እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልኡል ሃሪን ብዓልቲቤቱን ሓማቱን ኣብ ኒውዮርክ እንታይ'ዩ ኣጋጢምዎም?
ብሪጣንያዊ ልኡል ሃሪ፡ ብዓልቲቤቱ ሜጋንን ሓማቱን ካብቶም ዝሃድንዎም ዝነበሩ ሰኣልቲ ንምኽዋል ዳርጋ "ኣብ ዘስካሕክሕ ሓደጋ" ኣትዮም ምንባሮም ኣፈኛ እቲ ልኡል ሓቢሩ።
እቲ መስፍን ሳሰክስ ዝኾነ ልኡልን ልእልቲ ሜጋንን፡ ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ጽንብል ምዕዳል ሽልማት ድሕሪ ምስታፎም'ዩ እቲ ፍጻመ ኣጋጢሙ።
እቲ ኣፈኛ ከምዝበሎ፡ እቲ "ዘየቋርጽ ሃድን" ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ከምዝቐጸለ ጠቒሱ።
ኣብቲ ጭርጭር-ዓበደ፡ ምስ ካልኦት መካይን፡ ኣጋርን ፖሊስን ክጋጨዉ ቁሩብ ከምዝተረፎም እቲ ዝወጸ መግለጺ ኣሚቱ።
"ዋላ'ኳ ፍሉጥ ሰብ ምዃን ገለ ተገዳስነት ህዝቢ ዘስዕብ እንተኾነ፡ ብዋጋ ድሕነት ዝኾነ ሰብ ክኸውን ግን የብሉን" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ።
ፖሊስ ከተማ ኒውዮርክ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ፍጻመ ከምዘጋጠመ ብምርግጋጽ ብዙሓት ሰኣልቲ "ንጉዕዞኦም በዳሂ" ገይረምዎ ኔሮም ኢሉ።
ምስቲ ፍጻመ ዝተሓሓዝ ዝበጸሐ ጉድኣት ይኹን ዝሰዓበ ማእሰርቲ ከምዘየለ'ውን ሓቢሩ።
ቤተንግስነት ባኪንግሃም ፓላስ'ውን ዛጊት ብዛዕባኡ ዘውጽኦ መግለጺ የለን።
ኣብቲ ሓያለ መካይን ዝተሳተፋሉ ፍጻመ፡ ገለ መካይን ቀይሕ መብራህቲ ትራፊክ ክጥሕሳን ብመንገዲ ኣጋር ክኸዳን ተራእየን። ገለ'ውን ኣብ ቅድሚኦም ብምሕላፍ ክዓግታን ንድሕሪት ክንቀሳቐሳን ከምዝተራእያ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ መንጎ'ቲ ዕግርግር፡ ኣዲኣ ንሜጋን ዶርያ ራግላንድ ካብቶም 'ፓፓራዚ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕስለ ሰኣልቲ ንምኽዋል ናብ መደበር ፖሊስ ማንሃታን ክትከይድ ፈቲና ነይራ።
እቶም ኣባላት ንግስነታዊ ቤተሰብ ዝኾኑ ሰብሓዳር፡ ድሕሪ ወግዓዊ ስነስርዓት ምድፋእ ዘውዲ ወላዲኡ ነቲ ልኡል፡ ንጉስ ቻርለስ 3ይ፡ ንፈለማ እዋን'ዮም ኣብቲ ብ'ፋውንዴሽን ዉመን ቪዢን ኣዋኣርድስ' (Foundation Women Vision Awards) ዝተባህለ ትካል ዝተዳለወ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ተራእዮም።
ልእልቲ ሜጋን ኣብቲ ብሰሉስ ዝተወደበ ጽንብል ሽልማት ተቐቢላ ነይራ። መስራቲት ናይቲ ንመሰላት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ንምጥባቕ ዝተበገሰ ምንቅስቓስ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ላቶሻ ብራውን'ውን ተሸሊማ'ላ።
ኣዲኣ ንሜጋን ዶርያ ራግላንድ'ውን ኣብቲ ጽንብል ምስኦም ተሳቲፋ ነይራ።
ጸጥታዊ ድሕነቶም ንምውሓሰ ኣብ ገዛ መሓዛኦም ከምዝጸንሑን ብቐጥታ ከምዘይተመልሱን ተገሊጹ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ሃሪ፡ ሜጋንን ዶራን ከምኡ'ውን ሓላዊኦም ብሓንቲ ትሓልፍ ዝነበረት ታክሲ ከተማ ኒውዮርክ ክጓዓዙ ፈቲኖም።
እንተኾነ ግን፡ ብሰኣልቲ ስለዝተራእዩ፡ ናብተን ናቶም መካይን ጸጥታ ክምለሱ ተገዲዶም።
ዘዋሪ ታክሲ ሱክቻርን ሲንግ ንጋዜጣ ዋሽንግተን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ከም ንቡር ስርሑ ሰዓት 11፡00 ምሸት ሰለስተ ተጓዓዝቲ ሰቒሉ ተበጊሱ።
ኣብቲ ካብ 10 ደቒቕ ንላዕሊ ዘይወሰደ ጉዕዞ ከምኡ ገይሩ ፈሪሑ ከምዘይፈልጥ ከኣ ተዛሪቡ።
"ብስቕታ ተዋሒጦም ዝፈርሑ'ዮም ዝመስሉ ነይሮም፡ ግና ኒውዮርክ'ዩ- ዘፍርሕ የለን" ዝበለ እቲ ዘዋሪ ታክሲ፡ ብትእዛዝ እቲ ምስኦም ዝነበረ ኣባል ፖሊስ ናብ መደበር ፖሊስ መሊስዎም።
ቤተሰብ ሃሪ ኣብ ኣሜሪካ፡ ናቶም ሓለውቲ ጸጥታ ኣለውዎም። እንተኾነ ግና፡ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝህልውሉ እዋን፡ መንግስታዊ ሓለዋ ክግበረሎም ዝጠልብ፡ ኣብ ለንደን ዘይተወድአ ሕጋዊ ምጉት ኣለዎም።
ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ኤሪክ ኣዳምስ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ጉድኣት ከውርድ ዝኽእል ምንባሩ ገሊጹ።
"ኣብቲ ሃድን፡ ህይወት ንጹሃት ኣጋር ተጓዓዝቲ ጠፊኡ ነይሩ እንተዝነብር'ውን ዘሕዝን ምኾነ።"
ከምኡ ዝበለ ልዑል ናህሪ ዘለዎ ሃድን ንክልተ ሰዓት ቀጺሉ ንዝብል ግን "ክኣምኖ ዘጸግም'ዩ" ዝበለ እቲ ከንቲባ፡ ዋላ ን10 ደቒቕ'ውን ኣብታ ጻዕቂ ሰብን ትራፊክን ዘለዋ ኒውዮርክ "ኣዝዩ ሓደገኛ" እዩ ኢሉ።
ብዛዕባ ሃሪ ዝጸሓፈ ደራሲ ዳንከን ላርኮምብ ከምዝበሎ፡ ምስ ድሕነት ጸጥታ እቲ ልኡልን ሜጋንን ኣብታ ሃገር ዝተሓሓዝ "ገለ ዓቢ ጸገም ኣጋጢሙ'ሎ"።
"ነቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ከየገረመ ኣይክተርፍን'ዩ" ዝበለ እቲ ደራሲ "እቶም ፓፓራዚ ክሳብ ሎሚ ብከምዚ ዓይነት ኣገባብ ክሰርሑ ሕቶታት ዘለዓዕል'ዩ" ይብል።
ኣዲኡ ንልኡል ሃሪ፡ ልእልቲ ዳያና ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት'ያ ኣብ 1997 ብሰኣልቲ እናተሃድነት ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ብሓደጋ መኪና ሞይታ።
ሃሪ፡ ንሓደ ብዛዕባ ዛንታ ህይወት ዳያና ኣብ ዝሰነደ ፊልም ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቶም ፓፓራዚ "ዕስለ ኣኻልብ" ክብል ገሊጽዎም ነይሩ። "ኣብ ዝወጸትሉ ግዜ፡ ዕስለ ሰባት'ዮም ዝጽበዩዋ . . . ዕስለ ኣኻልብ ማለተይ'የ፡ ይኽተልዋ፡ ይሃድኑዋን የሰራጥዩዋን፡ ዘየድሊ ኣስማት ይህብዋ፡ ጡፍ ይብሉላ፡ ብነድሪ ግብረመልሲ ክትህቦም እሞ ክስእሉዋ ምእንቲ"።
ልኡል ሃሪ ምስ ጉዳይ ጠለፋ ርክባት ቴለፎንን ዘይሕጋዊ ምቕራም ሓበሬታን ዝምልከት ኣንጻር ገለ ጋዜጣታት ብሪጣንያ ዘይተወድአ ሕጋዊ ጥርዓን ኣለዎ።
ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝህልወሉ ብገንዘቡ መንግስታዊ ሓለዋ ከይግበረሉ ዝገብር ውሳነ ንምቕያር ሕጋዊ ምጉት ከቕርብ ቤት ፍርዲ ከፍቅደሉ ኣለዎ ኢሉ።
ሃሪን ሜጋንን ኣብ 2020 ካብ ስሩዕን ምሉእን ንግስነታዊ ሓላፍነት ብምውራድ፡ ብሰንኪ ምስርጣይ ፕረስ ብሪጣንያ ናብ ኣመሪካ ክግዕዙ ከምዝተገደዱ ይገልጹ።
ኣንጻር ገለ ክፋል ሜድያ ዘለዎ ቃልሲ "ናይ ዕድመ ልክዕ ስርሑ" ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ዝመጽእ ወርሒ'ውን፡ ምስክርነቱ ንቤትፍርዲ ንምሃብ ናብ ለንደን ክኸይድ'ዩ።