200 ግዜ ብተመን ካብ ዝተነኽሰ ሰብ ዝተሰርሐ ጸረ-መርዚ ተመን

'ብላክ ማምባ' ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ቀጣሊ ዓይነት ተመን'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 'ብላክ ማምባ' ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ቀጣሊ ዓይነት ተመን'ዩ

ካብ ደም ናይ ሓደ ንኣስታት ክልተ ዕቑድታት ኮነ ኢሉ መርዚ ተመን ክውጋእ ዝጸንሓ ኣሜሪካዊ ሰብኣይ፡ "መዳርግቲ ዘይብሉ" ጸረ መርዚ ተመን ከም ዝተፈጠረ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ተዛሪቦም።

ኣብ ደም እቲ ቲም ፍሬድ ዝተብሃለ ኣመሪካ ዝተረኽቡ ጸረ-መርዚ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት እንስሳታት ካብ ዝመጽእ ቀታሊ መጠን መርዚ ከም ዝከላኸሉ ተረጋጊጹ።

ቲም ፍሬድ ንበይኑ ን18 ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ በይነኣዊ ተልእኾ ንኹሉ ዓይነት መርዚ ዝከላኸል ጸረ-መርዚ ኣብ ምርካብ ርኡይ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል'ዩ ።

ዓመታዊ ብመንከስቲ ተመን ኣስታት 140 ሽሕ'ዮም ዝሞቱ፡ ሰለስተ ዕጽፊ ናይቶም ዝሞቱ ድማ ምቑራጽ ኣካላት ወይ ቀዋሚ ስንክልና የጋጥሞም።

ሕጂ ግን ተመራመርቲ ሳላ ቲም ፍሬድ ተስፋ ረኺብና ኣለና ይብሉ ኣለዉ።

ብድምር ፍሪድ ካብ ገለ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝርከበኡ ቐተልቲ ዝብሃል ኣትማን ልዕሊ 200 መንከስትን ልዕሊ 700 ብመርፍእ ዝተወገኦ መርዚ ኣትማን ተጻዊሩ ኣሎ።

እቲ መርዚ ናይ ከም ኣፍዑት፡ ብላክ ማምባ፡ ኮብራ፡ ታይፓንን ክራይትን ዝብሃሉ ቀተልቲ ዓይነታት ኣትማን ዝርከቦ'ዩ።

ፍሬድ ኣብ ዩትዩብ ኣትማን እናሓዘ ዘርኢ ቪድዮታት ይዝርግሕ ነይሩ፡ ኣብ መጀመርታ ተመን ኣብ ዝሕዝሉ እዋን ንነብሱ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ክሃንጽ ደልዩ'ዩ ነቲ መርዝታት ዝፍትኖ ነይሩ።

እቲ መካኒክ ናይ ዓበይቲ መካይን ዝነበረ ፍሬድ ኣብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ብተኸታታሊ ክልተ ግዜ መንከስቲ ናይ ኮብራ ምስ ኣጋጠሞ፡ ኣብ ዕውለት ኣትዩ።

እቲ መጠን መርዚ ንዝኾነ ሰብ ብቅጽበት ክቐትል ዝኽእል'ኳ እንተነበረ ንሱ ግን ኣይሞተን፡ ተበራቢሩ፤ በዚ ከኣ ንመርዚ ኣትማን ናይ ምክልኻል ዓቕሊ ኣጥርዩ ከምዘሎ ክርዳእ ክኢሉ።

ፍሬድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትተ "ክመውት ኣይደለኹን። ሓንቲ ኣጻብዕቲ ክስእን ኣይደለኹን። ስራሕ ክስእን ኣይደለኹን፡ ንሰባት ግን ክሕግዝ ይደሊ'የ" ኢሉ።

ብምስዓብ " በቃ ከምኡ ኮይነ ተፈጢረ እዚ'ዩ ናብራይ፡ ንኹሉ ክፍትኖ ይደሊ፡ ነቶም ብሰንኪ ምንካስ ተመን ዝሞቱ ካባይ 8000 ማይልስ ርሒቖም ዘለዉ ሰባት ክብል'የ ዝገብሮ" ኢሉ።

ዶክተር ጃኮብን ጉጅለኡን 'ቲም ፍሬድ ሱንተር' ዝብል ማእከል ብምኽፋት ብመንከስቲ ኣትማን ዝስዕብ ሞት ደው ንምባል ይጽዕሩ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Jacob Glanville

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ጃኮብን ጉጅለኡን 'ቲም ፍሬድ ሱንተር' ዝብል ማእከል ብምኽፋት ብመንከስቲ ኣትማን ዝስዕብ ሞት ደው ንምባል ይጽዕሩ ኣለዉ

ኣብዚ እዋን'ዚ ጸረ-መርዚ ኣብ ከም ኣፍራስ ዝኣመሰሉ እንስሳታት ንእሽቶ መጠን መርዚ ተመን ብምውጋእ'ዩ ዝፍተን።

ስርዓተ ምክልኻሎም ነቲ መርዚ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ የጥሪ'ሞ፡ እዚኦም ድማ ከም መፈወሲ ንኽጥቀሙ ይእከቡ።

መርዝን ጸረ-መርዝን ግን ብቐረባ ምክትታል ዘድልዮም'ዮም፡ ምኽንያቱ ካብ ዓይነት ተመን ናብ ዓይነት ተመን ስለዝፈለላዩ።

ኣብ ሓደ ዓይነት እንስሳታት ከይተረፈ ብዙሕ ዓይነታት መርዚ'ዩ ዘሎ፡ ኣብ ህንዲ ካብ ዝርከብ ተመን ዝስራሕ ጸረ-መርዚ ኣብ ስሪላንካ ካብ ዘሎ ተመሳሳሊ ዓይነት ተመን ኣዝዩ ይፍለ'ዩ። ወይ ውጽኢታዊ ኣይከውንን።

ሓደ ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ብሰፊሑ 'ኒውትራላይዚንግ' ዝበሃል ዓይነት መከላኸሊ ሕማም ምክልኻል ክደልዩ ጀመሩ። ኣብ ክንዲ ነቲ ፍሉይ ዝገብሮ ክፋል መርዚ ዘተኩሩ ግን፡ ነቲ ኣብ ኩሉ መርዚ ኣትማን ዝርከብ ክፋል'ዮም ኣቶኲሮም ክሰርሑ ጀሚሮም።

ኣብ ከምዚ ድማ'ዮም ቲም ፍሬድን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ባዮቴክ ኩባንያ ሴንቲቫክስ ዶክተር ጃኮብ ግላንቪልን ዝተራኸቡ።

እቶም ተመራመርቲ ቀንዲ ዕላማኦም ንኹሉ ዓይነት መንከስቲ ኣትማን ዝከላኸል ጸረ መርዚ ንምስራሕ'ዩ
መግለጺ ስእሊ, እቶም ተመራመርቲ ቀንዲ ዕላማኦም ንኹሉ ዓይነት መንከስቲ ኣትማን ዝከላኸል ጸረ መርዚ ንምስራሕ'ዩ

ዶክተር ጃኮብ ኣብ ልዕሊ ቲም ፍሬድ መርመራ ናይ ደም ምስ ገበረ "ብኡ ንብኡ፡ ኣብ ዓለም ጸረ መርዚ ኣትማን ኣብ ኣካላቱ ዘማዕበለ ሰብ እንተሃልዩ ቲም ፍሬድ ጥራይ'ዩ ክኸውን ዝኽእል" ኢለ ይብል።

መጽናዕቲ ቀጺሎም፡ እቲ መጽናዕቲ ዝያዳ መርዚ ካብ ምሃብ፡ ደም ጥራይ ስለ ዝወስድ፡ እቲ ስራሕ ስነ-ምግባራዊ ፍቓድ ተዋሂብዎ።

ብዶክተር ጃኮብ ዝምርሑ ጉጅለ ከኣ ኣብ ልዕሊ ደም ናይ ቲም ፍሬድ ዝተፈላለየ ዓይነታት መርመራ ከካይዱ ጀሚሮም።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብዛ ዓለም ካብ ዘለዉ ቀተልቲ ኣትማን ምዃኖም ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተለለዩ 19 ኣትማን መሪጾም። ምስቲ ንቅምሶ ዝወሰድዎ ደም ቲም ፍሬድ እናሓዋወሱ ንምርምሮም ኣዕሙቖሞ።

ቲም ፍሬድ ከኣ ካብቶም 19 ዓይነታት መርዛማት ኣትማን ናይቶም 13 ቀተልቲ ኣትማን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎን ኣብቶም ሽዱሽተ ከኣ መጠናዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘማዕበለ ብመጽናዕቶም ኣረጋጊጾሞ።

እቶም ተመራመርቲ በቲ ዝረኸብዎ ውጽኢት ብምግራም "ኣብ ዝቕጽሉ 10 ወይ 15 ዓመታት ኣንጻር ነፍሲ ወከፍ መርዚ ተመን ውጽኢታዊ ዝኾነ ጸረ መርዚ ክህልወና'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ይብል ሓደ ካብቶም ተመራመርቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ፕሮፌሰር ፒተር ክዎንግ።

ቲም ፍሬድ እቲ ውጽኢት ምስ ተነገሮ "ጽቡቕ ስምዒት ይፈጥረለይ፡ ንሰብኣውነት ጽቡቕ ነገር ይገብር ኣለኹ፡ እዚ ድማ ንዓይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነይሩ። ብእኡ ከኣ እሕበን። ኣዝዩ ጽቡቕ ነገር'ዩ" ኢሉ።