እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ዝርዝር ኣብ ልዕሊ ህጻናት ግህሰት ዝፍጽሙ ኣትዩ
ሕቡራት ሃገራት ንሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝርዝር ንህጻናት ክከላኸሉ ዘይከኣሉ ገበነኛታት ከም ዘስፈሮ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ብዛዕባ እቲ ውሳነ ብዓርቢ ከም ዝተነግሮ ዝገለጸ ጊላድ ኤርዳን፡ ነቲ ውሳነ “ዘሕፍር” ክብል ገሊጽዎ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ፡ እስራኤል ካትዝ እዚ ውሳነ “እስራኤል ምስ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝህልዋ ዝምድና ሳዕቤን ክህልዎ'ዩ” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ፍልስጤም፡ እቲ ውሳነ እስራኤል በቲ “ገበናት” ኢሉ ዝገለጾ ክትሕተት ሓደ ስጕሚ እዩ ክብል ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪቡ።
እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣንጻር ሓማስ ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣሽሓት ድማ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተቓሊዖም ኣለው።
እቲ ብዋና ጸሓፊ ዝቐርብ ዓመታዊ ዝርዝር፡ ጐንጺ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝርከቡ ህጻናት ምቕታል፣ ሓገዝ ምርካብ ምኽልካልን ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ዒላማ ምግባርን ዝሽፍን እዩ።
እዚ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ሰሙን ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክቐርብ’ዩ።
እንተዀነ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣየናይ ጥሕሰት ይፍጸም ከም ዘሎ ብንጹር ኣይተሓበረን ዘሎ።
ሓማስን ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን እውን ኣብቲ ዝርዝር ክኣትዉ ምዃኖም ጸብጻባት ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ሰራዊት እስራኤል “ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ሞራላዊ ሰራዊት” ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሕቡራት ሃገራት በቲ ውሳነ ንነብሱ ኣብ “ዝርዝር ጸሊም ታሪኽ” ኣእትዩ ኣሎ ክብል ነቒፉ።
ሓማስ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ደቡብ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከም ዝጀመረት ይፍለጥ።
በቲ ሓማስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ 38 ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 1200 ሰባት ከም ዝቐተሉን 42 ህጻናት ዝርከብዎም 252 ሰባት ጅሆ ከም ዝተትሓዙን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ህጻናት እስራኤል ሓቢሩ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንድሓር 36 ሽሕን 731 ሰባት ብደብዳብን ምድራዊ መጥቃዕቲን እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ኲናት ብውሕዱ 7 ሽሕን 797 ህጻናት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ ነይሩ።
ድሕሪኡ፡ ብዝሒ እቶም ኣብዚ ኲናት ዝሞቱ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ድማ ካብ 69% ናብ 52% ኣውሪድዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።
እስራኤል፡ እቲ፡ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሓማስ ኣብ ዝረኸቦ ናይ ሓሶት መረዳእታ ይምርኰስ ከም ዘሎ ዘርኢ’ዩ ክትብል ነቒፋ። ከምዝተጸግዐ ዘርኢ'ዩ ኢላ።
ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ዝረኽቦ ጸብጻባት ካብቲ ብሓማስ ዝመሓደር ቤት ጽሕፈት ሚድያ መንግስቲ (GMO) ዝመጽአ ዘይኰነ፡ ካብቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣብ ዝረኽቦም ኣሃዛት ይምርኮስ ከም ዘሎ ይገልጽ። ብሓማስ ዝመሓደር ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ ሚዲያ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ልዕሊ 15 ሽሕ ህጻናት ከም ዝቐተለ ይገልጽ።
ትማሊ ዓርቢ፡ ማዕከን ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ትንተና ኣብ መረዳእታ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ዝተቕትሉ ፍልስጤማውያን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣዝዩ ዝነከየ ይመስል ኢሉ።
እዚ ምስ ምንካይ ጻዕቒ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣብ ዘይመንግስታዊ ጉጅለ መጽናዕቲ ኣመሪካ ዝዀነ ሲኤንኤ ዝሰርሕ ክኢላ ጠቒሱ ገሊጹ።
ይኹን’ምበር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ይቕጽል’ዩ ዘሎ።
ብሓሙስ ንግሆ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ብብዝሒ ተመዛበልቲ ተዓቚቦምሉ ኣብ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 35 ሰባት ከም ዝቐተሉ ይንገር።
ኣሜሪካ በቲ መጥቃዕቲ 14 ህጻናት ከም ዝተቐትሉ ዝገልጽ ጸብጻባት ከም ዝበጽሓ ገሊጻ። እስራኤል ግን በቲ መጠዕቃዕቲ ተቐቲሎም ዝበለቶም ኣሽማት 17 ኣባላት ሓማስን ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን ዘርዚራ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ኣል-ኣቕሳ ዝነበሩ ጉጅለ ዓለምለኸ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF)፡ ኣብቲ ዕለት ንዝነበረ ነውጺ ከም ዝተዓዘቡ ተዛሪቦም።
እቲ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብውሕዱ 70 ዝሞቱ ሰባት ከም ዝመጽኡን፡ ልዕሊ 300 ከም ዝቖሰሉን ብምግላጽ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝዀኑ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጥቓ ደቡባዊት ከተማ ራፋ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ዝተተኰሰ ሚሳይን ዘስዓቦ ሓዊ ብዙሓት ህጻናት ዝርከብዎም 45 ሰባት ከም ዝቐተሉን እዚ ዓለማዊ ቁጥዐ ከም ዘስዓበን ተገሊጹ ነይሩ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ከምዚ ዓይነት ባርዕ ክለዓል’ዩ ዝብል ግምት ከም ዘይነበሮ ኣብቲ እዋን ገሊጹ።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ እስራኤል ናብ ቓዛ እኹል ሓገዝ ንከይኣቱ ብምድንጓይ፡ ኣብ ግዝኣት ፍልስጤም ንዝነብሩ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ መግቢ፡ መድሃኒት ከምኡ’ውን ነዳዲ ብምኽላእ ትኽሰስ።
ወሃቢት ቃል ትካል ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ጁሊየት ቶማ፡ “ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢን ዋሕዲ ማይን ይሞቱ ኣለው” ኢላ።
እንተዀነ፡ እስራኤል ነዚ ክሲ ብምንጻግ፡ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ሰብኣዊ ትካላትን እቲ ክኣቱ ዝተፈቕደ ሓገዝ ብኣግባቡ ክዕድሉ ኣይክኣሉን ብምባል ትኸስስ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ መርበብ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ጥምየት ዝዀነ ‘ፊውስ ኔት’፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ጥምየት ኣጋጢሙ “ክኸውን ከም ዝኽእልን” ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ራፋ ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ድማ ኣብኡ ንዘሎ ውሕስነት መግቢ የጋድዶ ከም ዝነበረን ገሊጹ’ዩ።
እቲ ሽዑ ኣብ ራፋ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ፍልስጤማውያን ከመዛብል እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ካብ ካልኦት ከባቢታት ቓዛን ከተማ ኻን ዮኑስን ተመዛቢሎም ዝመጽኡ ምዃኖም ይፍለጥ።
ዝበዝሕ ክፋል ኻን ዮኑስ ከም ዝዓነወ ጸብጻባት የመልክቱ።