ልኡል ሃሪ ‘ረሳሕ ጸወታ’ ዝበሎ ምስጢር ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝገልጽ ቃለመጠይቕ ክቐርብ’ዩ

ልኡል ሃሪ ኣብታ ብዛዕባኡን በዓልቲ ቤቱ ሜጋንን ኣብ ኔትፍሊክስ ክትቀርብ ንመወዓውዒ ተባሂሉ ኣብ ዝተዘርገሐ ሓጺር ቪድዮ፡ “ሞሊቘም ዝወጽኡ’ዮም እናበልካ ዛንታታት ምፍጣር ረሳሕ ጸወታ’ዩ” ኢሉ።

ነቲ ዝበሎ ከብርህ እንከሎ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ሜጋንን ንወላዲቱ ልእልቲ ድያናን ኣብቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዘጓንፈን ዝነበረ፡ “ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ሓዳር ዝገበረት ጓል ኣንስተይቲ እተሕልፎ ቃንዛን ስቅያትን” ንምግላጽ ምዃኑ የብርህ።

ኣብቲ ብሕጂ ኣብ ኔትፍሊክስ ዝፍኖ ተኸታታሊ መደብ፡ ጉዳይ ንጉሳዊ ስድራቤትን ዓሌትነትን’ውን በቲ ኣዘንታዊ ተላዒሉ ኣሎ።

እዚ ሽዱሽተ ክፋል ዘለዎ መደብ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ’ዩ ክፍኖ።

ልኡል ሃሪ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ኰይኑ ኣብ ዝተዛረበሉ፡ “ኣብዚ ስድራ ደረጃታት ኣሎ፡ ልሒኹ ዝወጽእ ኣሎ ጐድኒ ጐድኒ ከኣ ምዓት ዛንታታት’ዩ ዝፍጠር” ክብል ይስማዕ።

ልኡል ሃሪን ሜጋንን ካብቲ ንጉሳዊ ስድራ ባዕሎም ስለዘግለሉ፡ ኣብቲ ናይ ነፍስሄር ንግስቲ ኤልሳቤጥ በዓለ ‘ፕላቲንየም’ ምስ ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ኣብቲ ፍሉይ ገበላ ደው ክብሉ ኣይተፈቐደሎምን።

እቲ ንልኡል ሃሪ፡ በዓልቲ ቤቱን ካልኦት ተዛመድቲ ነገራት ዘውግዕ መደብ፡ ሰሰለስተ ክፋል ዝሓዘ ክልተ ምዕራፋት’ዩ ክህልዎ፤ ቀዳማይ ምዕራፍ 8 ታሕሳስ ካልኣይ ምዕራፍ ከኣ 15 ታሕሳስ ክፍኖ’ዩ።

ኣብዚ ንመወዓውዒ ተባሂሉ ተፈንዩ ዘሎ ሓጺር ቪድዮ፡ ልኡል ሃሪን በዓልቲ ቤቱን ምስ ካልኦት ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝነበሮም ጸገማት ብምግላጽ ናብ ኣሜሪካ እናኣምርሑ እንከለዉ’ዩ ዝዛዘም።

እቲ መደብ ክጅምር እንከሎ ሜጋን ልክዕ ከም ኣዝያ ህብብቲ ድምጻዊት ኣዝዩ ውዕውዕ ኣቐባብላ እናተገበረላ እንከሎ ይጅምር።

ካብኡ “ሃንደበት ኵሉ ነገር ተቐያይሩ” ትብል’ሞ ልኡል ሃሪ ብዛዕባ እቲ ዛንታታት ምፍጣር ዝበሎ ይትርኽ።

ብድሕሪ እዚ ክሪስቶፈር ቦውዚ ዝተበሃል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርጋሕ ስኑዕ ዜናታት ዝፈሊ ትካል ዘለዎ ክኢላ፡ “እቲ ዛዕባ ናይ ጽልኢ’ዩ፡ እዚ ዛዕባ ናይ ዓሌት’ዩ” ክብል ይስማዕ።

ክሪስቶፈር ቦውዚ፡ ንልኡል ሃሪን ንሜጋንን ነቲ ብዛዕባኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝናፈስ ዘረባታት ንኽትጻወሮ ምኽሪ ዝህባ ዝነበረ ደጋፊኣ’ዩ።

ኣብቲ ሓጺር ቪድዮ ነቲ ሜጋን ወሪዱኒ ትብሎ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ድያና ክቱር ናይ ማዕከናት ዜና ኣተኵሮ ከምትርከብን ብምግባር ዝወርዳ ዝነበረ ጸቅጢ ብምንጽጻር ሜጋን “ሓደ ነገር ክርዳእ ክኢለ፡ ካብ ዝዀነ ነገር ዝከላኸሉ ኣይኰኑን”

ሃሪ ብወገኒ፡ “ኵሉ እቲ ሓቂ ንፈልጦ ኢና” ብምባል ዘረባኡ ይዓጹ።

እንተዀነ ኣብቲ ቪድዮ ምስቲ ዝለዓል ዘሎ ነገር ዋላ ሓንቲ ምትእስሳር ዘይብሎም ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ስእሎም ስለዝርአ ድሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።

ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ብልኡል ሃሪን ሜጋንን እንታይ ዓይነት ክስታት ቀሪቡ ክኸውን ከምዝኽል ግን ካብ ሕጂ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

ብዘይካ'ዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ኔትፍሊክስ ዝቐርብ መደብ ልኡል ሃሪ’ውን ንውልቃዊ ታሪኹ እተዘንቱ መጽሓፍ ኣብ ሓዲሽ ዓመት ክዝርግሕ’ዩ።

እቲ ኣብ ኔትፍሊክስ ዝፍኖ መደብ “behind closed doors" [ድሕሪ’ቲ ዕጹው ማዕጾ] ዝበላ ኣርእስቲ’ዩ፡ እቲ ዛንታ ከኣ ልኡል ሃሪን ሜጋንን ኣብ 2020 ንምንታይ ካብቲ ቤተ መንግስቲ ከምዝወጽኡ ዘዘንቱ እዩ።

እንተዀነ ብዛዕባ እዚ ዛንታ'ዚ ምስ ውርይቲ ጋዜጠኛ ኦፕራ ዊንፍረይ ኣዕሊሎም ስለዝነበሩ እንታይ ሓድሽ ነገር ከይህልዎ’ዩ ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን።

ሜጋን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ተነጽሎ የጋጥም ከምዝነበረ’ያ ኣትሪራ ተዛሪባ ነይራ።

ብዘይካ'ዚ ሽሙ ዘይተገለጸ ኣባል እቲ ንጉሳዊ ስድራ፡ እቲ ዝወልድዎ “ክሳብ ክንደይ ክጽልም’ዩ?” ኢሉ ሓቲትዋ ምንባሩ ብምስቍርቋር ገሊጻ ነይራ።