ብዙሓት ደቀንስትዮ ዘትከልኦ መግዘፊ ጡብ የልግስኦ ኣለዋ፡ ስለምንታይ?

ጓል 32 ዓመት ዩክረይናዊት ካታሪና ክሩፒካ፡ ዓቐን ጡባ ንምዕባይ ብሕክምና ዘእተወቶ 'ኢምፕላንት' (መሳርሒ ሕክምና) ከም ዘውጽኣቶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ገለጸት ብዙሓት ተደኒቖም።

ቅርጺ ወይ መጠን ሰብነት ንምልዋጥ ናብ ሰብነት ዝኣትዉ ዓይነታት ተተከልቲ (implants) ካብ ሰብነተን ናይ ዘውጽኣ ደቂኣንስትዮ ብዝሒ ይዛይድ ኣሎ።

ካታሪና ብመንገዲ ኢንስታግራም ዝዘርግሐቶ ጽሑፍ፡ 7.5 ምልዮን ሰባት ኣንቢበሞ እዮም። ነቲ ኣብ ሰብነተን ዝኣተወ ከውጽኣ ዝደልያ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ደቂኣንስትዮ ድማ መልእኽቲ ልኢኸናላ።

ካታሪና ክሩፒካ፡ "ገዚፍ ጡብ ሕጕስቲ ከም ዘይገብረኒ ተረዲአ። ጥዕይትን ጽብቕትን ኣይገብረንን። ውላደይ ከማይ ገዚፍ ጡብ ክህልዋ ከም እትደሊ ክትዛረብ ምስ ሰማዕኩዋ፡ እቲ ናብ ጡበይ ዘእተኹዎ ከውጽኦ ወሲነ። ንጓለይ ጽቡቕ ኣብነት ክኸውን እደሊ፡" ኢላ።

ተተከልቲ ምውጻእ ንምንታይ ኣድልዩ?

ኣብ ሕክምናዊ መብጣሕቲ መሪሕ ዝዀነ ኢንተርናሽናል ሶሳይቲ ኦፍ ኤስተቲክ ፕላስቲክ ሰርጀሪ ከም ዝብሎ፡ ኣብ 2019 ብዝሒ ካብ ሰብነተን ተተካሊ ዘውጽኣ ደቂኣንስትዮ፡ ናብ 46.3 ሚእታዊት ዓብዩ።

ጡብ ዘግዝፍ መብጣሕቲ ሕክምና፡ ካብ 1990ታት ክሳዕ 2000 ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብ 5.4 ሚእታዊት እንክውስኽ፡ ካብ 2022 ክሳዕ 2023 ድማ ብ3 ሚእታዊት ነክዩ።

ደቂኣንስትዮ ንጽባቐ ብዝብል እየን፡ ናይ ጡብ ሕክምናዊ መብጣሕቲ ፕላስቲክ ዝገብራ። በዚ ድማ ንእስ ዝበለን ተፈጥሮኣዊ ዝመስልን ጡብ ከስርሓ ዝደልያ ደቂኣንስትዮ ኣለዋ።

ሓላፊት ማሕበር መብጣሕቲ ሕክምና ፕላስቲክ ኣመሪካ ዶክተር ክርስቲ ሃሚልተን፡ "ደቂኣንስትዮ ኣብ 2025 ዝደልይኦ ዓይነት መልክዕ፡ ቅድሚ 10 ዓመታት ካብ ዝነበረ ዝተፈለየ'ዩ፡" ትብል።

ኣብ 1990ታትን 2000ን ከባቢ፡ ገዚፍ ጡብ እዩ ዝድለ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ድማ ንእስ ዝበለ መጠን ጡብ ተደላዪ ኰይኑ።

ስብሒ ናብ ውሽጢ ጡብ ብምእታው ወይ ጡብ ሓፍ ክብል ብምግባር ዝተለመዱ ዓይነታት ናይ ፕላስቲክ መብጣሕቲ ሕክምና ኣለዉ።

ፕረዝደንት ናይ ማሕበር መብጣሕቲ ሕክምና ፕላስቲክ ዶክተር ብሩኖ ሀርኮኖፍ፡ "ብዝሒ ገዚፍ ጡብ ዝደልያ ደቂኣንስትዮ ከም ዝነከየ ይገልጽ።

እቲ ብዓል-ሞያ፡ "ሓድሓደ ደቂኣንስትዮ፡ ዳግማይ ተተካሊ ከእትዋ ኣይደልያን። እቶም ተተከልቲ ካብ 10 ክሳዕ 20 ዓመት ምስ ኣገልገሉ ካብ ሰብነት ወጺኦም ብኻልእ ይትክኡ፡" ብምባል የረድእ።

ምስ መብጣሕቲ ሕክምና ፕላስቲክ ተዛሚዶም ዝመጽኡ ጸገማት ጥዕና ብምውሳኹ፡ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ብዙሕ ገንዘብ ከፊለን ንዘእተውኦ ከልግስኦ ደሪኹ።

"ብዛዕባ ሕማም ሲልከንን ኣውቶኢምዩን ሪኣክሽን ዘሎ ግንዛበ ክብ ኢሉ'ዩ። ቃንዛ መሓውር፡ ምምላጥ ጸጕርን ምውሳኽ ክብደት ሰብነትን፡ ምስ ሕማም ሲልከን ብዝዛመድ ዝኽሰቱ እዮም፡" ይብል፡ ዶክተር ብሩኖ። ሕማም ሲልከን ስሩዕ ናይ ሕክምና ቃል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ቅርጺ ወይ መጠን ጡብ ንምቕያር ተባሂሉ ናብ ሰብነት ዝኣተወ ሲልከን ጄል እንክፈስስ ወይ እንክቕደድ ዘጋጥም እዩ።

ዶክተር ክሪስቲ ድማ፡ "ኣብ ዙርያ እቲ ተተካሊ ካፕሱል ኣሎ። ሕማም እንተ ኣጋጢሙ ነዚ ካፕሱል ምውጽእ የድሊ፡" ብምባል ተረድእ።

ገለ ሳሕቲ ዘጋጥሙ መንሽሮታት፡ ምስ ተተክልቲ ጡብ ከም ዝተኣሳሰሩ ይግለጽ።

ካታሪና፡ መንሽሮ (ካንሰር) ከም ዘለዋ ዋላ'ኳ እንተ ዘይተነገራ፡ እቲ ናብ ጡባ ዘእተወቶ ክትኣልዮ ወሲና።

"ብዙሓት ደቂኣንስትዮ፡ እቲ መብጣሕቲ ሕክምና ንጥዕና ዘይኰነስ ንጽባቐ እየን ዝገብርኦ፡" ትብል።

ቅድሚ እዚ ግዜ'ዚ ኣብ ትሕቲ ጭዋዳ ጡብ ተተካሊ ይኣቱ ነይሩ። እዚ ድማ ተፈጥራዊ ዝዀነ ቅርጺ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ንምንቅስቓስ ጡብ ይቕይሮ።

ካታሪና፡ "ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ተተካሊ ዘለወን ደቂኣንስትዮ፡ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ እንክገብራ፡ ጡበን ናብ ጐድኒ ይዘዙ፡" ትብል።

ኣብዚ እዋን ዝግበር ናይ ፕላስቲክ መብጣሕቲ ሕክምና ጡብ፡ እቲ ተተካሊ ኣብ ጭዋዳ ጡብ ስለ ዝቕመጥ፡ ጡብ ተፈጥሮኣዊ ቅርጺ ክሕዝ ይገብር።

መንቀሊ እዚ ዝረአ ዘሎ ለውጢ እንታይ'ዩ?

ኣብ ተፈጥርኣዊ ቅርጺ ሰብነት ዘሎ ተቐባልነት ለውጢ የምጽእ ከም ዘሎ እቶም ዶካትር ይገልጹ።

ዶክተር ክሪስቲ፡ "ኣፍንጫ፡ ገጽ፡ ጡብን ዝተረፈ ሰብነትን ተፈጥራዊ ክኸውን ይድሊ። መጠኖም እንክልውጡ፡ ተፈጥሮኣዊ መልክዖም 'ውን ከም ዝቕየር ይእመን፡" ብምባል ተረድእ።

"ገጸን ዝተፈላለየ ስምዒት ዘንጸባርቕ ዘይኰነስ፡ ሓደ ዓይነት ገጽታ ጥራሕ ዘለዎ ምዃኑ እቲ ሓደ ምኽንያት እዩ፡" ይብል ዶክተር ብሩኖ።

ናይ ፕላስቲክ መብጣሕቲ ሕክምና ካብቲ ዝተመደበ ምኽንያት ወጻኢ ኣብ ረብሓ ይውዕል ከም ዘሎ ብምርኣይ፡ እቲ ሕክምናዊ መብጣሕቲ ክገብራ ዘይደልያ ደቂኣንስትዮ ከም ዘለዋ እቶም ሰብሞያ ይገልጹ።

"መጠን ሰብነት ዝውስኽ 'ፊለር' ኣብ በብሰለስተ ወይ ሽድሽተ ወርሒ ከም ዘድልየን ክንነግረን እንከለና፡ ሓሳበን ይልውጣ፡" ትብል ዶክተር ክሪስቲ።

ተሓከምቲ ብዝተወሰነ መጠን ጐሊሑ ዘይርአ ኣማራጺ ሕክምናዊ መብጣሕቲ ይኽተላ።

ንቕርፂ ገጽ ዘስተኻኽል ኮላጅን ስቲምዩለይሽን (collagen stimulation) ቀዳማይ ኣማራጺ እዩ።

ኮላጅን ኣብ ውሽጢ ሰብነት ዝርከብ ብዝሒ ዓይነት ፕሮቲን እንክኸውን፡ ኣብ ኣዕጽምቲ፡ ቈርበት፡ ጭዋዳን ካልኦት ክፋል ሰብነትን ይርከብ። ዕድመ እንክውስኽ መጠነ እናነከየ ይኸይድ።

ንተፈጥሮ ምስዓብ

ካታሪና፡ ንተፈጥሮ ክትስዕብ ከም ትደሊ ትዛረብ። ኣዕብያቶ ዝነበረት ከንፈራ'ውን ናብ ተፈጥሮኣዊ መጠኑ መሊሳቶ ኣላ። ኣብ ገጻ ዝነበረ ምሽብሻብ ወይ መስመራት ንምሽፋን ትጥቀሞ ዝነበረት ቦቶክስ (Botox)'ውን ኣቋሪጻቶ።

"ብዛዕባ መልክዐን ዝሻቐላ ደቂኣንስትዮ ንዓይ ርእየን ክመሃራ እየን ኢለ እትስፎ፡" ትብል።

ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ምሕላው ሓድሽን እናተለመደ ዝመጽአን ኣካይዳ እዩ።

ሓደ ብዓል-ሞያ እቲ ዓውዲ፡ "ገና'ውን መጸባበቒ ፍርያታት ይሽየጡ ኣለዉ። ተፈጥሮኣዊ መልክዕ ምቕያር ዘይኰነስ፡ ሓሊኻ ምጽናሕ እዩ ዝድለ፡" ብምባል የረድእ።

ኣብ ዓመተ 2023፡ መሸጣ ዘፈር መጸባበቒ ናብ 44 ቢልየን ደይቡ።

ደቂኣንስትዮ መጸባበቒ ምጥቃም ደው እኳ እንተ ዘየበላ፡ ተፈጥሮኣዊ ጽባቕአን ዝያዳ ዓቂበን ከጽንሕኦ ይደልያ።

ሰብሞያ መብጣሕቲ ሕክምና ፕላስቲክ ፡ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ዓቂብኻ ናይ ምጽናሕ ድሌት፡ ናይ ፕላስቲክ ሕክምናዊ መብጣሕቲ ዘትርፍ ዘይኰነስ፡ ተፈጥሮኣዊ ገጽታ ሰብነት ብልዑል ኵነታት ንዝቕይር ናይ ፕላስቲክ መብጣሕቲ ሕክምና ዘትርፍ እዩ ይብሉ።

ከም ሓበሬታ ዓለምለኸ መብጣሕቲ ሕክምና ፕላስቲክ፡ ኣብ 2023 ጥራሕ 15.8 ምልዮን ሕክምናዊ መብጣሕቲ ፕላስቲክ ተኻይዶም።

እዚ ድማ ኣብ 2022 ካብ ዝተመዝገበ ብዝሒ፡ ብ 5.5 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።