ሻምፕዮንስ ሊግ፡ ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ሪያል ማድሪድ ሕነ ክትፈዲ ትኽእል’ዶ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሲቲ ኣንጻር ሪያል ዕድላ ክትዕምር ኣይከኣለትን - ኣብዚ ዓመት ግን አርሊንግ ሃላንድ ኣብ ጎድና'ዩ ዝርከብ።

እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠማ ስዕረት፡ ኣንጻር ሪያል ማድሪድ ካብ ዘካየደቶም ጸወታታት እቲ ልቢ ዝሰብር እዩ ኔሩ።

ሎሚ ዓመት ግና ሕነ ክትፈድይ ዕድል ረኺባ ኣላ።

ንኻልኣይ ዓመተ ስፖርት ሲቲን ሪያልን ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ዕለት 9ን 17ን ግንቦት ክፋለማ እየን - ናይ መልሲ ጸወታ ኣብ ሜዳ ሲቲ ክኸውን’ዩ።

ዓሚ፡ ሲቲ ኣብ ናይ መልሲ ጸወታ ኣብ በርናቡ ክልተ ሸቶታት ከተመዝግብ ጥራይ ነይርዋ፤ ብድራማዊ መንገዲ ድማ ዝሓሰበቶ ፈጺማ።

ኣብ ስታድዩም ኢትሃድ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ጸወታ 4ብ3 ተዓዊታ ነይራ፤ ሪያድ ማህረዝ ንሲቲ ብድምር 5 ብ 3 መሪሕነት ክትሕዝ ኣኽኢልዋ።

ተቐይሩ ዝኣተወ ሮድሪጎ ግን ኣብ መበል 90ን 91ን ደቂቅ ንሪያል ክልተ ሸቶ ኣመዝጊቡ።

ብድሕሪኡ ኣብ ተወሳኺ ግዜ፡ ካሪም ቤንዘማ ካብ ፍጹም ቅላዕ ኣመዝጊቡ፤ ሪያል ብድምር 6ብ5 ተዓዊታ።

እታ ብካርሎ ኣንቸሎቲ ትምራሕ ጋንታ ኣብ ፍጻመ ጸወታ ንሊቨርፑል ረቲዓ ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትዓትር ክኢላ።

ኣብዚ ዓመት ሲቲ ኣብ ልዕሊ ባየር ሙኒክ ብድምር 4ብ1 ብምዕዋት ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ናብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ’ያ።

ሎሚ ዓመት ግን ነገራት ዝተፈልዩ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሓቀኛ ስምዒት ኣሎ - ብፍላይ ነቲ 48 ሸቶታት ዘመዝገበ ኣጥቃዓይ አርሊንግ ሃላንድ ኣብ ጎና ዝሓዘት ሲቲ ነቲ ጸወታ ክትዕብልል ከም እትኽእል ይንገር።

ኣሰልጣኒ ሲቲ ፔፕ ጓርድዮላ፡ “ሻምፕዮንስ ሊግ ክትዕወት እንተዀይንካ ንሪያል ማድሪድ ክትስዕር ከምዘለካ ኩለን ክለባት ይፈልጣ እየን" ይብል።

ሪያል ካብ ዝኾነት ጋንታ ብዕጽፊ፡ 14 ዋንጫታት ኤውሮጳ ከም ዝተዓወተት ይፍለጥ - ካብ ዝሓለፋ ትሽዓተ ዋንጫታት ድማ ነተን ሓሙሽተ ወሲዳ’ያ።

ኣንጻር ሪያል ሕነ ናይ ምፍዳይ ተኽእሎ ኣለኩም ድዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣከፋፋሊ ሲቲ በርናርዶ ሲልቫ፡ "እወ፡ ተስፋ ይገብር!" ክብል መሊሱ።

"ከምኡ ንምግባር ክንጻወት ኢና። ኩሉ ግዜ ንምዕዋት ኢና ንጻወት፡ እዛ ጋንታ ኣዝያ ኣዝያ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዋ ኰይኑ ይስምዓና። ንዕወት ይመስለኒ፡" ኢሉ።

ተኸላኻላይ ሲቲ ነበር ነዱም ኦኑሃ፡ "ብዓይኒ ደገፍቲ፡ ብርግጽ ብዛዕባ እዚ [ሕነ ምፍዳይ] እዮም ዝሓስቡ ዘለዉ" ይብል።

“ኣብዚ ውድድር ንሪያል ማድሪድ እትስዕር ጋንታ እንተኾይንና፡ ኣብ መወዳእታ ኩሉ ክትዕወት ከም እትኽእል ክትኣምን ኣለካ።”

ተኸላኻላይ ሲቲ ነበር ጆልዮን ሌስኮት እውን ኣብ ቢቲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሪያል ማድሪድ ፍሉይ ነገር'ያ። ዓሚ ብልጽቲ ኣይነበረትን" ኢሉ።

"ሪያል ማድሪድ ኣብዚ ውድድር እምነት ዘለዋ ይመስለኒ። 7 ዕድላት እንተረኺባ 5 ሸቶታት ክተመዝግብ እያ። እዛ ሲቲ እዚኣ ግን ዝተፈለየት ሲቲ'ያ። ከምዚ ሕጂ ዘላ ኣብ ምክልኻል ጸወታ ክትምርኮስ እትክእል ማንቸስተር ሲቲ ኣይረኣናን።"

ተጻዋታይ ሊቨርፑል ነበር ስቲቨን ዋርኖክ ብወገኑ፡ "ኣብ ፕሪሚየር ሊግን ሻምፕዮንስ ሊግን ክትዕወት’ያ ዝብል ግምት ኣለኒ” ይብል።

ሻምፕዮንስ ሊግ፡ 10 ሰነ ኣብ ኢስታንቡል ብዝካየድ ጸወታ ክዛዘም እዩ።