እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ካብ ልበይ፡ ዝከኣለኒ ኩሉ ገይረ’ - ተኸላኻላይ ፊል ጆንስ ካብ ማን ዩናይትድ ክሰናበት’ዩ
ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብሰንኪ መጉዳእቲ "ኣዝዩ ከቢድ" ግዜ ዘሕለፈ ፊል ጆንስ፡ ኣብዚ ክራማት ውዕሉ ወዲኡ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክሰናበት ምዃኑ ተፈሊጡ።
27 ግዜ ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዝተጻወተ ወዲ 31 ዓመት ፊል፡ ምስ ዩናይትድ 229 ጸወታታት ብምክያድ 6 ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ።
እዚ ተኸላኻላይ ኣብ 2011 ካብ ብላክበርን ሮቨርስ ዝተገዝአ ኰይኑ፡ ኣባል ናይታ ኣብ 2012-13 ፕሪሚየር ሊግ ዝተዓወተት ጋንታ ማንቸስተር ነይሩ።
ጆንስ ኣብ ቃለ መሕትት እታ ክለብ "ብዘይሕለል ኣበርቲዐ ሰሪሐ - ቃል ብቓሉ ዝዀነ ዘይፋሕጠርክዎ እምኒ የለን" ኢሉ።
"ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ካብ ጸወታ ብዝተፈለኹ ቁጽሪ፡ ኩሉ ግዜ ብዝከኣለኒ መጠን ቀልጢፈ ክምለስ ፈቲነ።"
ምስ ዩናይትድ ዘካየዶ ናይ መወዳእታ ጸወታ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻር ብሬንትፎርድ 3ብ0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ኰይኑ፡ ብድሕሪኡ ብጉድኣት ከይተሰለፈ'ዩ ጸኒሑ።
"ዝያዳ ክጻወት እንተዝኽእል ደስ ምበለኒ። ነተን ኣብ መንጎአን ዝተጻወትኩለን ብዙሓት ጋንታታት [ማንቸስተር ዩናይትድ] ዝያዳ እንተዝገብር ጽቡቕ ነይሩ። ካብ ልበይ፡ ዝከኣለኒ ኩሉ ገይረ" ክብል ንደገፍቲ ዩናይትድ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ገሊጹ።
ፊል ጆንስ ምስታ ክለብ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣዝየን ከበድቲ ነይረን፡ እዚ ዝከሓድ ኣይኰነን" ክብል ተዛሪቡ።
"ስድራይ ትኹረት ንኽህልወኒን፡ ብቑዕ ንክኸውንን ንኽጽዕርን ከምኡ’ውን ዝያዳ ንክጻወት ፍጹም ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።"
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ጉድኣት ተመሊሱ ኣንጻር ዎልቭዝ ዘካየዶ ጸወታ "ንዓይ ፍሉይ ይመስለኒ" ኢሉ።
"ፈጺመ ዘይርስዖ ህሞት’ዩ። ናብቲ ሽዑ ዝነበረኒ ደረጃ ብቕዓት ንምብጻሕ ኣዝየ፡ ኣዝየ ጽዒረ እየ።"
"እዚ ኣብ ሞያይ ዓቢ፡ ዓቢ ህሞት'ዩ ነይሩ፤ ደገፍቲ ድማ፡ ኣብታ መዓልቲ፡ ንምእማኑ ዘጸግም'ዮም ነይሮም። ንቲ ጸወታ ዘርኣዩኒ ፍቕሪ፡ ዘርኣይዎ ኒሕ፡ ኣዝዩ ፍሉይ'ዩ ነይሩ።"
"በዚ ድማ ዝኣክል ምስጋና ክህቦም ኣይክእልን። ኣብዚ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ቀጻሊ ደገፍ ኰይኖምኒ'ዮም።"
ጆንስ ኣብታ ክለብ ኣብ ዝጸንሓሉ 12 ዓመታት፡ ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ምስ ዩናይትድ ኣብ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ ተዓዊቱ እዩ።
ብተወሳኺ ኣብ 2016 ዋንጫ ኤፍኤ፡ ኣብ 2017 ዋንጫ ሊግን ዩሮፓ ሊግን፡ ኣብ 2011ን 2013ን ድማ ዋንጫ ኮምዩኒቲ ሺልድ ከም ዝተዓተ ይፍለጥ።
ማንቸስተር ዩናይትድ፡ "ቁጽሪ ኣርባዕተና ሕጂ ቀጻሊ ስጉምቱ ቅድሚ ምውሳኑ ገለ ግዜ ይወስድ ኣሎ" ኢላ።
“ኩሉ ማሕበረሰብ ዩናይትድ ንፊል ኣብ መጻኢ ጽቡቕ ዕድል ከጋጥሞ ንምነ።”