ጠንቂ ምህማም መሬት እንታይ’ዩ? ነብስና ብኸመይ ክንከላኸል ንኽእል?

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጐፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ልዕሊ 229 ሰባት ሞይቶም’ዮም።

ሕጂ’ውን ኣስክሬን በቲ ሓደጋ ዝተቐብሩ ሰባት ንምውጻእ ዝግበሩ ጻዕሪታት ይቕጽሉ ኣለዉ፤ ቍጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከም ዝኽእል ይስጋእ።

ኣብቲ ክልል፡ ሓደጋታት ምህማም መሬትን ውሑጅን ከጋጥሙ’ኳ እንተጸንሑ፡ ክንድ’ዚ ዝኣክል ሰባት ዝሞትሉ ሓደጋ ግን ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን።

ካብ ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋጋት ብዝተፈለየ፡ ምህማም መሬት ኣብ ዝዀነ ክፋል ዓለም ከጋጥም ከም ዝኽእል ሓበሬታ ትካል ጥዕና ዓለም የመልክት።

እዚ፡ ኣብ ዓለም የጋጥም ብዘሎ ክሊማዊ ለውጢ እናሓየለ ከም ዝመጽአ ሰብ ሞያ ይገልጹ፤ እዚ ክቕጽል ምዃኑ’ውን የጠንቅቝ።

ኣብዚ ዓመት፡ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ብተወሳኺ፡ ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ኔፓልን ፓፓዋ ጊኒን ተመሳሳሊ ሓደጋታት ተኸሲቶም ብዙሓት ሞይቶም’ዮም።

ንምዃኑ፡ ምህማም መሬት እንታይ’ዩ? እንታይ ዘንቀሎ ጸገም’ዩ?

ምህማም መሬት፡ ከም እምኒ፡ ሓመድ ዝተሰከሙ ኣእዋም፡ ሓመድን ካልኦትን ካብቲ ዝነበርሉ ከባቢ ኣንቈልቊሎም ክወርዱ እንከለውን ቦታኦም ገዲፎም ክኸዱ እንከለውን’ዩ ዘጋጥም።

እዚ፡ ሃንደበታዊ ወይ’ውን ቀስ ብቐስ ንነዊሕ እዋን ክኽሰት ይኽእል።

ዓቐበት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት፡ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ዝሃርመሉ እዋን፡ በረድ ክመክኽ እንከሎ፡ መሬት ክጕሕጓሕ እንከሎ፡ ምንቅጥቃጥ መሬት ወይ ምንቅስቓስ እሳተ ጐመራ ኣብ ዝህልወሉ፡ መጠን ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ማይ ኣብ ዝልወጠሉ ካልኦት ሰብ ሰርሖ ምኽንያታት ኣብ ዝህልዉሉን፡ ክኽሰት ከም ዝኽእል ሓበሬታ ኣመሪካ ጂኦሎጂካል ሰርቨይ የረድእ።

ኣብ ውሽጢ ማያዊ ኣካላት’ውን ምህማም መሬት ከጋጥም ይኽእል’ዩ፤ ገለ እዞም ክስተታት ንፋስ ዝተሓወሶ ማዕበል ህቦቡላ ብምስዓብ ኣብ ከባቢ ገምግም ባሕሪ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ሃሰያ ከውርዱ ይኽእሉ።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ምህማም መሬት የጋጥሞም’ዩ ዝብሎም ከባቢታት

  • ኣብ ዓቐበትን እምባን ዘለው ከባቢታት
  • ብባርዕ ሓዊ ዝነደደ መሬት
  • ብሰንኪ ሰብ ሰርሖ ተግባራት ብኣግራብ ተሸፊኑ ዝነበረ መሬት ክመናመን ወይ ክዓርቕ እንከሎ
  • ሩባ ዝሓልፈሎም ከባቢታት
  • ዝዓቘረ ማይ ወይ ብምኽንያት ማይ ዝተሸርሸሩ ከባቢታት እዮም።

ሓደ ምህማም መሬት ናህሪ ክህልዎ እንከሎ፡ ኣእማንን ዝፈራረሱ ከባቢታትን ካብ ምዕናው ክሳብ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ከቢድ ምህማም ክሽፍን ይኽእል።

እዚ ሓደጋ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ’ዩ፤ ምህማም መሬት፡ ሓሙሽተ ዓይነታት ምንቅስቓስ ዓቐበት ዘለዎ ከባቢ ዝሽፍን ኰይኑ፡ ምድርማስ፡ ምግልባጥ፡ ምምላቝ፡ ምዝርጋፍን ምፍላስን ይብሃሉ።

  • ምድርማስ [falls] ሃንደበታዊ ብዝዀነ ክስተት እምኒ ወይ መሬት ካብ ዓቐበት ክሃምም እንከሎ
  • ምግልባጥ [topples] ካብ ዓቐበት ዝበዝሖ ከባቢ፡ መሬት ቦታኡ ሓዲጉ ንቝልቑል ክህንደስ እንከሎ’ዩ
  • ምምላቝ ወይ ምንሽታት [slides] እምኒ፡ ሓመድ ዝሓዘ ገረብ፡ ካብ ሓደ ከባቢ ኣንቈልቊሎም ክወርዱ እንከለው
  • ምዝርጋፍ [spreads] እዚ ኣብ ዓቐበት ዝዀኑ፡ ማይ ዝዓቘሩ ከባቢታት ብዝፍጠር ምንቅጥቃጥ መሬት ወይ ማይ ኣብ ዝፈሰሎም ከባቢታት መሬት ክጉሕጓሕ እንከሎ ንጐኒ ዝግበር ምህማም እዩ
  • ምፍላስ [flows] ድማ ብጭቃ ዝተለወሱ ፍርስራሳት ወይ ጭቃ ከም ፈሳሲ ዝገብሮ ምንቅስቓስ እዩ

ብኸመይ ኢና ንነብስና ካብዚ ሓደጋ ክንከላኸል እንኽእል?

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ካብ 1998 ክሳብ 2017 {ኣ.ኤ]፡ ምህማም መሬት ኣብ ልዕሊ 4.8 ሚልዮን ሰባት ጕድኣት ኣብጺሑ እዩ።

ኣብዞም ዓመታት፡ ልዕሊ 18 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።

ሃንደበት፡ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ እንተተሰሚዕኩም፡ ካብቲ ዘለኹሞ ከባቢ ብምውጻእ፡ ንጐረባብትኹምን ሰብ መዝን ከተፍልጡ ይምከር።

ከምኡ’ውን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝስምዑ ድምጺታት ብውነ ክትጸናጸኑ ይምዓድ፤ ንኣብነት፡ ኣእዋም ክነቓነቝ እንከለው ዝፍጠር ድምጺ ኣሎ።

ሩባ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ድማ፡ “ሃንደበታዊ ምውሳኽ ወይ ምንካይ ማይ እንተኣጋጢሙ፡ ከምኡ’ውን እቲ ማይ እንተጸርዩ፡ ጽርየት እቲ ማይ ናብ ጭቃ እንተተቐይሩ ከስተብህልሉ ኣለዎም። ከምዚ ዓይነት ለውጢታት እንተሃልዩ፡ ምንቅስቓስ ማርቻቤዲ ኣሎ ማለት ስለ ዝዀነ፡ ብህጹጽ ካብቲ ከባቢ ክትወጽኡ ኣለኩም” ይብል ቀይሕ መስቀል ኣመሪካ።

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ብወገኖም፡ ደርቢ ኣብ ዘለዎም ህንጻታት ዝነብሩ ሰባት ካብቲ ህንጻ ክወጽኡ እንተኽኢሎም ናይ ምድሓን ዕድሎም ብ12 ዕጽፊ ክውስኽ ከም ዝኽእል የረድኡ።

መሳዅቲ ምኽፋትን ሃንደበት እቲ ሓደጋ ብዘስዕቦ ምፍራስ ህንጻታት እንተተጸቒጥካ ቀጻሊ ምንቅስቓስ ምግባርን ድምጺ ከተውጽእ ምፍታንን ይምዕዱ።

“ገለ ሓደጋታት ምህማም መሬት፡ ልዕሊ ዝጐዪ ሰብ ክንቀሳቐሱ ይኽእሉ’ዮም። ሓሓሊፉ ብዘይ ዝዀነ ዓይነት ምልክት፡ ንመዓልቲታት ወይ ንሰሙናት ወይ’ውን ልዕሊኡ ከጋጥሙ ይኽእሉ’ዮም” ይብል ጂኦሎጂካል ሰርቨይ ኣመሪካ።

ምህማም መሬት ዋሕዚ ማይ ብዝለዓለ መጠን ክውስኽ ብምግባር ከምኡ’ውን ሒዙዎም ብዝኸይድ ፍርስራሳት፡ ጠንቂ ሞት ኣዝዩ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎ ሰብን ጉድኣት ኣካልን ከም ዝኸውን ትካል ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ምስ ምህማም መሬት ብዝተሓሓዝ፡ ምኽንያት ሞት ክኸውን ዝኽእል ምዕፋን ወይ ድማ መውጽኢ ምስኣን እዩ።

ይዅን’ምበር፡ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ምህማም መሬት ዘጋጥሙ ነገራት ጐዳእቲ ክዀኑ ይኽእሉ።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ “ምህማም መሬታት፡ ብስርዓት ጥዕና መሰረታዊ ዝብሃሉ ኣገልግሎታት ማይ፡ ኤሌክትሪክ ወይ መስመራት ቴሌኮምዩኒኬሽን ክሃሲ ይኽእል” ይብል።

ዝተበላሸው መስመራት ኤሌክትሪክ ድማ፡ ሓደጋ ኤሌክትሪክ ከምኡ’ውን መእለዪ ረሳሕ ፈሳሲ ማይ፡ ነዳዲ ዝበሉ ቱቦታት ክበላሸው፡ ማይ ወለድ ሕማማት ክኽሰቱ ይገብር።

ክሊማዊ ለውጥን ምውሳኽ መጠን ሙቐትን፡ ተወሳኺ ሓደጋታት ምህማም መሬት ከስዕቡ’ዮም ተባሂሉ ይግመት።

“ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ብርቱዕ ዝናብ፡ ተደጋጋሚ ምህማም መሬት ከምኡ’ውን ዓቐኑ ዝወሰኸ ሓደጋ ክፍጠር ክገብር ይኽእል” እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ከም ዝግበር ጂኦሎጂካል ሰርቨይ ኣመሪካ ይገልጽ።

እዚ ድማ፡ በረድን እምባን ኣብ ዝበዝሖም ከባቢታት ከጋጥም ከም ዝኽእል ትካል ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።