እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፒኤስጂ፡ ብሸቶ ሊዮነል ሜሲ ተሓጊዛ ዋንጫ ሊግ 1 ፈረንሳ ዓቲራ
ፒኤስጂ ብሸቶ ሊዮነል ሜሲ ንመበል 11 ግዜ ዋንጫ ሊግ 1 ፈረንሳ ዓቲራ።
ሊዮነል ሜሲ ካልእ ክብረወሰን ዝሰበረ ሸቶ ብምምዝጋብ እዩ ጋንቱ ክትዕወት ኣኽኢልዋ።
ሜሲ ኣብ መበል 59 ደቒቕ፡ ኪልያን እምባፐ ዘቐበሎ ኵዕሶ ናብ ሸቶ ብምቕያር ፒኤስጂ ማዕረ ገይርዋ።
ጸወታ ብማዕረ ምዝዛማ ስዒቡ እታ ክለብ ተዓዋቲት ናይዚ ዓመት ዋንጫ ሊግ 1 ኰይና።
ሊዮነል ሜሲ ዘመዝገባ ሸቶ ኣብ ኤውሮጳ መበል 496 ሸቶኡ እያ።
እዛ ሸቶ ድማ ኣብ ክርስትያኖ ሮናልዶን ሊዮነል ሜሲን ፍልልይ ፈጢራ ኣላ፤ ሕጂ ሜሲ ካብ ሮናልዶ ብሓንቲ ሸቶ በሊጹ ይርከብ።
ሜሲ ትማሊ ሰንበት ምሸት ዘመዝገባ ሸቶ፡ ነታ ክለብ መበል 32 ሸቶኡ እያ፡ ዝመጽእ ሓጋይ ካብታ ክለብ እንተወጺኡ ድማ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ፒኤስጂ ኣንጻር ስትራስበርግ ማዕረ እንተተፈላልያ፡ ዋንጫ ከም እትዓትር ፈሊጣ’ያ ናብ ሜዳ ኣትያ።
ብሰንኪ’ዚ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ናይቲ ጸወታ ዘሰልቹ ነይሩ።
ዋላ'ኳ ፒኤስጂ ዋንጫ እንተተዓወተት፡ ኣሰልጣኒ ክሪስቶፈር ጋልቲየር ምስታ ክለብ ምቕጻሉ ግን ኣጠራጣሪ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ 2021 ንሊል ዋንጫ ክትዕወት ዘኽኣለ እዚ ኣሰልጣኒ፡ ሎሚ ዓመት ካብ ሻምፕዮንስ ሊግ ምውጽኡ ንሓለፍቲ እታ ክለብ ዘሕዘነ ፍጻመ እዩ ነይሩ።
ቅድሚ ሕጂ ብሴንት ኢቲየንን ማርሴን ከምኡ’ውን ፒኤስጂ ነፍስ ወከፈን 10 ዋንጫታት ብምዕዋት ክብረወሰን እቲ ሊግ ሒዘን ጸኒሐን’የን።
ሕጂ ፒኤስጂ፡ ብ1 ዋንጫ በሊጻ ንበይና ነቲ ክብረሰወሰን ሒዛ ትርከብ።