እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክራማት ሎሚዘበን፡ ኣየኖት ከባብታት'ዮም ብውሕጅ ተሃስዮም?
ኣብ እዋን ክረምቲ ክዘንብ ዝጸንሐ ብርቱዕ ዝናብ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ምንሽርታት መሬትን ውሕጅን ኣጋጢሙ ኣሎ።
እቲ ሓደጋታት ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዘፈን ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብረኦም ዘመዛበለን’ዩ።
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ብዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት 281 ሰባት ከምዝሞቱ ይሕብር።
ካብዚ ብተወሳኺ 300 ሽሕ ሰባት በቲ ሓደጋታት ከምዝተሃስዩን 142 ሽሕ ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።
ጋምቤላ፣ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ኦሮምያ፣ ትግራይ፣ ሶማልያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ሲዳማን ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያን ቀንዲ በቲ ሓደጋ ዝተሃስያ ክልላት እየን።
ብፍላይ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ በዚ ሓደጋታት ብኸቢድ ተሃስዩ ኣሎ።
ኣብ መፋርቕ ሓምለ ኣብ ዞባ ጋሞ ጎፋ ወረዳ ገዜ ብዘጋጠመ ምንሽርታት መሬት ልዕሊ 243 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ብውሕዱ 24 ሽሕ ሰባት ካብቲ ከባቢ ክወጹ ከምዝተገደዱን እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ዋላ’ኳ ኣብ ዞባ ጎፋ ግድድ ዝበለ ይኹን እምበር ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ብዘጋጠመ ምንሽርታት መሬትን ውሕጅን ብዙሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ተመዛቢሎም’ዮም።
ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ክረምቲ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ምንሽርታት መሬት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መንበሪ ኣባይቶም ተመዛቢሎም።
ነበርትን ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን እቲ ክልል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብ እንደርታ፣ ሰላዋ፣ ዓድዋ-ይሓን ካልኦት ከባቢታትን ብዘጋጠመ ምንሽርታት መሬት ኣብ ልዕሊ ጥሪትን ደቂ ሰባትን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ሓቢሮም።
ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሰላዋ ብዘጋጠመ ሓደጋታት ልዕሊ 500 ሚእቲ ስድራቤታት ሃዲሞም ኣብ ከተማ ደላ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት መዕቆቢታትን ተዓቚቦም ይርከቡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኦቻ፡ ኣብ ክልላት ጋምቤላ፣ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ሶማል፣ ኦሮምያ፣ ሲዳማን ደቡባዊ ምዕራብን ብዝተፈጥረ ዕልቕልቕ ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ካብ ከባቢኦም ክወጹ ተገዲዶም።
ኣብ ኣዝርእቲ፣ ጥሪትን ንብረትን እውን ጉድኣት በፂሑ እዩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ብዝተፈጠረ ምንሽርታት መሬት ልዕሊ 23 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተመዛበሉ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።
ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዞባ ስልጤ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ልዕሊ 6 ሽሕ ነበርቲ ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ምሕደራ ሓደጋ እቲ ዞባ ወሲል ኣሰፋ ገሊጻ።
እታ ሓላፊት ብተወሳኺ እቲ ሓደጋ ኣብቲ ከባቢ ካብ ግንቦት ጀሚሩ ከጋጥም ከምዝጀመረን ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት ዓመት ዓመት ከምዘጋጥምን ጠቒሳ።
ከምኡ እውን ብ20 ነሓሰ 2016 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ብዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ 270 ሄክታር መሬት ዝበቖለ ዘራእቲ ከምዝዓነወን 19 እንስሳ ዘቤት ከምዝሞታን ኣካያዲ ስራሕ እቲ ወረዳ ኣዋልይ ነቢ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ምሕደራ ሓደጋ ኣቶ ኣታለል ኣቦሃይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ጎፋ ሓዊሱ ዝበዝሑ ሓደጋታት ዘጋጠመሎም ከባቢታት በቲ ሓደጋ ተቓላዕቲ ምዃኖም ተፈሊጡ ከምዝነበረ ሓቢሩ።
ምክትል ዳይሬክተር ትንበያ ሜትሮሎጂን ቅድመ መጠንቀቕታን ዶክተር ኣሳምነው ተሾመ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ክራማትን ጽድያን ዝኽሰት ልዑል መጠን ዝናብ፡ ብሰንኪ ተፋሰስ ኣዋሽ፣ ሰምጥ ሸለቆ፣ ተፋሰስ ዋቢ ሸበሌ፣ ተፋሰስ ኦሞ-ጊበን ምዃኖም ንቢቢሲ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብታ ሃገር ትሽዓተ ክልላት ንውሕጅ ተቓላዕቲ ምዃነን ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፣ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት እዘን ክልላት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ብሰንኪ ውሕጅ ክመዛበል ከምዝኽእል ተገሚቱ ከምዝነበረ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣጠንቂቑ ነይሩ’ዩ።
እዚ ሓደጋታት ዝያዳ ዕንወት ዘውረደ ስለምንታይ እዩ?
ገጸ ምድሪ ናይቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢታት ነቲ ሓደጋ ዝያዳ ተቓላዕቲ ገይርዎም።
ኣኽራን ዝበዝሖ ቦታታት ንምንሽርታት መሬት ዝቃላዕ ክኸውን ከሎ፡ ዓሞቕቲ ቦታታት ድማ ብማይ ይዕለቕልቕ።
ይኹን'ምበር፡ ገለ ካብቶም ሓደጋታት "ቅድሚ ሕጂ’ውን ዘጋጠሙ’ዮም" ብዝብል ዕሽሽ ስለዝተብሃሉ ካብቲ ዝተገመተ ንላዕሊ ጉድኣት ከምዘስዓበ ኣቶ ኣታላይ ሓቢሩ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ጎፋ ምንሽርታት መሬት ከምዘጋጠመ ዘዘኻኸረ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ምሕደራ ሓደጋ መንግስቲ ፌደራል እቲ ከባቢ ንሓደጋ ምንሽርታት መሬትን ሓደጋ ውሕጅን ተቓላዒ ከምዝኾነ ተኣሚቱ ምንባሩ ተዛሪቡ።
ይኹን እምበር፡ ነበርቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲሙ ዝወሃብ መጠንቀቕታ ምስ ተሓበሮም፡ ‘ዓሚ ብሰላም ስለዝሓለፍናዮ' ብምባል ክወጹ ከምዘይደለዩ ተዛሪቡ።
"እቲ ሕብረተሰብ ንዘበናት ዝነበረሉ ስለዝኾነ ካብቲ ከባቢ ክወጽእ ድሌት ኣይነበሮን” ይብል እቲ ወሃቢ ቃል።
ይኹን'ምበር ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መንበሪ ኣባይቲ ብዘይምንባሩን ስክፍታታት ጸጥታን ስለዝነበረን ክወጹኡ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ገሊጾም።
ካብዚ ወፃኢ ኣብ ሕብረተሰብ ብዘሎ ሕፅረት ግንዛበ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍእ ተዓዚብና ኢና።
ብኻልእ ወገን ድማ መንግስቲ ክሰርሖ ዝግብኦ ዕማማት ብዘይምፍጻሙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክረምቲ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ዜጋታት ኣለው።
ንኣብነት ብሰንኪ ምምላእ ሩባ በርብ ኣብ ወረዳታት ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ዘጋጥም ዕልቕልቕ ምጥቃስ ይከኣል እዩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከም ዝበልዎ፡ ነቲ ጸገም ዝያዳ ዘጋደዶ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዘይኮነስ፡ ህንጸት እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግድብ ዘይተዛዘመ ምዃኑ እዩ።
"እቲ ግድብ ንምንታይ ከምዘይተዛዘመ ኣይንፈልጥን" ዝበሉ እቶም ነበርቲ፡ ዓመት መጸ እቲ ግድብ ስለዝመልእ ኣብ ሓደጋ ይወድቁ ከምዘለዉ ይዛረቡ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰለስተ ሓረስቶት፡ እቲ ሓደጋ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣቐዲሙ ተነጊርዎም እኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ጸገም ጸጥታ ግን ክወጹ ከምዘይከኣሉ ኣብሪሆም።
ኣቐዲሙ ዝተገመተ ትንበያታት መሰረት ብምግባር ነበርቲ ካብ ተቓላዕቲ ከባቢታት ንምውፃእ እኹል ስራሕ ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ ሰብ ከምዝሞተን ንብረት ከምዝዓነወን ተገሊጹ።
እቲ ንብዙሓት ዝቐተለ ምንሽርታት መሬት
ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ምንሽርታት መሬት እናተጋደደ ይቕጽል ከምዘሎ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ይዛረቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ክረምቲ ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ መሬት ዘዳኸመ ይመስል። ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ክራማት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈለየ ብዙሕ ሓደጋታት ምንሽርታት መሬት ኣስዒቡ እዩ።
ብመሰረት ዳህሳስ ጂኦሎጂ ኣመሪካ፡ ምንሽርታት መሬት ብብርቱዕ ዝናብ፡ ምምካኽ በረድ፡ ምህማም መሬት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ንጥፈታት እሳተ ጎመራ፡ ለውጢ መጠን ማይ ትሕተ-ምድሪን ካልእ ሰብ ዝሰርሖ ረቛሒታትን ክለዓል ይኽእል።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ምንሽርታት መሬት ካብ ዝኾነ ተፈጥሮኣዊ ተርእዮታት ንላዕሊ ብሰፊሑ ከጋጥም ይኽእል’ዩ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢንዶነዥያ፣ ኔፓልን ፓፑዋ ኒው ጊኒን ተመሳሳሊ ሓደጋታት ከምዘጋጠመን ህይወት ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተለን ይፍለጥ።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መንጎ 1998ን 2017ን ኣብ ኤውሮጳ ምንሽርታት መሬት ን4.8 ሚልዮን ሰባት ከምዝጎድአን ኣብዘን ዓመታት ልዕሊ 18 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ይግለጽ።
ካብዚ ሓደጋ እዚ ብኸመይ ክንድሕን ንኽእል?
እቲ ኣብ ዞባ ጎፋ ዘጋጠመ ምንሽርታት መሬት፡ ኣቐዲሙ ብዘጋጠመ ሓደጋ ዝተቐብሩ ሰባት ንምድሓን ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ ህይወት ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተለ ይፍለጥ።
በቲ ሓደጋ ዝተቐበሩ ኣርባዕተ ሰባት ንምድሓን ዝተኣከቡ ልዕሊ 200 ኣዝማድን ነበርቲ እቲ ከባብን ብተመሳሳሊ ሓደጋ ሞይቶም።
ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ቅድሚ ጕድኣት ከየስዓበ እንታይ ጥንቃቐታት ክንገብር ኣሎና?
ቀይሕ መስቀል ኣሜሪካ፡ ሃንደበት እቲ ሓደጋ ከምዘሎ እንተተሰሚዑካ ብቕልጡፍ ካብቲ ከባቢ ወጺእካ ንጎረባብትን ሰበስልጣንን ክትሕብር ይመክር።
ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ድምጽታት ብንጥፈት ክትሰምዖ እውን ይመክር። ንኣብነት ኣግራብ ክናወጽ ከሎ ኣኻውሕ ክናወጽ ከሎ ሸለል ክትብሎ ከምዘይብልካ ይምዕድ።
እቶም ኣብ ጥቓ ሩባ ዝነብሩ ድማ "ሃንደበታዊ ዋሕዚ ማይ ወሰኽ ወይ ምንካይ እንተሃልዩ፡ እቲ ማይ ድማ ፅሩይ ወይ ጭቃ እንተኾይኑ ኣስተብህል። እዚ ዓይነት ለውጢ ማለት ምንቅስቓስ ጽርግያታት ኣሎ ማለት እዩ፡ ስለዚ እቲ ከባቢ ብቕልጡፍ ምውጻእ የድሊ" ይብል።
ሃንደበታዊ ሓደጋታት እንተ ኣጋጢሙ ድማ በቲ ሓደጋ ንዝተደፈኑ ሰባት ንምድሓን ቅድሚ ምፍታን፡ ነቶም ክኢላታት ምሕባርን ተወሳኺ ጉድኣት ከምዘይበጽሕ ምርግጋጽን ከምዘድሊ ክኢላታት ይመኽሩ።