ንሩስያ ዝሰግኣ መራኽብ እኽሊ ሓድሽ መስመር ተጠቒመን ዩክረይን ኣትየን

እታ ኣሮያት ዝተባህለት መርከብ ጽዕነት፡ ሓድሽ ኣፍደገ ጸሊም ባሕሪ ተጠቒማ ናብ ወደብ ዩክረይን ካብ ዝበጽሓ መራኽብ ሓንቲ እያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, እታ ኣሮያት ዝተባህለት መርከብ ጽዕነት፡ ሓድሽ ኣፍደገ ጸሊም ባሕሪ ተጠቒማ ናብ ወደብ ዩክረይን ካብ ዝበጽሓ መራኽብ ሓንቲ እያ

ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ድሕነት መራኽብ እኽሊ ንምርግጋጽ ዝተበጽሐ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ክልተ ናይ ጽዕነት መራኽብ ሓድሽ መስመር ተጠቒመን ብጸሊም ባሕሪ ኣቢለን ናብ ወደብ ዩክረይን ከምዝበጽሓ ሰብመዚ ወደብ ዩክረይን ገሊጾም።

እተን ብቐዳም 16 መስከረም፡ ኣብ ቾርኖሞርስክ ዝበጽሓ መራክብ፡ ናብ ዕዳጋታት ዓለም ዝለኣኽ 20 ሽሕ ቶን ስርናይ ክጽዕና እየን።

ቅድሚ ሕጂ እቲ መስመር፡ ካብ ዩክረይን ዝብገሳ መራኽብ ጥራይ ይጥቀማሉ ከምዝነበራ ተፈሊጡ’ሎ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኦሌክሳንድር ኩብራኮቭ፡ እተን ‘ረዚልየንት ኣፍሪቃ’ ከምኡ’ውን ‘ኣሮያት’ ዝተባህለ ክልተ መራኽብ ባንዴራ ናይታ ደሴታዊት ሃገር ፓላው እናንበልበላ ናብቲ ወደብ ከም ዝተጸግዓ ኣመልኪቱ። ሰራሕተኛታተን ካብ ዩክረይን፡ ቱርኪ፡ ኣዘርባጃንን ግብጽን ምዃኖም’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

እተን መራኽብ ነቲ ስርናይ ናብ ግብጽን እስራኤልን ከብጽሓኦ ምዃነን እውን ሚኒስትሪ ሕርሻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሩስያ፡ ነቲ ብመንጐኛነት ሕቡራት ሃገራትን ቱርክን ዝተበጽሐ፡ ካብ ወደባት ዩክረይን ንመራኽብ ሰደድ እኽሊ ውሕስነት ዝህብ ውዕል ድሕሪ ምውጽኣ፡ ዩክረይን ነቲ ንምዕራባዊ ገማግም ጸሊም ባሕሪ ዝሓቘፈ ሓድሽ መስመር ንምጥቃም በይናዊ ኣዋጅ ገይራ።

ሞስኮ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ፍርያት እኽልን ዱኽዕን ክትልእኽ ዝነበሮ ስምምዕ ከምዘይተኸበረ ብምግላጽ፡ እገዳ ምዕራባውያን ንናይ ገዛእ ርእሳ ሕርሻዊ ሰደድ ከም ዝደረተ ክትወቅስ ጸኒሓ እያ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ድማ፡ ዝዀነት ናብ ዩክረይን ገጻ እትጓዓዝ መርከብ ሲቪል’ውን ከም ወተሃደራዊ ዒላማ ከም እትርእያ ከተፈራርሕ ጸኒሓ እያ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ኣብ ወደብ ኦዴሳ ዩክረይን ሓንቲ መርከብ፡ ሩስያ ብክሩዝ ሚሳይላት ዒላማ ከምዝገበረት ብሪጣንያ ከሲሳ ነይራ።

ዩክረይን ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣቕረብቲ፡ ስገም፡ ስርናይ፡ ዕፉንን ዘይቲ ሱፍን እያ።

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ፡ ሓይሊ ባሕራ ንወደባት ጸሊም ባሕሪ እታ ሃገር ዓጽዩ፡ ንሰደድ ተዳልዩ ንዝነበረ 20 ሚልዮን ቶን እኽሊ ከም ዝዓጸወ ይፍለጥ።

እዚ ድማ፡ ዋጋታት መግቢ ዓለምና ክውስኽን ብፍላይ ድማ ኣብተን ብብዝሒ ተጠቀምቲ እኽሊ ዩክረይን ኣብ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሕጽረትን ስግኣትን ፈጢሩ።

እዚ ኵነታት፡ ብፍላይ ንሃገራት ኣፍጋኒስታን፡ የመን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ገይሩወን።

ብዘይካ’ዚ፡ ብጸሊም ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ሞስኮ ንትሕተ ቅርጺ ወደብ ዩክረይን ብተደጋጋሚ ዒላማ ክትገብር ተራእያ።

ሩስያ፡ ነተን ካብ ሓምለ ኣትሒዘን መብዛሕትኡ ሰደድ እኽሊ ዩክረይን ከበግሳ ዝጸንሓ ወደባት ኢዝማዒልን ረኒን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ከተተዓናቕፍ ፈቲና እያ።

ዩክረይን፡ ሩስያ ንሰደድ እኽላ ንምጕዳእን ዓለማዊ ውሕስነት መግቢ ንምድኻምን "ሲኒካዊ" ተግባር ትፍጽም ኣላ ክትብል ትኸስስ።