ብጉዳይ መጥቃዕቲ መስመር ጋዝ 'ኖርድ ስትሪም' ሓደ ዩክሬናዊ ኣብ ኢጣልያ ተቐይዱ

ሰለስተ ካብቲ ኣርባዕተ ብትሕቲ ባልቲክ ዝሓልፍ መስመራት ጋዝ በቲ መጥቃዕቲ ዓንዩ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Danish Defence handout

ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን ሓደ ዩክረናዊ ምስ መጥቃዕቲ መስመር ጋዝ ኖርድ ስትሪም ብዝተሓሐዝ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ገሊጾም።

መስመር ጋዝ ኖርድ ስትሪም ብትሕቲ ባሕሪ ባልቲክ ካብ ሩስያ ናብ ጀርመን ዘራኽብ መስመር ጋዝ ኰይኑ፡ ሩስያ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመት ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ'ዩ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ።

እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ዩክሬናዊ ሰሪህ ከ ዝብሃል ኰይኑ ኣባል ናይቶም ኣብ ኖርድ ስትሪም 1 ከምኡ ከኣ ኖርድ ስትሪም 2 ተባራዒ ዘጻወዱ ጕጅለ ምዃኑ ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን ሓቢሮም።

እቲ መስመር ዳርጋ ናብ መላእ ኣውሮጳ ዝዝርጋሕ ኰይኑ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ቅልውላው ጽዓት እንከለዋ'የን እቲ መስመር መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ።

ነቲ መጥቃዕቲ ኣነ'የ ፈጺመዮ ዝበለ ኣካል የለን፤ ዩክረይን'ውን ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከምይብላ ብተደጋጋሚ ገሊጻ'ያ።

እቲ ብፖሊስ ኢጣልያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ዩክሬናዊ ሓደ ካብቶም ሃንደስቲ እቲ መጥቃዕቲ ምዃኑ'ዮም እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ዝገልጹ።

እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ሰሪህ ከ ኣካል ናይቶም ካብ ወደብ ሮስቶክ - ጀርመን ብፍልይቲ ጃልባ ናብቲ ኣብ ባልቲክ እትርከብ ደሴት ዳኒሽ ዘምርሑ'ዩ።

መስመር ጋዝ ኖርድ ስትሪም 1 ካብ ገማግም ሩስያ ተበጊሱ 1200 ኪሎሜተር ብትሕቲ ባሕሪ ባልቲክ ተዘርጊሑ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ጀርመን ዝበጽሕ መስመር'ዩ።

ቀቅድሚ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ምፍጻማ፡ ጀርመን ንምጅማር እቲ ምሉእ ብምሉእ ብሩስያዊ ትካል ጋዝፕሮም ዝውነን መስመር ጋዝ ኖርድ ስትሪም 2 ደው ኣቢላቶ። በዚ ዝተቘጠዐት ሩስያ ከኣ ንኖርድ ስትሪም 1 ዓጽያቶ።

ብሰንኪ'ዚ፡ ኣውሮጳ ኣብ ቅልውላው ሕጽረት ጋዝ ኣብ ዝነበረትሉ ብ26 መስከረም 2022፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ካብቲ ኣርባዕተ መስመራት ጋዝ ኖርድ ስትሪም 1 መጥቃዕቲ ፍንጀራ ተፈጺሙ።

ሩስያ ፈጸምቲ እቲ መጥቃዕቲ ዓዲ እንግሊዝ ወይ ኣመሪካ'የን ክትብል እንከላ፡ ፈጸምቲ እቲ መጥቃዕቲ ግን ብርግጽ ክፍለጡ ኣይተኸኣሉን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ጀርመን ፈጸምቲ እቲ መጥቃዕቲ ዩክሬናውያን ጕጅለ ከምዝዀኑ ሓቢራ።

እቶም ጕጅለ ጠለቕቲ [ዳይቨራት] ኣብቲ እዋን ጃልባ ተኻርዮም ነቲ መስመር ንምጥቃዕ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ባልቲክ ከምዝተጕዓዙ ብምሕባር፡ ነቲ መን ፈጸሞ ዝብል ግድል፡ ዝፈትሕ መግለጺ ኣውጺኣ።

ብድሕሪ'ዚ ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን ኣብ ነሓሰ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓደ ካብቶም ጠለቕቲ ቮሎድሚር ዚ ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ መእሰሪ ኣውጺኦም።

ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን ብሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ኢጣልያ ተታሒዙ ዘሎ ኣካል እዛ ጕጅለ ናብ ጀርመን ተመሓላሊፉ ምስ ተወሃበ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ኣብሪሆም።

እዞም መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተበሃሉ ጕጅለ ጠለቕቲ ተልእኾኦም ምስ መንግስቲ ዩክረይን፡ ሩስያ ወይ ካልእ ሃገር ምትእስሳር ይሃልዎ ኣይሃልዎ ክሳብ ሕጂ ዝተረኸበ መርትዖ ግን የለን።