፍረን ጸኒሓ’ያ፡ ኣብ ከም ኵናት ኢትዮጵያን የመንን” ይብል።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሰራዊት ሕሜቲ ድሮናት ተቐርብ ከምዘላ ይጠቅስ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ግን ነዚ ክሲ ትነጽጎ’ያ።
እቲ ጉዕዞ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቡ ዳቢ’ዩ ዝብገስ፡ ብመዓርፎ ነፈርቲ ናይሮብን ካምፓላን ሓሊፉ ከኣ ኣብ ጫድ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣመጃራስ ይበጽሕ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኣመጃራስ ካብቲ ሰራዊት ሕሜቲ ዝቆጻጸርዎ ዶብ ምዕራብ ሱዳን ቁረብ ኪሎሜተራት ርሒቑ’ዩ ዝረከብ።
ካልእ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝበጽሐ ጸብጻብ፡ አፅዋራት ዝጽዓና መካይን ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣመጃራስ ብብዝሒ ናብ ዳርፉር ክኣትዋ ከምዝርኣያ ዝገልጽ’ዩ።
ሱለይማን ባልዶ፡ “ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ሱዳን ትረኽቦ ቁጠባዊ ረብሓታት ኣለዋ፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ እግራ ንምንባር ከኣ ዝኾነ ክትገብር ትኽእል’ያ” ይብል።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዚ ክስታት ብተደጋጋሚ’ያ ነጺጋቶ፡ ኢማራት፡ ሰብኣዊ ሓገዛት’ምበር ወተሃገራዊ ብረት ናብ ሱዳን ከምዘይልኣኸት’ያ ትሕብር።
ኢማራት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበላ ሕቶ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት “ሰለማዊ መዕለቢ ንምርካብ” ትጽዕር ከምዘላ’ያ ገሊጻ።
ብሕሜቲ ዝምራሑ ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ግን ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን።
ክልቲኦም እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት፡ ድሮን ከምዝተጠቀሙ ርግጽ ኮይኑ፡ ካብ ደገ ድሮን ምሽማቶም ነቲ ኣብ 2005 ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ ሕጊ ከምዝጠሓሱ’ዩ ዝግለጽ።
ዘደንጹ ስረት
ድሮናት ኣብ ሰማያት ሱዳን ክርኣያ ምስ ጀመራ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ነገር ክቀያየር ተራእዩ’ዩ።
ሰራዊት ሱዳን ነቲ ኣብ ዝተፈላለለየ ክፋላት እታ ሃገር ተኸርዲኑ ዝነበረ ሰራዊቱ መውጽኢ ክረኽበሉ ክኢሉ’ዩ።
ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ከኣ ካብ ገለ ክፋል ሰሜን ካርቱም ከንሳሕቡ ተገዲዶም’ዮም።
ብመሰረት ሱለይማን ባልዶ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ሱዳን ድሮናት ኢራን ክጥቀም ምስ ጀመረ ኣብ ባይታ ዓወታት ይሰልጦ ከምዘሎ ይሕብር።
ኣብቲ 14 ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ዘሎ ኵናት ሱዳን ብውሕዱ 16 ሽሕን 650 ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ዘይሻራውያን ጸብጻባት ይገልጹ።
ኣይኦኤም ብወገኑ ኣብ መላእ ሱዳን ኣስታት 12 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ ይጠቅስ።
ዓብዱላህ ማካዊ ሓደ ካብቶም ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ናብ ግብጺ ዝተሰደዱ ሱዳናውያን’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ካርቱም ካብ መጥቃዕቲ ድሮን ንስክላ ከምዝድሓነ ይገልጽ።
ዓብዱላህ እታ ድሮን ናይ ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ከምዝኾነት’ውን ይጠቅስ።
ኣብ መጀመርታ 2024 ካብ ካርቱም ወጻኢ ሓዲሽን ጽዕጹዕን ኵናት ክካየድ ጀሚሩ።
ኣብ ሰሜን፡ ምብራቕን ማእከላይን ሱዳን ሰለማውያን ሰባት ብመጥቃዕቲ ድሮናት ክቕተሉ ጀሚሮም።
ዓብዱላህ ቅድሚ ናብ ግብጺ ምህዳሙ፡ ንሱን ስድርኡን ድሑን ቦታ’ዩ ብምባል ኣብ ፖርት ሱዳን’ዮም ተዓቒቦም ነይሮም፡ እንተኾነ ኣብ ፖርት ሱዳን’ውን ካብ መጥቃዕቲ ድሮን ኣይክንተርፍን ኢና ስለዝበሉ ካብታ ከተማ ክሃድሙ ተገዲዶም።
ዓብዱላህ “ህዝቢ ሱዳን ብኵናት ደኺሙ’ዩ፡ ኩላትና ኵናት ደው ክብል ኢና ንደሊ፡ ሃገራት ወጻኢን ንኽልቲኦም ወገናት ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ካብ ምግባር ደው እንተኣቢለን፡ እቲ ኵናት ደው ክብል’ዩ” ይብል።