ብኣስገዳድ ተጨዊና ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ተዋሂብና ዝብሉ ተጋሩ

ኣስማቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ተጋሩ: ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ደቡብ ወሎ ጃሬ ካብ ዝርከብ መዓስከር ተጨዊና ኣብ ኤርትራ ተዓሊምና ይብሉ። ግና መዓስን ብኸመይን እዮም ካብቲ መዓስከር ተጨውዮም? መን’ከ እዩ ጨውይዎም? ካበይን ብኸመይን’ከ ንኤርትራ ሰጊሮም? ንዝብል ሕቶታት፡ ቢቢሲ፡ ነቶም ካብ ኤርትራ ሃዲምና ወፂእና ዝበሉ ሰባትን ስድርኦምን ኣዘራሪቡ፡ ምሉእ ስሞምን ድምፆምን ዓቂቡ ንዛንትኦም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣዳልይዎ’ሎ።

ቅድሚ ኵናት ትግራይ ምውልዑ ብንግዲ ዝመሓደር ዝነበረ ዳናይ* ኣሕዋቱ ክቃለሱ ንበረኻ ስለዝወፈሩ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዱን ደቂ ኣሕዋቱን ሰሪሑ ክናቢ፡ ብ02 ሚያዝያ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ (10 ሚያዝያ 2022) ንኣዲስ ኣበባ ክኸይድ ካብ መቐለ ከምዝነቐለ ይገልጽ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ በፅሐ ግና ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተታሒዙ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ቆቦ ከምዝተኣሰረን ኣብቲ ዝተኣስረሉ ናሕሲ ዘይብሉን ዘይተወድአን ቤት-ማእሰርቲ ኣስታት 300 እሱራት ተጋሩ ከምዝፀንሑዎን ይገልፅ።

“ብሰንኪ ኵናት ኩሉ ነገር ስለዝዓነወ ዝነበረኒ ስኢነ፤ ቅትለትን ግፍዕን ምስ በዝሐ ኣሕዋተይ ክጋደሉ ወፊሮም። ስለዚ ንዝጠመዩ ወለደይን ደቂ ኣሕዋተይን ሰሪሐ ክኣሊ ክስደድ ወሲነ” ይብል።

ወዲ 65 ዓመት ኣይተ ገብረመድህን* ከኣ ብሞት ንዝተፈለይዎም ወላዲኦም ጸሎተ ፍትሓት ክገብሩ ካብ ሃዋሳ* ናብ ጨርጨር ትግራይ ኣትዮም። ሽዑ እቲ ኵናት ድሮ ጀሚሩ ነይሩ። ዘምፀኦም ወዲኦም ናብ ቦትኦም ክምለሱ እንከለው ከኣ፡ ኣብ ቆቦ ምስ በፅሑ ‘ናይ ወያነ ልኡኽ ኢኻ’ ተባሂሎም ን41 መዓልታት ከምዝተኣስሩ ይዛረቡ።

ሃለዋት መዓስከር ጃሬ

ብ16 ሚያዝያ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ (24 ሚያዝያ 2022) ኣይተ ገብረመድህንን* ዳናይን* ዝርከብዎም ብዙሓት ተጋሩ፡ ካብቲ ዝነበሩዎ ቦታ ኣብ ሃይቅ ናብ ዝርከብ ጃሬ ዝበሃል ዝኸፍአ ቦታ ከምዝገዓዙን ሕማቕ ከምዝረኣዩን ይዛረቡ።

“ነዚ ክርኢ ድዩ ዕድመ ሂቡኒ? ኣዝዩ ዘስካሕክሕ’ዩ። እቶም ሓለፍቲ ካብዚ ቦታ ክነውፅኣክን ኢና ብምባል ንደቅና ኣገዲዶም ይዕምፅወን ነይሮም” ክብሉ፡ ነቲ ምድራዊ ሲኦል’ዩ ዝበሉዎ ኩነታት ይገልፁ።

ብዙሓት ካልኦት ግዳያትን ስድራቤቶምን’ውን ነቲ ኣይተ ገብረመድህን* ዝበልዎ፡ “ኣብቲ ቦታ ብሰንኪ ጥምየትን ሕማምን፡ ኣካላዊ መውቃዕትን ስቓይን ብዙሓት ደቀንስትዮን ቖልዑን ተሳቕዮም እዮም” ክብሉ ነቲ ምስክርነት የራጕድዎ።

ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ግና፡ “እታ ፆታዊ ጥቕዓት ዝተፈፀማ መን እያ? እቲ ዝዓመፃ ኣካል’ኸ መን እዩ? እከለ ዝበሃል ወተሃደር ንእከለ እትበሃል ጓል ኣንስተይቲ ዓሚፁ ዝብል መረዳእታ ኣምፅኡ’በር፡ እዚ ሃገር ዘፍርስ ጃምላዊ ዘረባ'ዩ” ብምባል፡ ነቲ ንሱ ብዝመርሖ ሰራዊት ተፈፂሙ ዝበሃል ፆታዊ ዓመፅ ነፂግዎ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ኣካላት ፀጥታ፡ ኣብታ ከተማ ምስ ዘለዉ መሻርኽቶም ብምትሕብባር፡ ካብዚ መዓስከር ክነውፅኣኩም ኢና ብምባል፡ ልዕሊ 25 ሽሕ ብር ካብ እሱራት ይቕበሉ ከምዝነበሩ፡ ግዳያትን ስድራ ግዳያትን ይዛረቡ።

ንኣብነት ሰምሃል* እትበሃል ትግራወይቲ፡ ንኣቦ ክልተ ቆልዑን በዓል ሓዳርን ምዕባይ ሓዋ ቢንያም* ካብቲ መዓስከር ተፈቲሑ ንኣዲስ ኣበባ ንክመፅእ ገንዘብ ከምዝለኣኸትሉ ግን ከኣ ከምዘይተፈትሐ ትሕብር።

ካልእ ኣብቲ መዓስከር ንኣዋርሕ ዝተሓየረ ወዲ 26 ዓመት ሰመረ* እውን፡ እቶም ሓለውቲ ምሸት ምሸት ብዘይ ንሕስያ ይወቕዑዎምን ክሃድሙ ንዝፈተኑ ብጥይት ተኵሶም ከምዝወቕዕዎምን ዝተጐድኡ ከምዝነበሩን ይገልፅ።

ነዚ ክስታት ብዝምልከት ከኣ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ “ፈለማ ገንዘብ ተቐቢሉ፡ ካብቲ ካምፕ ሰብ ዘውፅአ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል እንተልዩ፡ መረዳእታ ይቕረብ እሞ ብሕጊ ክሕተት’ዩ” ክብል መሊሱ።

ብዛዕባ እቲ መውቃዕትን ተዅስን ብዝምልከት ከኣ፡ እቲ ኣብ ጃሬ ዝተኣከበ ብሰንኪ ኵናት ካብ ትግራይ ዝተመዛበለ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ግህሰት ዝፈፀሙ ሓላፍነት ዝጐደሎም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እንተልዮም ከኣ ኣብቲ ቦታ ኬድካ ምፅራይ ከምዘድሊ ካብኡ ዝተረፈ ግና ፖለቲካዊ ትርጉም ክወሃቦ ከምዘይግባእ ሓቢሩ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ሳልሳይ ዙር ኵናት ቅድሚ ምውልዑ፡ ካብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰ፣ ኣኽሱም፣ ዓድዋ፣ ዓድግራት፣ ራያ፣ መቐለን ካልእ ከባቢታትን ዝተመዛበሉ፡ ቖልዓ ሰበይትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ኣስታት 2,800 ተጋሩ ምስ ማእሰርቲ ክመሳሰል ኣብ ዝኽእል መዓስከር ጃሬ ከምዝፀንሕዎም ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

ኣብ ኢሰመኮ ዳይሬክተር ክፍሊ ስደተኛታትን ተመዛበልትን መሰላት ስደተኛታትን ወይዘሮ እንጉዳይ መስቀሌ፡ ሳልሳይ ዙር ውግእ ምስተወልዐ ኣብቲ ቦታ ፀገም ፀጥታ ስለዝነበረ፡ እቶም ተጋሩ ካብ ጃሬ ናብ ክልል ዓፋር ‘ኣዋሽ ሰባት’ ከምዝገዓዙ ብፌደራል ፖሊስ ከምዝተነገሮም ትሕብር።

“ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ፖሊስ ፌደራል ምስ ተራኸብና፡ እቶም ካብ ጃሬ ናብ ኣዋሽ ዝገዓዙ ተጋሩ ኩሎም ከምዘይተለቐቑን፡ እቶም ንድሕንነት ሃገር ስግኣት ዘይኾኑ እናፃረና ንለቆም ኣለና’ ኢሉና” ትብል።

እቲ ናብ ጭውያ ዘምረሐ መገዲ

ዓርቢ 05 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ (13 ግንቦት 2022) ናብቲ መዓስከር ሲቪል ዝተኸደኑ፡ ዳሕራይ ስለያ ኤርትራ ምዃኖም ዝጠርጠርዎም፡ ትግርኛ ዝዛረቡ ሰባት መፂኦም፡ ‘ንሕና ኣብዚ ካምፕ ንዘለኹም ተጋሩ ክነድሕን ኢና መፂእና። ናብ ኣዲስ ኣበባ ወሲድና ፖለቲካዊ ስልጠና ሂብና ነናብ ስድራኹም ክነፋንወኩም ኢና’ ከምዝበልዎም፡ እቶም ግዳያት ንቢቢሲ ገሊፆም።

ዳናይ* ሽዑ ኩሉ ሰብ ናብ ስድርኡን ስርሑን ክኸይድ ስለ ዝተሃንጠወ ነቲ ዝተባህልዎ ፖለቲካዊ ስልጠና ንክወስዱ ፍቓደኛ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ካብቶም ኣብቲ ካምፕ ዝነበሩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ተጋሩ ከኣ ኣስታት 100 ዝኾኑ ሰባት ብሰለስተ ኣውቶቡስ ተፃዒኖም ንኣዲስ ኣበባ ነቒሎም። ስለዝመሰዮም ኣብ ከተማ ከምሴ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰራዊት ፌደራል ሓዲሮም።

ንፅባሒቱ 06 ግንቦት 2014 (14 ጉንበት 2022) ከባቢ ሰዓት 10፡00 ኣጋ ወጋሕታ ካብ ከምሴ ተበጊሶም ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ብፅኑዕ ናብ ዝሕሎ ‘ጦር ሃይሎች’ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ናብ ‘ጦር ሃይሎች’ ምስ ኣተው ኩሉ ሰብ ክጠራጠር ከምዝጀመረ ዝገልፅ ዳናይ* ኣብቲ ዕለት ካብቲ ወተሃደራዊ እዝ ክሃድም ፈቲኑስ ኣብቲ ማዕፆ ኮማንዶ ሒዞም፡ ቀጥቂጦም ናብቶም መማፅእተይ ሓዊሶምኒ” ይብል።

07 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ (15 ግንቦት 2022 ) ሰዓት 9፡00 ናይ ለይቲ፡ ኮማንዶታት ኢትዮጵያ ካብ ድቃሶም ኣተንሲኦም፡ ናብተን ካብ ጃሬ ሒዘንኦም ዝመፅኣ ሰለስተ ኣውቶብስ ከም ዝሰቐሉዎምን፡ ሽዑ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ናብ ፖለቲካዊ ስልጠና ዘይኰነስ ናብ ዘይፈልጦ ነገር ይጭወ ከምዘሎ ከምዝተሰመዖ ይዛረብ።

ወዲ 65 ዓመት ኣይተ ገብረመድህን* “ኣነ ጥዕና የብለይን፤ ዕድመይ እውን ደፊአ እየ።ንበረኻ እንተኾይኑ ግደፉኒ ኣይከይድን። ቀደሙ’ውን ንበረኻ ክንወስደኩም ኢልኩም ኣየምፃእኹምናን ኢለ ለሚነዮም፡ ግና ኣይሰምዑንን በብዝሓዙዎ ወቒዖም ብሓይሊ ሰቒሎሙኒ” ይብሉ።

ኣብቲ ዕለት፡ ካብ ‘ጦር ሃይሎች’ ኮማንዶታት ብዝሓዛ ‘ፒክኣፕ’ መኻይን ተዓጂቦም፡ በረኻታት ኣባይ ኣቋሪፆም ከባቢ ሰዓት 3፡00 ናይ ምሸት ናብ ከተማ ባህርዳር፡ ካብኡ ሰዓት 9፡00 ናይ ለይቲ ከኣ ንኣንፈት ጎንደር ጉዕዞ ከምዝጀመሩን፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብዳንሻን ሑመራን ገይሮም ተከዘ ሰጊሮም ንኤርትራ ከምዝኣተው ይዛረቡ።

“ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኤርትራ ኣቲና”

ተከዘ ሰጊሮም ኦምሓጀር ምስ በፅሑ፡ ካብተን ኣውቶብሳት ከምዝወረዱን ኣብቶም ብኣስገዳድ ዘምፅኡዎም ኮማንደራት ኢትዮጵያን፡ ኣባል ሰራዊት ኤርትራ ኮለኔል ፍፁምን ርኽክብ ከምዝተፈፀመ ይዛረቡ።

“ኮለኔል ፍፁም ዝበሃል ኣዛዚ ንኩላትና ኣኪቡ፡ ‘ኣይትሰምብዱ! እዚ’ውን ዓድኹም ‘ዩ! ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ክመፅአኩም’የ!’ ኢሉና። እቶም ኮማንደራት ከኣ ነቲ ኤርትራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ኣረኪቦምና ተመሊሶም” ዝብሉ እቶም ግዳያት፡ ብወተሃደራዊት መኪና ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ናብ ዝርከብ ጎሊጅ ዝበሃል ቦታ ከምዝወሰዱዎም ንቢቢሲ ገሊፆም።

ንፅባሒቱ 08 ጉንበት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ (16 ጉንበት 2022) ሰዓት 3፡00 ናይ ምሸት ወተሃደራዊ ታዕሊም ናብ ዝወስድሉ ጎልጅ ከም ዝኸዱን ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ ከምዝተቐበልዎምን ይሕብሩ።

እቶም ሒዘሞም ዝመፅኡ ኮማንደራት ኢትዮጵያን ገለ ካብቶም ሲቪል ዝተኸደኑን ካብ ኦምሓጀር ከም ዝተመለሱ፡ ገሊኦም ሲቪል ዝተኸደኑ ትግርኛ ዝዛረቡ ድማ ናብቲ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ከም ዝመፅኡ ይገልፁ።

ኢታሞጆርሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣባላት ስለያ ኤርትራ ብምዃን፡ ንተጋሩ በስገዳድ ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ ኤርትራ ከምዘይወሰዱ ይገልፅ።

“ነዚ ሓበሬታ ዝሃበኪ ሓሳዊ እዩ። ከምዚ ዓይነት ነገር ኣይግበርን’ዩ፤ ክውንነታዊ እውን ኣይኰነን። ኢትዮጵያዊ ኣይኮነን ድዩ [እቲ ሰብ]? ወተሃደር ክኸውን እንተደልዩ፡ ንምንታይ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ወተሃደር ዘይኸውን፡ ናብ ኤርትራ ዘውስድ እንታይ ኣለዎ? ንተጋሩ ዝቐርቦም ሰራዊት ኢትዮጵያ’ምበር፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣይኰነን” ብምባል፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ መዓስከር ጃሬ ካብ ዝነበሩ ተጋሩ ብምስጢር ናብ ኤርትራ ከምዘይወሰዱ ተዛሪቡ።

ኣይተ ገብረመድህን እቶም ምስኦም ካብ መዓስከር ጃሬ ዝመፅኡ ተጋሩ፡ ‘ደምሒት’ ዝብል ስም ተዋሂቡዎም፤ ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ዩኒፎርም ሬንጀር ከዲኖም፡ ድብያ፣ ተኹሲ፣ እግሪ ጉዕዞን ጉያን ስልቲ ውግእን ዘካተተ ወተሃደራዊ ስልጠና ከምዝሃቡዎም፡ ንሶም ግና ሕዱር ሕማምን ሽምግልናን ስለዝነበሮም ‘ብዛዕባ ዝኾነን ዝረኣኻዮን ንማንም ከይትዛረብ ብሂወት ስድራኻ ፍራሕ’ ኢሎም፡ ኣፈራሪሖምን ኣጠንቂቖምን ከምዝሰደድዎም ይዛረቡ።

እቶም ክሃድሙ ዝፈተኑ ከኣ ቁፅሪ ሸሞንተ ብዝስመ ኣገባብ ከቢድ መቕፃዕቲ የጋጥሞም ከምዝነበረ የዘንትው።

ንኣሕዋተይ ካብ ምቕታል ነብሰ ቅትለት እመርፅ

ፈለማ ነቶም ተዓለምቲ፡ ‘ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ተቖፃፀሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተዋፊርኩም ንህዝቢ ክተረጋግኡን ፀጥታ ክተኽብሩን ኢኹም ይብልዎም’ኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ፅዑቕ ስልጠና ግና፡ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተሰሊፎም ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ክዋግኡ ከምዝነገሩዎም፡ ዳናይ* ግና ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተሰሊፈ ንኣሕዋተይ ካብ ዝቐትል ርእሰ ቅትለት ምፍፃም ይሕሸኒ ብምባል፡ ኣብ ሓምለ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ (ሓምለ 2022) ካብ ታዕሊም ሃዲሙ ነብሱ ከምዘድሓነ ይገልፅ።

“መዓልታዊ ምሸት፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ቦታ ክንሸይን ንወፅእ ነይርና። ኣብታ ክሃድም ዝወሰንኩላ መዓልቲ፡ ክሸይን ኢለ፡ ብኡ ጌረ ሃዲመ። እቲ ከባቢ ሩባን ኣግራብን ስለዝነበሮ ኣብኡ ተሓቢአ ካብቲ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ሃዲመ። ለይቲ ሙሉእ ጉዕዞይ ብዙሕ ገልታዕታዕ ነይርዎ” ይብል።

ድሕሪ ብዙሕ ንጎሊጅ ገዲፉ ንኣንፈት ሑመራ ዘውፅእ ኣንፈት ከም ዝረኸበ ዝሕብር ዳናይ* ኣብ መገዲ ካብ ሰብን መካይንን እናተሓብአ ኣብ በረኻ እናተሓብአ ንሱዳን ኣትዩ።

“እቲ ብለይቲ ዝገበርክዎ ጉዕዞ መፍርሒን መጨነቕን ነይሩ። ኣብ ዘይፈልጦ ሃገር እየ ዘለኹ፡ በይነይ እየ፡ ካብ ፈጣሪ ወፃኢ ዘድሕነኒ የለን” ዝብል ዳናይ*፡ ጉዕዝኡ ብፀልማት ብምንባሩ ብቖጣቚጥን ዕሾኽን ከምዝተሸገረን ምስ ሓርበቶ ንሓደ ሓላዊ ኣግማል ኣንፈት ከም ዝሓተቶ ይዛረብ።

“ዓቕለይ ምስ ፀበበኒ፡ ሓደ ሓላዊ ኣግማል እረክብ እሞ፡ ክሓቶ ከምዘለኒ ንርእሰይ ኣእሚነ ሓቲተዮ። ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ቅጫ ሂቡኒ። ኣብታ መዓልቲ ንሳ ሓያል ዝናብ ዘኒቡ፤ ኣብ በረኻ ላስቲኽ ዘርጊሕና ሓዊ ኣቃፂልና ብሓደ ሓዲርና።ዝወደኽዎ ጫማ ናይ ሰራዊት ኤርትራ ስለዝነበረ፡ እቲ ኩናመታይ ሓላዊ ኣግማል ነቲ ስርዓት ራሕሪሐ ካብ ሰራዊት ዝሃድም ዘለኹ ኤርትራዊ እየ መሲለዮ። ሓደ መዓልትን ፈረቓን ምስኡ እየ ኣሕሊፈ” ይብል።

እቲ ሓላዊ ኣግማል፡ ምስ ወግሐ ካብታ ዓዲ ክሃድመሉ ዝኽእል ቦታ ከም ዘርኣዮን ኣብ ጉዕዝኡ ብዙሕ ከምዝሓገዞን ይሕብር።

“ኣብ መገዲ ትኹረት ንከይሕስብ፡ ጓሶት ዝኽደንዎ ጀለብያን በትርን ሂቡኒ፡ ብድፍረት ንክጓዓዝ ድማ ሓቢሩኒ” ዝብል ዳናይ*፡ ዳግማይ ኣንፈት ምስ ሰሓተ ሓደ ራሻይዳ መገዲ ሓቢሩዎ ናብ ሱዳን ከምዝኣተወ ይዛረብ።

ንመዓልታት ምግቢ ስለዘይበልዐ ንሱዳን ምስ ኣተወ፡ ምግቢ ክወርደሉ ከምዘይከኣለን ጭቃ ስለዝነበረ፡ ጫምኡ ኣውፂኡ ነዊሕ ስለዝተጓዕዘ እግሩ ከምዝቖሰለን ከምዝሓበጠን ይሕብር።

“ካብቲ ዝነበርኩሉ ሲኦል ቦታ ምውፀአይ፡ ሕልሚ እመስለኒ” ከኣ ይብል ዳናይ* ካብቲ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ንምህዳም ዝሓለፎ ጉዕዞ እንትገልፅ።

መዘኻኸሪ፡ ቢቢሲ ንደሕንነት ግዳያትን ስድራ ግዳያትን ክብል ስሞም ቀይሩ’ዩ።