እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 38 ኢትዮጵያውያን ናብ ትግራይ ኣፋንዩ
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝፀንሑ ዝተገልፁ ተወለድቲ ትግራይ ፈቲሑ ብኣንፈት ዓዲዃላ-ራማ ናብ ዓዶም ከም ዝሰደዶም ከንቲባ ከተማ ራማ ኣብርሃለይ ግርማይ ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊፁ።
እቶም ተመለስቲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ካብ ቀይዲ ምስ ተፈትሑ ብዛዕባ ቀፃሊ መደቦም መንግስቲ ኤርትራ ምርጫ ከም ዘቕረበሎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ካብቶም ዝተፈትሑ እቶም 38 ብገዛእ ፍቓዶም ክሳብ ሩባ መረብ ተፋንዮም ናብ ትግራይ ኣትዮም ኣለዉ።
እቶም ዝተረፉ 62 ሰባት ኣብ ኤርትራ ወሊዶምን ተዋሊዶም ስለ ዝዀኑ፡ ኣብኡ ክተርፉ ከም ዝመረፁ ተፈሊጡ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ብዛዕባ እዚ ምፍታሕ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወሃበ ዕላዊ ሓበሬታ የሎን።
ሓደ ካብቶም ተፈቲሖም ናብ ዓዶም ዝተፋነዉ በየነ ገብረኪዳን፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ወዲ 32 ዓመት ይርከቦም።
"ኣነ ኣብ ኣስመራ እየ ተወሊደ ዓብየ። መእሰሪና ምኽንያት በቲ ዝነበረ ኵነታት ትግራይን ኤርትራን ኢና ተኣሲርና ፀኒሕና ማለት እዩ። ካብ ሰለስተ ዓመት ክሳብ ሽድሽተ ዝተኣሰሩ ኣለዉ። ተኣሲርና ዝነበርናሉ ቦታ ከኣ ዓዲ ኣቤቶ ይበሃል። ካልእ ድማ ናቱ ጨንፈር ዝዀነ ማይ ስርዋ ይበሃል፡" ይብል።
በየነ መእሰሪኡ ምኽንያት ምስቲ ንኽልተ ዓመት ዝፀነሐ ደማዊ ኲናት ትግራይ ከም ዝዀነ ይዛረብ።
ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝፀነሐ ኲናት፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዘሰለፈ ኰይኑ፡ እዞም ሓይልታት ሰብኣዊ ግህሰት ከም ዝፈፀሙ ዝወፅኡ ጸብፀባት ይሕብሩ።
እቲ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ከም ዝፀንሑ ዝዛረብ በየነ፡ ብሓፈሻ 100 ሰባት ከም ዝተፈትሑን ኣብ መንደፈራ ምፍናው ከም ዝተገበረሎምን ይገልፅ።
በየነ፡ ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ፡ ኣበይ ክነብሩ ከም ዝደልዩ ምርጫ ከም ዝተዋሃቦምን፡ ገሊኦም ናብ ዓዶም ክምለሱ ክመርፁ ከለዉ፡ ዝተረፉ ድማ ኣብኡ ክነብሩ ከም ዝሓረዩ ወሲኹ ተዛሪቡ።
"ምስ ተፈታሕና ምረፁ ተባሂልና፣ ኣነ ኣብ ትግራይ ዓደይ ክነብር መሪፀ። ኣብ ዓድንና ክንነብር ስለ ዝደለና ተፋኒና። እቶም ኣስታት 62 ዝዀኑ ምስ ተፈትሑ 'ኣብ ኣስመራ ክንነብር ኢና ንደሊ' ኢሎም ብዝመረፅዎ ኣብኡ ተሪፎም፡" ብምባል ወሲኹ ተዛሪቡ።
እቲ ምፍታሕ ናይቶም እሱራት ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋናት 'ፅምዶ' ብዝብል ብነጠፍቲ ሰባት ዝካየድ ዘሎ ርክባት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይግለፅ።
ከንቲባ ከተማ ራማ ኣብርሃለይ ግርማይ፡ ካብቶም ዝተፍትሑ ተጋሩ 38 ብገዛእ ፈቓዶም ብኣንፈት ራማ ብሩባ መረብ ናብ ትውልዶ ዓዶም ትግራይ ተፋንዮም ክብል ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።
"ኣስታት 100 ዝዀነ ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ እዮም ሓበሬታ ሂቦምና ዘለዉ። ካብኣቶም ብፍቓዶም ንዓድና ኢና ንኸይድ ኢሎም፡ እቶም 38 ብራማ ግንባር - ብሩባ መረብ መንግስቲ ኤርትራ ኣቐቢሉና። ንሕና ድማ ናይ ፀጥታ ኣካላትን መሓውር ፖሊስን ሒዝና መኪና ገይርና ተቐቢልናዮም። ኣብ መዕረፊ ቦታ ተቐሚጦም ኣለዉ። ብሰናይ ድሌቶም ከምፅኡ ከም ዝደለዩ እዮም ሓበሬታ ሂቦምና፡" ኢሉ።
ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ዝፀንሑ ተወለድቲ ትግራይ ኢትዮጵያውያን፡ ብኣንፈት ባድመ፡ ራማን ዘላምበሳን ከም ዝተፋነው ምፅብፃብና ይዝከር።
ኰይኑ ግና ከምዞም ናይ ሎሚ ምርጫ ከይተወሃቦም ናብ ዓዶም ከም ዝተሰጐጉ ዝገልፁ ኰይኖም፡ ገሊኦም ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣዝማዶም ዘይፈልጡን ብምዃኖም፡ ኣብ ፀገም ከም ዝወደቑ ይዛረቡ።
ካብኡ ዝነቐለ ስድራን ንብረትን ገዲፎም ስለ ዝመፅኡ፡ ተመሊሶም ናይ ምኻድ ሓሳብን ትልምን ከም ዝነበሮም ድማ ይዛረቡ።
ምስቲ ግጭት ብዝተኣሰሰር፡ ሰራዊት ኤርትራ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ካብ ገለ መዋሰንቲ ካብብታት ትግራይ፡ ብፍላይ ድማ ካብ ከባብታት ኢሮብ ጨውዩ ከም ዝወሰደ ዝኽሰስ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ኵነታቶም ዝተዋህበ ሓበሬታ የሎን።