እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ ኣብ ልዕሊ ዳኛ ብዝሃቦ ርእይቶ ተኸሲሱ
ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ፡ ጋንትኡ ኣብ ልዕሊ ቶተንሃም ዓወት ኣብ ዘመዝገበትሉ ጸወታ ንዳኛ ፖል ቲርኒ ኣመልኪቱ ብዝሃቦ ርእይቶ ብማሕበር ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ተኸሲሱ።
እቲ ዳኛ ምስ ጋንታኡ ጸገም ከም ዘለዎ ዝተዛረበ እቲ ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ፡ ድሒሩ በቲ ዝሃቦ ርእይቶ ከም ዝተጣዓሰ ኣፍሊጡ’ዩ።
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ፡ ክሎፕ ዝሃቦ ርእይቶ ምስ "ዘይግቡእ ባህሪ" ዝመጣጠን ምዃኑ ገሊጹ።
"እቲ ኣሰልጣኒ ብዛዕባ እቲ ዳኛ ዝሃቦ ርእይቶ ዘይግቡእ ባህሪ ጥራይ ዘይኮነስ ወገናውነት ዘርኢን ቅንዕና ዳኛ ኣብ ሕቶ ዘእቱን'ዩ" ይብል እቲ ማሕበር።
እቲ ኣሰልጣኒ ነቲ ክሲ መልሲ ክህብ ክሳብ ዝመጽእ ዓርቢ ግዜ ኣለዎ።
ክሎፕ፡ “ኣብቲ እዋን’ቲ ብስምዒትን ሕርቃንን ዝተፈጥረ ነገር” ከም ዝዀነ ይገልጽ።
“ዋላ’ኳ ነቲ ጸወታ 4 ብ 3 እንተተዓወተና፡ እቲ መዘራረቢ ነገር ዝፈጠርኩ ኣነ እየ" ኢሉ።
"ብዛዕባ እዚ ኣዝየ፡ ኣዝየ እየ ዝሓዝን። ክኸውን ዘይነበሮ ነገር እዩ።"
ኣሰልጣኒ የርገን፡ ቶተንሃም ሳልሰይቲ ሸቶ ዘመዝገበትላ ፍጹም ቅላዕ ምርካባ ከም ዝተቓወመ ዝዝከር’ዩ።
ብድሕሪኡ ጋንታኡ ክትዕወት ዘኽኣለታ ሸቶ ምስ ኣመዝገበት፡ ሓጎሱ ንምግላጽ ናብቲ ራብዓይ ዳኛ እናጎየየ ኣብ እግሩ ጉድኣት ከም ዝበጽሖ ይፍለጥ።
ክሎፕ ሓጎሱ ድሕሪ ምግላጹ ናይ መጠንቀቐዕታ ካርዲ ተዋሂብዎ። ድሕሪ እቲ ፀወታ እቲ ዳኛ ደስ ዘይብል ነገር ከም ዝተዛረበ ገሊጹ።
ኮሚቴ ምሕደራ ዳያኑ ፕሪምየር ሊግ፡ ኣብ ኩሉ ፀወታታት መደረታት ዳያኑ ዝምዝገበሉ ስርዓት ከም ዘሎ ብምጥቃስ ቲርኒ ሓላፍነቱ ብሕጋዊ መንገዲ ከም ዝፈፀመ ኣፍሊጡ።
ክሎፕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዘካየድዎ ጸወታ ናይ ሓደ ጸወታ እገዳ ተገይሩሉ ነይሩ። 30 ሽሕ ፓውንድ ከም ዝተቐጽዐ’ውን ዝዝከር’ዩ።
ብተወሳኺ ንቐጻሊ ባህሪኡ ከማሓይሽ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ነይሩ።
ሎሚ ምሸት ሊቨርፑል ንፉልሃም ከተአንግድ ከላ ማንቸስተር ሲቲ ድማ ኣብ ሜድኣ ምስ ዌስትሃም ክትገጥም እያ።