መቐመጫ ዘግዝፍ ሕክምና ‘ቢቢኤል’ እንታይ’ዩ? ስለምንታይከ ስግኣት ፈጢሩ?

ካይሮ ናካቴ-ቺርዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ መጠን መቐመጫ ዘግዝፍ ሕክምና ‘ቢቢኤል’ ገይራ።

በቲ ውፅኢት ሕጕስቲ እያ። “መቐመጫይ ኣግዚፉለይ” ትብል።

እንተኾነ እዚ ሕክምና ሓደጋ ከም ዘለዎ ምስ ሰምዐት ሻቕሎት ፈጢሩላ ኣሎ።

ሕክምና ‘ቢቢኤል’ ዝገበረት ኣሊስ ዌብ ምማታ ስዒቡ፡ ኣብቲ ሕክምና ተሳቲፎም’ዮም ዝተብሃሉ ሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

ብራዚልያን በት ሊፍት ወይ ቢቢኤል ብዘይ መጥባሕቲ ክካየድ ይከኣል እዩ።

መብዛሕትኡ እዋን፡ እዚ ሕክምና ብመርፍእ ብዝውሰድ ፈሳሲ እዩ ዝወሃብ።

እዚ ሕክምና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቍፅፅር ኣይግበረሉን፤ ሰብሞያ ብሕቡእ ዝካየዱ ሕክምናታት ቍፅፅር ክግበረሎም ይሓቱ።

ካይሮ፡ እዚ ብመልክዕ ፈሳሲ ዝወሃብ መቐመጫ ዘግዝፍ ፈሳሲ ብመገዲ ኢንስታግራም እያ ረኺባቶ።

እዚ ሕክምና ‘ሊኪዊድ ቢቢኤል’ ይበሃል።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝረኸበቶ መወዓውዒ፡ እቲ ሕክምና ብ1200 ፓውንድ ከም ዝወሃብ ይሕብር።

ነዚ መወዓውዒ ምስ ረኣየት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሓደ ኣፓርታማ ተረኺባ።

ነዚ ሕክምና ዝህባ ውልቀሰብ በዓልሞያ ምዃኑ ዘረጋገፀቶ ነገር ኣይነበረን።

“ነቲ መወዓውዒ ምስ ረኣኹ፡ ሰብሞያ እዮም ዝኾኑ ኢለ ገሚተ” ትብል።

ቢቢሲ፡ ንካይሮ ነዚ ሕክምና ንዝሃበ ውልቀሰብ ንምዝራብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

እቲ ሕክምና ምስ ኣካየደት ‘ቃንዛ’ ተሰሚዕዋ ከም ዝነበረ እትገልፅ ካይሮ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ እቲ መርፍእ ኣብ ዝተወገአትሉ ቆርበታ ፈሳሲ ዝመስል ነገር ከም ዝረኣየት ትዝክር። ካብዚ ወፃኢ ግና፡ ዝኾነ ጉድኣት ኣየጋጠመንን ትብል።

እንተዀነ ሞት ኣሊስ ዌብ ምስ ሰምዐት፡ ብዛዕባ ጐናዊ ሳዕቤን እዚ ሕክምና ክተፅንዕ ጀሚራ።

ዋላ’ኳ ክሳብ ሕዚ ጎናዊ ሳዕቤን እንተዘይኣጋጠማ፡ ነዚ ሕክምና ምግባራ ከም ትጠዓስ ትገልፅ።

“በቲ ውፅኢት ሕጕስቲ እየ፣ ሕሱር ዋጋ’ዩ ነይሩ፣ ሕጂ ግና ብዙሕ ሕቶ ይፈጥረለይ ኣሎ” ትብል።

ብዘይ መጥባሕቲ ዝወሃብ ሕክምና ቢቢኤል

እዚ ሕክምና ኣብ ክሊኒክ ክግበር ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ዝተፈላለያ ሃገራትን፡ ኣብ ሆቴላት እንከይተረፈ ይወሃብ ከም ዘሎ ይዝረብ።

መፅናዕቲ ትካል 'ሴቭ ፌስ'፡ መብዛሕትአን እቲ ዝውግአኦ ፈሳሲ እንታይ ምዃኑ ከም ዘይፈልጣ ይሕብር።

እዚ ፈሳሲ ሃይሉሮኒክ ኣሲድን ፖሊ ኤል ላክቲክ ኣሲድን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብዘይ መጥባሕቲ ዝካየድ ቢቢኤል ኣይምከርን ይብል።

ብመጥባሕቲ ዝካየድ ቢቢኤል፡ ካብ ሓደ ክፋል ሰብነት ስብሒ ብምምጣጥ ናብ መቐመጫ ምዝውዋር ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ሕክምና ዝበዝሕ እዋን፡ ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ እዩ ዝካየድ።

ማሕበር ሰብሞያ መጥባሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብመጥባሕቲ ሕክምና ዝካየድ ቢቢኤል የውርዶ ብሰንኪ ዘሎ ሞት ንክእገድ ኣብ 2018 ወሲኑ ነይሩ።

እቲ ማሕበር፡ ኣብ 2022 ሓድሽ መመርሒ መጥባሕቲ ቢቢኤል ዘውፅአ ክኸውን እንከሎ፡ ሕጂ’ውን ሓደጋ ከም ዘለዎ የጠንቅቕ።

ንዓማዊላ መጥባሕቲ ሕክምና ቢቢኤል ተካይድ ዶክተር ሶፊ ሾተር፡ “ዝበዝሓ ዓማዊለይ እቲ ሕክምና እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥኦን” ትብል።

ብዘይ መጥባሕቲ ዝካየድ ሕክምና ኣይህብን እትብል ዶክተር ሶፊ፡ "ዋላ’ኳ ካይሮ ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓደ እንተዘይኰነት፡ ሓደጋ ከም ዘለዎ ግና ክፍለጥ ኣለዎ" ትብል።

ሰብሞያ፡ እዚ ፈሳሲ ብመርፍእ ኣብ መቐመጫ ክውጋእ እንከሎ፡ ዝውውር ደም ክዓጹን እዚ ድማ ምርጋእ ደም ከስዕብን ከም ዝኽእል የጠንቅቑ።

እዚ ኸኣ ንሞት ከቃልዕ ይኽእል እዩ።

ቁስሊ፡ በሰላ፡ ምልውዋጥ ቅርፂ ሰብነት ከምኡ’ውን ካብቲ ሕክምና ዝብገሱ ጎናዊ ሳዕቤናት ከጋጥሙ ይኽእሉ።

ማሕበር ሰብሞያ መጥባሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ልዕሊ ካልኦት ብዘይ መጥባሕቲ ዝካየዱ ሕክምናታት፡ ቢቢኤል ብሰፊሑ ንሞት ከቃልዕ ከም ዝኽእል ይገልፅ።

ላቪዳ ሎካ፡ ብዝብል ናይ መድረኽ ስማ ትፍለጥ ካይሮ፡ ብፍላይ ደቂኣንስትዮ “ኣብ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ሂፕ-ሆፕ መቐመጫአን ዓብይ ንክኸውን ትፅቢት ይግበር” ትብል።

ሰብሞያ ሕክምና ከም ዝብልዎ፡ እዚ ሕክምና ንጥዕና ኣካላት ሰብነት ካብ ምጕዳእ ብዝዘለለ፡ ፍቕራዊ ርክባት ከፍርስን ጥዕና ኣእምሮ ከቃውስን ይኽእል እዩ።