ጀርመን፡ ሰራዊታ ንምሕያል ሓድሽ ሕጊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከተተኣታቱ'ያ


ጀርመን ኣብ 2035 ዓቕሚ ኣባላት ምክልኻል ናብ 260 ሽሕ ክብ ተብሎ’ዩ ውጥና

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ጀርመን ኣብ 2035 ዓቕሚ ኣባላት ምክልኻል ናብ 260 ሽሕ ክብ ከተብሎ'ዩ ውጥና

ልፍንታዊ መንግስቲ ጀርመን፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ባእሲ ስዒቡ፡ ቍጽሪ ሰራዊት ንምዕባይ ሓድሽ ውጥን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክተኣታቶ ተሰማሚዑ።

እቲ ሓድሽ ውጥን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ኵሎም 18 ዘድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ንኸገልግሉ ብቝዓት ምዃኖም ዝገልጽ መሕተቲ ጽሑፍ ክመልኡን፡ ካብ 2027 ጀሚሩ ድማ ሕክምናዊ መርመራ ክገብሩን ዝእዝዝ እዩ።

እዚ ውሳነ፡ ጀርመን ኣብ ኣውሮጳ ዝሓያለ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ንምህናጽ ዓሊማ ትገብሮ ዘላ'ዩ።

ሓላፊ ናይቲ ዝዓበየ ትካል ምክልኻል ጀርመን ራይንሜታል ዝዀነ ኣርሚኒ ፓፐርገር፡ እዚ ዕላማ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ተግባራዊ ከምዝኸውን እምንቶ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣባላት ባይቶ ኣብ መወዳእታ 2025 ነቲ ውጥን ንምጽዳቕ ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ይግበር።

ኣርሚን ፓፐርገር፡ ቻንስለር ፍሪድሪክ መርዝ ንምክልኻል ንምዕባይ ዝሓንጸጾ ዕላማ "ክውንነታዊ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ንጹር ውሳነታት" ካብ መንግስቲ ይመጽእ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ጀርመን ጀነራል ካርስተን ብሩየር ኔቶ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ነቲ ካብ ሩስያ ክፍጸሞ ዝኽእል መጥቐዕቲ ንምክልኻል ክዳሎ ከምዘለዎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣርሚኒ ፓፐርገር ንመጻኢ ዘሰክፎም ነገር ከምዘየለ'ኳ እንተገለጸ፡ ጀርመን ግን ክሳብ 2029 ኣብ ዘሎ ግዜ ንኹሉ ነገር ድልውቲ ኰይና ክትጸንሕ ኣለዋ ኢሉ።

እቲ ብመርዝ ዝምራሕ ዓቃባዊ ሰልፊ ሲዱዩ ወይ ሲኤስዩ ከምኡ ከኣ ማእከላይ ጸጋማዊ ሶሻል ዲሞክራት ኤስፒዲን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ልፍንቲ ክፈጥሩ ምስ ተሰማምዑ'ዮም ብወለንታ ዝግበር ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ንምትእትታው ተሰማሚዖም።

ኣብዚ እዋን'ዚ ሰባዊ ዓቕሚ ምክልኻል ጀርመን ኣስታት 182 ሽሕ'ዩ ዘሎ።

እቲ ሓድሽ ውጥን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ነቲ ቍጽሪ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ብ20,000 ክውስኽ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣብ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ካብ 255,000 ክሳብ 260,000 ክዓቢን ኣብ ልዕሊኡ ኣስታት 200,000 ዕቑር ሰራዊት ክህልዎን'ዩ።

ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ኵሎም ደቂ 18 ዓመት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናብ ዕጡቕ ሓይሊ ንምጽንባር ዘለዎም ተገዳስነትን ድልውነትን ንምግምጋም መሕተቲ ጽሑፍ ክለኣኾም'ዩ።

እቲ ናይ ምምላእ ቅጥዒ ንደቂ ተባዕትዮ ግዴታ ንደቀንስትዮ ድማ ወለንታዊ ክኸውን እዩ።

ካብ ሓምለ 2027 ጀሚሩ ከኣ ኵሎም ዕድመኦም 18 ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ብቕዓቶም ንምግምጋም ሕክምናዊ መርመራ ክገብሩ ክግደዱ'ዮም።

መንግስቲ ዝሓንጸጾ ሸቶታት እንተዘይተማሊኡ፡ ሓደ ዓይነት ግዴታዊ ምምዝጋብ ብባይቶ ክሕሰብ ይኽእል እዩ።

ኲናት እንተተላዒሉ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብቲ መሕተቲ ጽሑፋትን ውጽኢት ሕክምናዊ መርመራታትን ርእዩ፡ ክምልመሉ ዝኽእሉ ሰባት ክወስድ ከኽእሎ'ዩ።

እዚ ሓሳብ ግን ካብ ገለ ፖለቲከኛታትን መንእሰያትን ከቢድ ተቓውሞ የጋጥሞ ኣሎ።

መንእሰያት ጀርመን'ውን ነቲ ሓሳብ ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም ኣለዉ።

ንዝተገበረ ዳሳህሳስ ካብቶም ካብ 18 ክሳብ 29 ዕድመኦም ጀርመናውያን እቶም 63 ሚእታዊት ነቲ ሓሳብ ከምዝተቓወምዎ ይሕበር።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣንጸር እቲ ግዱድ ዕስክርና ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሳተፈ ወዲ 17 ዓመት ተምሃራይ ጂሚ ካብ በርሊን፡ "ክመውት ስለዘይደሊ ወይ ብጥይት ክቕተል ስለዘይደሊ ናብ ኲናት ክኣቱ ኣይደልን'የ፡ ኣነ'ውን ናብ ሰባት ክትኵስ ኣይደልይን'የ" ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ጀርመን መጥቃዕቲ ክፍጸም ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ብምግላጽ ከኣ "መንግስቲ መሰል ሚልዮናት መንእሰያት ንምስራቕ" ይጥቐመሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ካልእ ወዲ 21 ዓመት ጄሰን "ንሰላምን ንዲሞክራስን ንምክልኻል ኣበርክቶ ክገብር ኢለ'የ ኣብ ምክልኻል ተጸንቢረ፡ እንተዀነ ዋላ እተን ዓቕሚ ኣለወን እንብለን ጸላእትና'ውን ንዓን ናይ ምጥቓዕ ሓሳብ የብለን" ብምባል ኣብቲ ዝቐርብ ዘሎ መንእሰያት ናይ ምዕስካር መደብ ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ።

ምኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስቶርየስ፡ ዋላ'ኳ እቲ ሓድሽ ውጥን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እንተሃለወ "ዘሻቕልን ዘፍርሕን ምኽንያት የለን" ብምባል ንጀርመናውያን ከረጋግእ ፈቲኑ።

እቲ ምኒስተር "ዝያዳ እንተተዳሊናን፡ ዓቕሚ ሰራዊትና ብልምምድን ዝያዳ እንተደልዲሉን ናብ ግጭት ክንኣቱ ዘለና ተኽእሎ'ዩ ዝንኪ" ኢሉ።

ኣብ ጀርመን ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኲናት ወጻኢታት ምክልኻል ክንኪ እንከሎ፡ ካብ 2011 ጀሚሩ ከኣ ምዕስካር ሓደሽቲ ሰራዊት ደው ኢሉ።

ወዲ 21 ዓመት ጃሶን በቲ ዘሎ ህሉው ኩነታት ተደሪኹ ናብ ሰራዊት ጀርመን ከምዝተጸንበረ’ዩ ዝገልጽ
መግለጺ ስእሊ, ወዲ 21 ዓመት ጃሶን በቲ ዘሎ ህሉው ኵነታት ተደሪኹ ናብ ሰራዊት ጀርመን ከምዝተጸንበረ'ዩ ዝገልጽ

ጀርመን ሕሉፍ ታሪኻ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምርኣይ ካብ እትቝጠብ ነዊሕ ገይራ'ያ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ግን፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ፍሪድሪክ መርዝ፡ እዚ ንምክልኻል ጀርመን ዝምልከት ሕጊ "ሕጂ ብዝዀነ ይዅን ክትግበር ኣለዎ" ክብል ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ኵለን እተን ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ዝዀና ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ምክልኻል ዝገብረኦ ወጻኢታት ክውስኽ ካብ ዋይት ሃውስን ካብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ጸቕጢ የጋጥመን ከምዘሎ'ዩ ዝሕብር።

ሃገራት ኤውሮጳ ዕጥቅታተን ንምድልዳል ኣብ ዝገብራኦ ዘለዋ ወፍሪ ነቲ ንዋት ምክልኻል ዘፍሪን ዝቕርብን ጀርመናዊ ትካል ንራይንሜታል ኣታዊኡ ንኽዛይድ ዓቢ ባብ'ዩ ኣርሕዩሉ።

ኣርሚን ፓፐርገር፡ ንዩክረይን'ውን ወተሃደራዊ ንዋት ከምዘቕርቡ ብምሕባር "ብዙሕ ጠለብ ስለዘሎ ብዙሕ ኢና ንኸስብ ዘለና" ኢሉ።

እቲ ሓላፊ "ኣብ ተሽከርከርቲ፡ ኣብ ተተኮስቲ ክንሕይል ኣለና፡ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ሳተላይት ብቕዓት ክህልወና ኣለዎ። ኣብ ኤሌክትሮኒክስን ኪነታዊ ብልሒ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝያዳ ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸ ጸብጻብ ኣመሪካ፡ ሩስያ ንሓላፊ ራይንሜታል ንምቕንጻሉ ውዲት ኣሊማ ከምዝነበረት ይሕብር። እንተዀነ ነቲ ጸብጻብ ራጉድ ዝዀነ ዝቐረበ መርትዖ የለን።

ንኣርሚን ፓፐርገር ኣውሮጳ ናብ ዳግማይ ዝሑል ኲናት ወይ ኣብ ሓውሲ ኲናት ድያ ዘላ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ "ዝበልኩም በልዎ ሰላም ዘለዎ ግዜ ግን ኣይኰነን" ኢሉ።