እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣርቴታ፡ ኣርሰናል ኣብ ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ ድሕሪ ዘጋጠማ ዘሕምም ውድቀት ‘ክትፍወስ ኣለዋ’
ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ ጋንትኡ ዋላ’ኳ “ዘገርም ናይ ውድድር ዘመን” እንተሕለፈት ኣብ ውድድር ዋንጫ ፕሪሜር ሊግ ድሕሪ ዘጋጠመ ውድቀት "ክትፍወስ ኣለዋ” ኢሉ።
ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ ንማንቸስተር ሲቲ ‘ኣሕሊፋ ዝሃበት’ ኣርሰናል ብሰንኩ ካብ ዘጋጠሞ ቓንዛ ክትፍወስ ከም ዘለዋ ኣሰልጣኒኣ ተዛሪቡ።
ትማሊ ቀዳም ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ገጢማ ዝተስዓረት ኣርሰናል፡ ማንቸስተር ሲቲ ቀጻሊ ግጭማ ከየካየደት እንከላ ተዓዋቲት እቲ ጽዋዕ ከም ዝዀነት ከተረጋግጽ ኣኽኢሉዋ እዩ።
ውድድር እዚ ዓመት ብጽንብል ዓወታት ዝጀመረት ኣርሰናል፡ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ማንቸስተር ሲቲ ብሸሞንተ ነጥቢ በሊጻ ምንባራ ይዝከር።
እንተዀነ፡ ኣርሰናል ኣብተን ዝሓለፉ ሸሞንተ ጸወታታት ክልተ ጥራይ እያ ክትዕወት ክኢላ። በዚ ምኽንያት ነታ ዋንጫ ንሲቲ ኣሕሊፋ ሂባ ኣላ።
“ሕጂ ብዛዕብኡ ክሓስብ ዓቕሚ የብለይን፤ ማንቸስተር ሲቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ጥራይ እየ ክብል ዝኽእል” ኢሉ ሚኬል ኣርቴታ።
“ንዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣብ ቅድሚት ኰይንና ምስ ሲቲ ምውድዳር ኣዝዩ ዘገርም ጉዕዞ ነይሩ፤ ብዙሕ ተማሂርና ኢና። ብዙሕ ለውጢ’ውን ኣምጺእና። ግን ድማ ድኻምና ውጽኢታዊ ዝኸውን ዋንጫ ምስ እንረክብ’ዩ፤ ንሱ ድማ ኣይኰነን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣርሰናል ኣብ ታሪኽ ፕሪሚየር ሊግ ኢንግሊዝ፡ ኣብ ዘመን ውድድር 2022-23 ን248 መዓልታት ነቲ ሊግ መሪሓ ዋንጫ ዘየልዓለት ፈላመይቲ ጋንታ ኮይና ተመዝጊባ ኣላ።
ኣርቴታ ሕጂ ንጋንትኡ ወዲቡ ሞራሎም ናብ ንቡር ብምምላስ ነቲ ናይ መወዳእታ ጸወታ እቲ ሊግ ይዳሎ ኣሎ።
“እዚ ኵዕሶ እግሪ’ዩ፤ ንዓና ኣዝዩ ዘሕዝን መዓልቲ’ዩ፤ ን11 ኣዋርሕ ዕላማ ሒዝና ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና። ንኣዋርሕ ድማ ኣብ መሪሕነት እቲ ሊግ ጸኒሕና። ተወዳዲርና ኢና ግን እኹል ኣይሰራሕናን” ክብል ንስካይ ስፖርት ተዛሪቡ።
ኣርቴታ ወሲኹ፡ “ሕጂ ክንፍወስ እዩ ዘለና። ኣዝዩ መሪር እዩ፤ ግን ንተጻወትተይ ሞራሎም ዘልዕለሉ መገዲ ክረክብ ኣለኒ- ከቢድ ሰሙን ድማ ይጽበየና ኣሎ" ኢሉ።
ማንቸስተር ሲቲ ዋላ’ኳ ዝሓለፉ 11 ጸወታት እቲ ሊግ እንተስዓረት “እቲ ጌጋ ናይ ባዕዕልና’ዩ” ክብል ሓላዊ ልዳት ኣርሰናል ኣሮን ራምስዴል ገሊጹ።
“ኣብ ዝሓለፉ ናይ ውድድር ዘመናት ሓንቲ ጋንታ ጥራይ'ያ ንሲቲ በሊጻ ተረኪባ። እቲ ብጣዕሚ ዝሓመቐ ጌጋ ናይ ባዕልና እዩ። ከንዕወተሉ ዝግባር ግጥም ብናይ ሓደ ውልቀሰብ ጥፍኣት ከይተዓወትና ተሪፍና”።
'ማን ሲቲ ደም ጨንዩዋ ማለት ጸወታ ተወዲኡ ማለት'ዩ’
ኣብ ዝሓለፈ ናይ ውድድር ዘመን ሓሙሸይቲ ኰይና ዝወድአት ኣርሰናል ንዋንጫ ክትነሓናሕ ምርኣይ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ እዩ ነይሩ።
ይኹን’ምበር ድሕሪ 2004 ንፈለማ እዋን ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ሊግ ክትዓትር ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን፡ ተጻወትቲ ኣርሰናል እንታይ’ዩ ኣጋጢሙዎም?
ተኸላኻሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር ጋሪ ኔቪል ንስካይ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ኣዝዩ ከቢድ ኰይኑዎም ከም ዝነበረ ምዝራብ ይክኣል። እቲ ጉዳይ ጥንካረ ኣእምሮ ይመስለኒ። ወትሩ ኣርሰናል ጸቕጢ ክብርትዖ እንከሎ ክጻወርዎ ይኽእሉ'ዮም ዝብል እምነት ኣይነበረንን” ኢሉ።
ኣከፋፋሊ ስኮትላንድ ነበር ቻርሊ ኣዳም ንቢቢሲ ሬድዮ 5 ላይቭ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣርሰናል ኣብ ውዱእ ሰዓት እቲ ዋንጫ ኣሕሊፋ ምሃባ ዘሕዝን ምዃኑ ገሊጹ።
ዋላ’ኳ ኣርሰናል እቲ ዋንጫ ኣሕሊፉ ከም ዝሃበት ዝክሓድ እንተዘይኰነ፡ መወዳድርታ ማንቸስተር ሲቲ ምዃና ክንዝንግዕ የብልናን ይብል።
ተኸላኻሊ ሊቨርፑል ትሬንት ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ኣብ ዘመን ውድድር 2018-19 ብተመሳሳሊ ምስታ ጋንታ ኰይኑ ነቲ ሊግ ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ብሲቲ ከም ዝተመንዝዐ ይዝከር።
ትሬት፡ “ማንቸስተር ሲቲ ደም ጨንዩዎ ኣሎ ማለት (ዋንጫ ርእዩ) እቲ ጸወታ ተወዲኡ ኣሎ ማለት’ዩ” ክብል ርኢይቶ ሂቡ።