ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ኣል ፋሺር እታ እንኰ ተሪፋ ዝነበረት ሆስፒታል ተዓጽያ

ኣብታ ተኸርዲና ዘላ ሱዳናዊት ከተማ ኢል ፋሸር ኣገልግሎት ክትህብ ዝጸንሐት እንኰ ሆስፒታል ድሕሪ ዘጋጠማ ደብዳብ ክዓጽውዋ ከም ዝተገደዱ ዶኳትር እታ ሆስፒታል ሓቢሮም።

ሱዳን ንዝሓለፈ 14 ኣዋርሕ ኣብ ጽዑቕ ኵናት ሓድሕድ’ያ ተጸሚዳ ዘላ።

ኣል ፋሸር፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር እታ እንኰ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን ዘላ ከተማ’ያ።

እታ ከተማ ብሓካይም ብዘይ ዶብ ሓገዛት እናተገበረላ’ያ ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ክትህብ ጸኒሓ።

ቅድሚ ሓያለ መዓልታት ኣብታ ሆስፒታል ደብዳብ ተፈጺሙ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሆስፒታል ዝሕከሙ ዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት ሞትን መቁሰልተን ከም ዘስዓበ ይዝከር።

ብተወሳኺ ብሕመቲ ዝምርሑ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ብቀዳም ናብታ ሆስፒታል ብምእታው ዕግርግር ከም ዝገበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሓቢሮም።

እቶም ዕጡቓት ናብቲ ሆስፒታል እናተኮሱ ብምእታው መድሃኒታትን ናውቲ ሕክምናን ናብ ኣምቡላንስ ጽዒኖም ከም ዝወሰድዎን ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ሕክምና ምጉብዕባዕን ምፍርራሕን ከም ዝፈጸሙ’ውን እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

ምክትል ሓላፊ ሓካይም ብዘይ ዶብ ኣብ ሱዳን ማክሲሚለን ኮዋለሰኪ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ዕግርግር ስለ ዝነበረ [ቀዳም] ሰራሕተኛታትና መን ብጥይት ዝተሃረመ ወይ ዝተቐተለ ኣሎ ክፈልጡ ኣይክኣሉን” ኢሉ።

ኣቀድም ኣቢሎም ሓካይም እታ ሆስፒታል፡ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ነቲ ሆስፒታል ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዝዎ መደብ ከም ዘለዎም ንበቢሲ ሓቢሮም ነይሮም’ዮም።

ብቀዳም ኣብ ልዕሊ እቲ ሆስፒታል መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ 10 ተሓከምትን ውሑዳት ኣባላትን ጥራይ ከም ዝነበሩ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓካይም ብዘይ ዶብ “እቲ ሕክምና ናብቲ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ግንባር ኣዝዩ ቀረባ’ዩ፤ ስለዚ ሕጂ ግድን ክንዓጽዎ ኢና” ኢሉ።

ምክትል ሓላፊ ሓካይም ብዘይ ዶብ ኣብ ሱዳን ማክሲሚለን ኮዋለሰኪ፡ ኣብቲ ቦታ ቀረብ ነዳዲ፡ ኤሌክትሪክን ማይን ከም ዘየለ ብምሕባር፡ ነቲ ሆስፒታል ናብ ካልእ ቦታ ክሳብ ዘግዕዝዎ ብውሕዱ ንሓደ ሰሙን እቶም ብጥይት ዝተሃረሙ ሰለማውያን ሰባት ኣብ ጥራይ ጎልጎል ክገድፍዎም ከም ዝተገደዱ ገሊጹ።

እቲ ብቀዳም ኣብ ልዕሊ እቲ ሆስፒታል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ሱዳን ሕጊ ከም ዘየለ ዘርኢ ከም ዝዀነ’ውን ምክትል ሓላፊ ሓካይም ብዘይ ዶብ ኣብ ሱዳን ማክሲሚለን ኮዋለሰኪ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ህጹጽ ደገፋት ሓካይም ብዘይ ዶብ ሚኪኤል ላቻሪተ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ሆስፒታል ዝተፈጸመ መትቃዕቲ “ጠገለ ዘይብሉ” ብምባል ኩሎም እቶም ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዘለዉ ዕጡቓት ሓላፍነት ክወስድሉ ከም ዘለዎም ገሊጹ።

ብጀካ እቶም ብሕሜቲ ዝምርሑ ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ፡ እቶም ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝመርሑ ሰራዊት ሱዳን’ውን ሰብኣዊ መሰላት ብምግፋፍ ይንቀፉ’ዮም።

እንተዀነ እዛ ኣብ ከተማ ኢል ፋሸር እንኰ ኣገልግሎት ክትህብ ዝጸንሐት ሆስፒታል ንክትዕጾ ቀንዲ ምኽንያት ዝዀኑ እቶም ብሕመቲ ዝምርሑ ዕጡቃት ከም ዝዀኑ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

እታ ሆስፒታል ኣብቲ ከባቢ እታ እንኮ መጥባሕቲ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዝነበራ ኰይና ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 1300 ብጥይት ዝተሃረሙ ሰባት ኣብታ ሆስፒታል ሕክምናዊ ሓገዛት ከም ዝገተገበረሎም ሓካይም ብዘይ ዶብ ይሕብር።

ኣብ ሱዳን ኣብ ሚያዝያ 2023 ኵናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ከምዝተቀተሉን ኣስታት ትሽዓተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ከኣ ሱዳን ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ብሰንኪ ኵናት ዝበዝሐ ህዝቢ ዝተፋናቐለላ ሃገር ክትከውን ኣኽኢልዋ ኣሎ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 35 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 150 ሰባት ኣብ ዞባ ገዚራ ብሰራዊት ሕሜቲ ብጅምላ ከም ዝተቐተሉ ዝገልጽ ጸብጻብ ወጺኡ ምንባሩ ይዝከር።