እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣኒያ፡ መጥባሕቲ መቐመጫ ንሞት የሳጥሕ ኣሎ
ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ፡ መቐመጨአን ድልድል ዝበለ ክኸውን ብዘመናዊ መገዲ ከዕብይኦ ይጽዕራ'የን።
ማሕበር ፕላስቲክ ሰርጀሪ ብሪጣኒያ ከምዝበሎ፡ እዚ ሕክምና መጥባሕቲ ቐታሊ እናኮነ መጺኡ'ዩ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ካልአይቲ ብሪጣናዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝሞተት እንትኾን፡ "መቐመጫ ብራዚል" ተባሂሉ ዝሽኩርመም ሓደገኛ ሕክምና መጥባሕቲ እናካየደት ሞይታ'ያ።
መቐመጫን መሕኩልትን ናይ ምምልኻዕ ግብሪ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ሆሊውድ ዝተለመደ'ዩ።
ኾይኑ ግና፡ ንፍሉጣት ሰባት ሆሊውድ ብምርኣይ ደረጅኡ ዘይሓለወ ሕክምና መጥባሕቲ የካይዳ እየን።
ማሕበር መጥባሕቲ ጽባቐ ብሪጣኒያ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፤ ካብ ሰለስተ ሽሕ ደቂ ኣንስትኦ እታ ሓንቲ፡ በዚ ምኽንያት ህይወታ ይሓልፍ።
እዚ ሕክምና ብልማድ፤ ቢቢኤል ወይድማ (Brazilian butt lift (BBL)) ተባሂሉ ይፍለጥ።
እዚ ኸይዲ፡ ካብ ዝኾነ ስብሒ ዘለዎ ክፍሊ ኣካል ስጋ ብምውሳድ'ዩ ኣብ መቀመጫ ዝልጠፍ።
ጓል 23 ዓመት ነባሪት ዌልስ እቲ ጥባሕቲ ምስኣካየደት ንዝኸፍአ ጸገም ጥዕና ከምዝተቓልዐት ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"ሕዚ ብልክዕ'ኳ ክንቀሳቐስ ኣይኽእልን"።
እዚ መጥባሕቲ ክተካይድ ብማእከላይ ገምጋም 13 ሽሕ ዶላር የድሊ። ክሳብ 20 መዓልታት ድማ ኣብ ሆስፒታል ዓራት ክትትሕዝ ትግደድ።
ሓንቲ ሽማ ክግለጽ ዘይደለየት፡ እቲ መቀመጭኣ ንምዕባይ ዝነበራ ሕልሚ ክተሳኽዕ፡ ናብ ቱርኪ'ያ ኸይዳ። "ዋግኡ ካብ ኣዲ ኢንግሊዝ ዝሓሰረ ስለዝነበረ ናብ ቱርኪ ከይደ" ድማ ኢላ።
ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ግና፡ ሓያል ረስኒ ከምዝጀመራን፡ ክሳብ ሕዚ (ማለት'ዉን ድሕሪ ክልተ ዓመት) ቃንዛ ይስምዓ ከምዘሎን ተዛሪባ።
50 ሚኢታዊት ዝበጽሓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብ ቱርኪ እንትኸዳ፡ ዝተረፋ ድማ ናብ ሃንጋሪ፣ ቤልጂየምን ስፔንን ከምዝኸዳ ተገሊጹ።
ኣብዘን ሃገራት ሕሱር መጥባሕቲ ዘካይዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቅድሚ እቲ ሕክምና ውዕል እንትፍርማ፡ እቲ ሕክምና ኣብ ማህበራዊ ሚዲያ እንተናሽየን ድማ፡ ብምጥፋእ ሽም ከምዝክሰሳ ይሰማምዓ።