እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
አርሊንግ ሃላንድ ሓድሽ ክብረወሰን ሸቶታት ፕሪሚየር ሊግ ኣመዝጊቡ
ኣጥቃዓይ ማንቸስተር ሲቲ አርሊንግ ሃላንድ ኣብ ሓደ ዓመተ-ውድድር 35 ሸቶ ፕሪሚየር ሊግ ብምምዝጋብ ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቡ።
ቅድሚ ሕጂ እቲ ክብረሰወሰን ብኣላን ሺረርን ኣንድሪው ኮልን ተታሒዙ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
“እዛ ምሸት እዚኣ ጽቡቕቲ ምሸትን ጽቡቕቲ ኣጋጣሚን እያ። ሕጉስ እየ፤ እሕበን’የ" ክብል ሃላንድ ብረቡዕ ምሸት ንስካይ ስፖርት ገሊጹ።
ንቢቢሲ ማች ኦፍ ዘ ደይ ኣብ ዝሃቦ ቃል’ውን “ሰለስተ ነጥቢ ብምውሳድና ሕጉስ እየ። እቲ ነጥቢ'ዩ ቀንዲ ዘገድስ" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ወዲ 22 ዓመት ኖርወጃዊ፡ ብረቡዕ ጋንትኡ ንዌስትሃም 3 ብ 0 ብምስዓር ናብ መሪሕነት እቲ ሊግ ኣብ ዝተመለሰትሉ ጸወታ’ዩ መበል 35 ሸቶኡ ኣመዝጊቡ።
እቲ ጸወታ ምስተዛዘመ፡ ኣሰልጣኒ ፐፕ ጓርድዮላን ኩሎም ኣባላት ጋንታኡን ተሰሪዖም ንሃላንድ ዘለዎም ክብርን ኣድናቖት ክገልጹ ተራእዮም።
ሃላንድ፡ “ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። ሸቶ ምምዝጋብ ጽቡቕ ስምዒት" ዝፈጥር'ዩ ኢሉ።
ኣባላት እታ ጋንታ “ተሰሪዖም ኣኽብሮቶም ንምግላጽ ክሃርሙኑ ከለዉ ዘሕምም'ዩ ነይሩ" ብምባል ድማ ተዋዝዩ።
ኣንዲ ኮል ኣብ ዓመተ-ውድድር 1993/94 ንኒውካስል 34 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ነይሩ።
ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ድማ ብላክበርን ዋንጫ ንክትዕወት ዝሓገዘ ኣላን ሺረር ነቲ ክብሪ ተኻፊሉ።
ክልቲኦም ተጻወትቲ ክብረወሰን ከመዝግቡ እንከለዉ፡ ቁጽሪ ናይተን ኣብቲ ሊግ ዝሳተፋ ጋንታታት 22 እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ካብ ሆላንድ ዝዛይድ 4 ጸወታታት ክጻወቱ ኣኽኢልዎም ነይሩ።
ሺረር ኣብ ኩለን 42 ጸወታታት ብስሩዕ ክጻወት ከሎ፡ ኮል ድማ ኣብ ክልተ ጸወታታት ጥራይ ኣይተሳተፈን።
ሃላንድ ኣብ ቀዳማይ ዓመተ ስፖርት ናይቲ ሊግ፡ ነዚ ክብረወሰን ንምስባር 31 ሰሙን ጥራይ ኢዩ ወሲዱሉ።
ማንቸስተር ሲቲ፡ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ገና 5 ጸወታታት ተሪፍዋ ኣሎ።
ኣሰልጣኒ ፐፕ ጓርድዮላ፡ “ዘገርም እዩ።. . . ገና 5 ጸወታታት ተሪፍዎ ኣሎ። ኣብ መበል 60 ደቒቕ ሃትሪክ [ሰለስተ] ድሕሪ ምምዝጋቡ ክንደይ ግዜ እየ ቀይረዮ? እንተዘይቅይሮ ነይረ ዝያዳ ሸቶታት መመዝገበ ነይሩ። ግን ክጉዳእ እውን ይኽእል እዩ። እንቋዕ ሓጎሰካ" ክብል ስምዒቱ ገሊጹ።
ወሲኹ፡ “ክብረወሰን ሺረርን ኮልን ክሰብር ዘይኰነስ ሸቶታት ከመዝግብ ኢና እንደሊ። . . . ዋንጫ እቲ ሊግ ክዕወት ከም ዝደሊ ርግጸኛ እየ" ኢሉ።
“እቲ ክብረወሰን ክስበር ኣይደልን'የ ነይረ። ከይተሰብረ ን28 ዓመት ጸኒሑ’ዩ። ንሱ ፍሉይ ተጻዋታይ'ዩ" ክብል ኣላን ሺረር ንሃላንድ ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ።