እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ፡ ወሰኽ ዋጋ ባኒ ዝፈጠሮ ከቢድ ሻቕሎት
ነቲ ኣብ ከተማ ካይሮ ዘለዋ እንዳ ሕብስቲ ዘሎ ነዊሕ ሪጋ ምስ ርኣኻ፡ ኣብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝዓበየት ከተማ ዝኾነ ዝተኸሰተ ነገር ከምዘሎ ክትርዳእ ኣየጸግምን’ዩ።
ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዳርጋ ንኣስታት 60 ሚኢታዊት ነባሪ እታ ከተማ ቀለቡ ባኒ’ዩ። ዋጋ ባኒ መንግስቲ ድጎማ ስለዝገብረሉ ብተዛማዲ ሕስር ዝበለ ስለዝኾነ ከኣ ንብዙሓት ካብ ጥምየት ኣገላጊልዎም’ዩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ሰላሳ ዓመታት መንግስቲ ንፈለማ ኣብ ሕብስቲ ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ደው ስለዘበሎ ዋጋ ባኒ ብሓንሳብ ክንህር ተራእዩ። ኣብ 1 ሰነ ከኣ ዋጋ ባኒ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ።
ራማዳን ዓሊ ኣብ ሰሜን ካይሮ ብሕርሻ ዝናበር ግብጻዊ ኮይኑ “መንግስቲ ዋጋ ኩሉ ሃለኽቲ ነገራት ምስ ወሰኸሉ፡ ድሓን ባኒ ክሳብ ዝሃለወና ጸገም የለን ኢልና ነይርና፡ እንተኾነ ሕጂ ኸኣ ባኒ’ውን ካብ ጊባቦና ይርሕቕ ኣሎ” ኢሉ።
መንግስቲ ግብጺ ካብ 1940 ጀሚሪ’ዩ ኣብ ዋጋ ባኒ ክድጉም ጸኒሑ።
ራማዳን ከኣ ነተን ኣብ መዓልቲ የዐንጊለነኦ ዝውዕላ ሓሙሽተ ባኒ ብሓሙሽተ ሳንቲም’ዩ [0.0008 ፓውንድ] ዝዕድገን ነይሩ።
እቲ ድጎማ ምስ ተላዓለ ግን ሓንቲ ባኒ ብዕስራ ሳንቲም’ያ ትሽየጥ ዘላ።
ሳልም ኣብ ሰሜን ግብጺ’ዩ ዝነብር “ህዝቢ ንደቁ ክቅልብ ላዕልን ታሕትን’ዩ ዝብል ዘሎ” ይብል።
ሳልም ብምስዓብ “ኣብ መላእ ሃገር ዓቢ ሕርቓን ኣሎ እንተኾነ ሰብ ከይእሰር ስለዝፈርሕ ሕርቃኑ ናብ ደገ ኣየውጽኦን ብዓቢኡ ከኣ ዝመጽእ ለውጢ የለን ኢሉ ተስፋ ቆሪጹ’ዩ” ይብል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ሙስጣፋ ማድቦሊ መንግስቲ ነቲ ኣብ ሞንጎ “ቀረብን ዋጋን” ዘሎ ፍልልይ ንምጽባብ ይፍትን ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ንሓንቲ ባኒ 125 ሰንቲም ከምዘውጽእ ብምሕባር ሕጁ’ውን ነቲ 84 ሚኢታዊት ዋጋ ሓንቲ ባኒ መንግስቲ ይድጉሞ ከምዘሎ ገሊጹ።
እንተኾነ ህዝቢ ነታ ውሕድቲ ኣብ ባኒ ትግበር ወሰኽ ናይ ዋጋ’ውን ክጻወሮ ከምዘይክእል’ዩ ዝግለጽ።
ፈውዝያ ራጃብ ዝተብሃለት ግብጻዊት ብወገና “ዋጋ ባኒ ብምውሳኹ ናብራ ከመይ ከምንእክእሎ ንጭነቕ ኣለና፡ መንግስቲ ን10 ኪሎ ሓሩጭ ብ30 ፓውንድ ግብጺ’ዩ ዝሸጦ፡ እንተኾነ ሰንኪትና ከይንበልዕ ግዜን ጽዓትን የብላናን” ትብል።
በሊሕ ፖሎቲካዊ ውክልና
ኣብ ግብጺ ባኒ ‘ዔሽ’ እዩ ዝሃል፡ ካልኣይ ትርጉም ናይ ዔሽ ከኣ ብዓረብ ምንባር ማለት’ዩ።
እዚ ንግብጻውያንን ባንን ዘለዎም ርከብ ዘርኢ’ዩ። ባኒ ማለት ንግባጻውያን ምንባርን ዘይምንባርን ዝፈሊ’ዩ።
ካብዚ ብምብጋስ ዋጋ ባኒ ምስ ወሰኸ ብቀጥታ ምስ ፖሎቲካ እታ ሃገር ክተሓሓዝ ግዜ ኣይወሰደን።
ኣብ 1977 ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ኣንዋር ሳዳት ዋጋ መግቢ ክውስኸሉ ኣብ ዝፈተነሉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ግብጻውያን ናብ ጎዶናታት ብምውጻእ ተቃውምኦም ኣስሚዖም፡ እቲ ናይ ሽዕኡ ህዝባዊ ተቓውሞ ‘bread uprising’ ዝብል ስም’ዩ ተዋሂብዎ።
እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ መንግስቲ ኣንዋር ሳዳት ነቲ ዝሓሰቦ ከወንዝፎ ኣገዲድዎ።
ኣብ 1980ታት’ውን መንግስቲ ኣብ ዋጋ ባኒ ጥራይ መጀመርታ ክልተ ሳንቲም ድሕሪ ዓመታት ከኣ ብሓሙሽተ ሳንቲም ወሲኽሉ።
ኣብ 2011 እዋን ‘ዓረብ ስፕሪንግ’ እቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ግብጻውያን ማዕረ ማዕረ እቲ ንማሕበራዊ ፍትሕን ናጽነትን ጠለቦም ዋጋ ባኒ ክጎድል’ውን ይጽውዑ ነይሮም’ዮም።
ኣብ 2021 ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ “ዋጋ ሓደ ባኒ ብሓሙሽተ ሳንቲም ክውስኽ ግዚኡ ኣኺሉ ኣሎ፡ ብዋጋ ሓንቲ ሽጋራ ዕስራ ባኒ ክግዛእ ምኽንያታዊ ኣይኮነን” ኢሉ።
ግብጺ ብደረጃ ዓለም ብብዝሒ ካብ ወጻኢ ትሽምቶ ስርናይ ኣብ ካልኣይ’ያ ትስራዕ።
ካብዚ ብምብጋስ እቲ ብብዙሕ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ካብ ደገ ዝሽመት ስርናይ መንግስቲ ዶጒሙ ናብ ህዝቢ ብመልክዕ ባኒ ክሸጦ ከምዘየዋጽእ ገለ ሰበ-ስልጣን ትሒም ትሒም ክብሉ ጀሚሮም።
ኵናት ዩክረይን ምስ ተወለዐ ዋጋ ስርናይ ብደረጃ ዓለም ወሰኽ ኣርእዩ’ዩ ኣብ ልዕሊኡ ፓውንድ ግብጺ’ውን ምስ ዶላር ብምንጽጻር መጠኑ እናጎደለ ስለዝኸደ ዋጋ ባኒ ኣብ ግብጺ ክውስኽ ግዜ ኣይወሰደን።
እቲ መንግስቲ ኣብ ዋጋ ባኒ ወሰኽ ክግበር ዘቕረቦ ሓሳብ ነዊሕ ክትዕ ድሕሪ ምውሳድ ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ሙስጣፋ ማድቦሊ ብ29 ግንቦት ዋጋ ባኒ ብወግዒ ከምዝወሰኸ ንህዘቢ ኣፍሊጡ።
እዚ ግብጺ ንዘጋጠማ ቁጠባዊ ዝቅባበ ካብ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ] ናይ 8 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ከምዝረኸበት ኣብ ዝተገለጸሉ፡ ዋጋ ባኒ ምውሳኹ ምኽንያታዊ ከምዝኾነ’ዩ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ገሊጹ።
ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ነቲ ልቓሕ ንክፈቅድ፡ መንግስቲ ግብጺ ዝገብሮ ድጎማታት ከውሕዶ ከምዘለዎ ከምዝተነገሮ ኣብ ዩኒቨርስቲ ስወጽ ፕሮፌሰር ስነ ቁጠባ ዝኾነ መሓመድ ኣል ባህዋሽይ ይገልጽ።