ፍሉይ ርኽበት፡ ብክሬማ ዝወሃብ ክታበት ስርዓተ ምክልኻል ሕማም

ገለ ካብቶም ነቲ ህግሩት ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ኣካላትና ዘርእዩ ክፋላት ሓደ ቆርበትና እዩ።

ንኣብነት ገለ ግዳማዊ ነገር ክገጭወና እንከሎ ወይ ድማ ብሓለንጊ እንተተሃሪምና ቆርበትና ዘርእዮ ሕብሪ ተዓዘቡ።

ካብ ደገ ንዝኣትዉ ነገራት ግን ቆርበትና ነቶም ወረርቲ ዝከላኸል ጽኑዕ መንደቕ'ዩ ዝመስል።

ሓድሽ መጽናዕቲ ከምዘልክቶ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ዕርዲ (ቆርበት) ዝተሓብአ ንጡፍ ሰራዊት ኣሎ።

ቆርበት ናይ ገዛእ ርእሱ፡ ፍርቂ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዎ ስርዓተ ምክልኻል ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ ኣሎ። ገና ናብ ኣካላትና ዝኣተዉ ስዉር ረኽሲታት ንምምካት ድማ ድሉው እዩ።

እዚ ስርዓት፡ ኣካላትና ከም ካብ ደገ ዝመጹ ደቀቕቲ ነፍሳት ወይ መርዛማት ነገራት ዝኣመሰሉ፡ ኣካላትና ከም ሓደጋ ዘለልዮም ነገራት ዝቃወሙ ጸረ-ጓና ኣካል ዝዀኑ ፕሮቲናት ብንጥፈት ከፍሪ ከም ዝኽእል ኣብ መጽሔት ዝተሓትሙ ክልተ ሓደስቲ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ኣብ እዋን ረኽሲ ቆርበትና ናይ ምክልኻል ምላሻት ክህብ ምሉእ ብምሉእ ንቡር እዩ።

እዚ ሓድሽ ትዕዝብቲ ግን፡ ጥዑይ ቆርበት ንመጥቃዕቲ ዝዳለወሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ስርዓተ ምክልኻል ይሃንጽ'ዩ ዝብል ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ተመራመርቲ ምግራም ፈጢሩ ኣሎ።

"ኣዝዩ ዘነቃቕሕ ነገር እዩ!" ይብሉ ፕሮፌሰር ማይክል ፊሽባክን ዶክተር ድጀነት ቦውስበይንን። ክልቲኦም ሓባራዊ ጸሓፍቲ ናይቲ ሓድሽ መጽናዕትታትን ከምኡ'ውን ኣብ ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ባዮኢንጅነራትን እዮም።

"ደቀቕቲ ነፍሳት: ቆርበት ሓደ ኣሃዱ ስርዓተ ምክልኻል ከበግሱ ከምዝኽእሉ ፈሊጥና ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ግብረ መልሲ ድማ ናብ ኣንጻር ሓደስቲ ጸረ-ሰረታት ክምራሕ ይኽእል'ዩ።"

"ደቀቕቲ ነፍሳት ቆርበት፡ ጸረ-ጓና ኣካል ዝወሃቡ ግብረ መልሲታት ከም ዘበግሱ ዘመልክት ርኽበትና፡ ኣንጻር ከም ቴታነስ ዝኣመሰሉ ሕማማት እዋናዊ ክታበት ንምምዕባል ኣኽኢሉና:" ክብሉ ይውስኹ።

እቲ መጽናዕቲ ብፍላይ ነቶም ዘይምኽንያታዊ ፍርሒ መርፍእ ዘለዎም ሰባት ብስራት ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ መጻኢ ክታበት ኣብ ክንዲ ብመርፍእ ዝወግኡ፡ ብቐጥታ ናብ ቆርበት ክበጽሑ ስለዝኽእሉ፡ ክታበታት ካብ መርፍእ ነጻ ብዝዀነ መንገዲ ንኽወሃቡ መንገዲ ዝጸርግ እዩ።

ገለ ተመራመርቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ምምዕባል ክታበት ቆርበት ክነጥፉ ጸኒሖም እዮም።

"ናትና ስትራተጂ ክታበት ግን ዝተፈለየ እዩ" ይብሉ ፊሽባክን ቦውስበይንን።

"ምኽንያቱ ነቲ ኣብ መንጎ ደቀቕቲ ነፍሳት ቆርበትናን ስርዓተ ምክልኻልናን ዘሎ ኣብ ውሽጢ ሚልዮናት ዓመታት ብዝነበረ ሓባራዊ ፍልቀት ዝተመስረተ ቅርበት እዩ ዝጥቀም።"

ቅድመ-ግንባር ምክልኻል ሕማም

እዚ ሓድሽ ርኽበት፡ ኣብቲ ቆርበት ኣናጹ 'ቲ ሰል' ብዝብል ዝፍለጡ መከላኸሊ ዋህዮታት ምክልኻል ሕማም ንባክተርያ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ ከውጽእ ከምዝኽእል ዘመልክተ ኣብ 2015 ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ እዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሓደ ልሙድን ዘይጎድእን 'ስታፊሎኮከስ ኤፒደርሚደስ' ብዝብል ዝጽዋዕ ባክተርያ፡ ኣብ ቆርበት ናይቶም ብዘይ ዝዀነ ደቀቕቲ ነፍሳት ዝዓበዩ ኣናጹ ተኣታትዩ። ሽዑ፡ እቶም ዋህዮታት ቲ (T cells) ድማ ናይቶም ኣናጹ ዓቕሚ ምክልኻል ሃኒጾም።

ብሓቂ፡ እቲ ቆርበት ነቲ ባክተርያ ዝሃቦ ምላሽ ካብቲ ዝሓሰብዎ ኣዝዩ ዝሓየለ'ዩ ነይሩ።

እቶም ብድሕሪ እቶም ሓደስቲ መጽናዕትታት ዘለዉ ሳይንሰኛታት፡ ገሊኦም ኣብቲ ናይ 2015 መጽናዕቲ እውን ዝተሳተፉ ኰይኖም፡ ሕጂ ግን ንምንታይ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ዳግማይ ኣብ ኣናጹ ፈተነታት ድሕሪ ምክያዶም፡ ዋህዮታት ቢ (B cells) ብዝብል ዝጽውዑ ንፍርያት ጸረ-ጓና ኣካላት ዘበግሱ ዋህዮታት ምክልኻል ሕማም እውን ክነጥፉ ተገይሮም። ብድሕሪ'ዚ እዞም ጸረ-ጓና ኣካላት ንልዕሊ 200 መዓልታት ንጡፋት ኰይኖም ከም ዝጸንሑ እቶም ተመራመርቲ ክግንዘቡ ክኢሎም። ኣብዘን መዓልታት እዚአን ድማ ነቲ ሕማም ኣብ ምክልኻል ከም ዘገልግሉ ኣረጋጊጾም።

ምስቲ ደቂ ሰባት ክንሓምም እንከለና ወይ ክታበት ክወሃበና እንከሎ ኣብ ደምና ዘጋጥም ግብረ መልሲ'ውን ተመሳሳሊ'ዩ። ቅድመ-ግንባር ናይዚ ቃልሲ ምክልኻል'ዚ ድማ ቆርበት እዩ።

ሓድሽ ክታበት

እቶም ተመራመርቲ፡ ቆርበት ናይ ገዛእ ርእሱ ዓቕሚ ምክልኻል ከም ዘለዎ ምስ ፈለጡ፡ ነዚ ስርዓት ተጠቒሞም ሓድሽ ዓይነት ክታበት ከማዕብሉ ይኽእሉ ድዮም ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም።

ኣብ ካልኣይ መጽናዕቶም ከምዝረኸብዎ ድማ፡ እቲ ስታፊሎኮከስ ኤፒደርሚደስ ዝተበሃለ ባክተርያ ብስነ-ሰረታዊ ኣገባብ ክቕየር ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ኣብ ዲኤንኤ እቲ ባክተርያ ዝርከቡ ፕሮቲናት ብምቕያር ዝፍጸም ኰይኑ፡ ኣካላትና ክቃለሶም ዝግባእ ካብ ደገ ዝመጹ ፕሮቲናት ክመስሉ የኽእሎም።

መርዚ ብቐጥታ ኣብ ቆርበት ምልካይ፡ ብሓቂ ናይ ምክልኻል ምላሽ ኣየስዕብን፤ ምኽንያቱ እቲ ዕርዲ ቆርበት ንውሽጢ ንኽኣቱ ኣይፈቅድን። እንተዀነ፡ እቲ ስታፊሎኮከስ ኤፒደርሚደስ ዝተበሃለ ባክተርያ ናብ ውሽጢ ክኣቱ ስለዝኽእል፡ ቆርበትና ነቲ ባክተርያ መርዚ ክመስል ምግባሩ፡ እቶም ሳይንሰኛታት ነዚ መስርሕ ምክልኻል ክምርምሩ ኣኽኢልዎም፤ ሰራዊት ቆርበት'ውን ዝለማመደሉ ገለ ናውቲ ስልጠና ከተኣታቱ ኣኽኢሉ።

በቲ ዝተለወጠ ባክተርያ ዝተደፋፍአ እቲ ቆርበት፡ ኣብ ዋሕዚ ደምን ልፋጭ መምብራናን (mucous membranes) ናይቶም ኣናጹ ዕውት ምላሽ ምክልኻል ኣስዒቡ።

እቶም ተመራመርቲ ነቶም ኣናጹ ንከም መርዚ ቴታነስ ዝኣመሰሉ ካብ ደገ ዝመጸ ፕሮቲን ክቃልዑ ምስ ገበሩ፡ ዋላ'ኳ እቲ ዝተወሃቦም መጠን ቀታሊ ክኸውን ተኽእሎ እንተነበረ፡ እቲ ምላሽ ምክልኻል ግን እቶም ኣናጹ ከይጉድኡ ገይሩ።

ኣገዳስነት ልፋጭ

እዚ ርኽበት፡ ኣብ ውሽጢ ከም ብተለምዶ ልፋጭ ዝርከበሎም ኣፍንጫን ኣፍን ዝኣመሰሉ ቦታታት፡ ኣብ ቀንዲ 'ልፋጫዊ' ከባቢታት ብቐጥታ ጸረ-ጓና ኣካላት ከፍርዩ ዝኽእሉ ክታበታት ኣብ ምምዕባል ኣገዳሲ ስርሒት እዩ።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ክታበታት ካብቲ ለውጢ ዝተገብረሉ ስታፊሎኮከስ ኤፒደርሚደስ ክስርሑን ኣብ ልዕሊ ቆርበት ድማ ብመልክዕ ክሬማ ክቕብኡን ዝኽእሉ እዮም።

እቲ ኣካልና ኣብቲ መጀመርታ ኣብቶም ጠንቂ ሕማማት ዝዀኑ ባእታታት ቀዲሞም ዝበጽሑሉ ከባቢታት ኣንጻሮም ክለማመድን መናድቕ ምክልኻል ቆርበት ከለዓዕልን ዕድል ክረክብ ይግበር።

ከምዚ ዝበለ ክታበት፡ ከም ኮቪድ ዝኣመሰሉ ረኽስታት ስርዓተ ምስትንፋስ፡ ናብ ኣካላትና ከይተረፈ ከይኣተዉን ከይምዕብሉን ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ ከበድቲ ሕማማት ናብ ለበዳ ቅድሚ ምብራኾም ንምግታእ ዘኽእል ልዑል ጸጋ እዩ ዝኸውን።

"ክታበት ብተለምዶ ብጭዋዳታት ኣቢሎም ዝውግኡን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስርዓት ምክልኻል ሕማም ዝህቡን እዮም። ይዅን'ምበር፡ ኣብቲ ረኽሲ ዝተራእየሉ ቦታ፡ ማለት ኣብ ልዕሊ ልፋጫዊ ከባቢ ዓቕሚ ምክልኻል ኣብ ምፍጣር ውሑድ ብቕዓት'ዩ ዘለዎም" ይብሉ ነዚ መጽናዕቲ ኣብ 2020 ዝጀመሩ ፊሽባክን ቦውስበይንን።

ክሬማት ንምፍራይ ብዙሕ ወጻኢ ኣይሓትትን፤ ቀሊል'ውን እዩ። ኣብ ምጥቃም እውን እንተዀነ ክኢላ ክንክን ጥዕና ኣይጠልብን።

ይዅን'ምበር፡ እዞም መጽናዕትታት ዕዉታት'ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ኣናጹ ዝተኻየዱ እዮም።

ኣብ ደቂ ሰባት ተመሳሳሊ ውጽኢት ከም ዝረአ ክሳዕ ዝረጋገጽ ነዊሕ ጕዕዞ ከድሊ እዩ።

ፊሽባክን ቦውስበይንን ግን ዓቢይ ተስፋ ኣለዎም።