ግብጺ፡ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘፍለጠቶ መጠንቀቕታ

ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣዝዩ ኣካታዓይ ዝዀነ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ መስከረም ከተመርቖ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ግብጺ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዘራረቢ መልእኽቲ ሰዲዳ ኣላ።

እቲ ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ዝተዘርግሓ መልእኽቲ ግብጺ፡ "ኣብ ምብራቓዊ ተፋሰስ ናይል ዓለማዊ ሕጊ ዝጥሕስ፡" ዝበለቶ ተግባራት ከም ዘይትቕበል ዝገልጽ እዩ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ባድር ዓብደላቲ፡ ነዚ ዝገለጸ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኣባል ተፋሰስ ናይል ዝዀና፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳን ኬንያን፣ ካብቲ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ወጻኢ ምስ ዝዀና ሃገራት ጅቡቲን ሶማልያን ኣብ ዝገበሮ ናይ ተለፎን ዝርርብ እዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኣስታት 15 ዓመታት ዝወሰደን ንህንጸቱ ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝሓተተን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መስከረም ከም ዝምረቕ ድሕሪ ምግላጻ እዩ።

ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ምስተን ታሕተዎት ሃገራት ኣባል ተፋሰስ እቲ ሩባ፡ ኣብ ኣገባብ ምምላእ ማይ እቲ ግድብን ካብቲ ግድብ ዝወጽእ መጠን ማይን ብዝምልከት ሕጋዊ ስሉሳዊ ስምምዕ እንተ ዘይተፈሪሙ፡ ከይዲ ማይ ምምላእ ጠጠው ከተብል፡ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚራ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ።

እዚ መርገጺ እዚ ድማ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከይዲ ህንጸቱ ከም ዝተዛዘመን ከተመርቖ ኣብ ምድላው ምዃናን ምስ ኣፍለጠት በርቲዑን እናተረረን ይመጽእ ኣሎ።

እቲ ብማዕከናት ዜና ግብጺ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ናይቲ ሚኒስተር፡ "ዓለማዊ ሕጊ ዝጥሕስ ዝዀነ ይዅን ብሓደ ወገን ኣብ ሩባ ኣባይ ዝውሰድ ስጕምቲ ከም ዝነጸገ፡" ዝገልጽ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ነቲ ተደጋጋሚ መግለጺታት ሰበስልጣን ግብጺ ብምድጋም፡ ድሕነት ማይ ንግብጻውያን ናይ ህላወ ጉዳይ ምዃኑ፤ ናይ ሓባር ሃብቲ ማይ ዝምልከት ዓለማዊ ሕግታት ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምስ ዝተፈላለዩ ምኒስተራት ኣፍሪቃ ዘካየዶ ዘተ፡ መርገጺ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ፤ ንሱ ድማ መትከል ምሕደራ ስግረ-ዶባዊ ማያትን ተፋሰስ ሩባታትን ሃገራት ኣብ ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ዓለማዊ መትከላት ዝተመስረተ ሓባራዊ ተጠቃምነት ንምርግጋጽ ምስተን ሃገራት ኣብ ዝገብርዎ ዘተ ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ማዕከናት ዜና ግብጺ'ውን ኣብ ሃገራት ተፋሰስ ደቡባዊ ኣባይ ንዝካየዱ ፕሮጀክትታት ልምዓት ብኤጀንሲ ምሕዝነት ልምዓት ግብጺ (EAPD) ዝህቦ መደብን ሓገዝን ዘተ ከም ዝተኻየደ ሓቢረን።

ግብጺ ንኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክትቃወማ እንከላ፡ ኣብ ትሕቲ መትከል ታሪኻዊ ረብሓ ንማያት እቲ ሩባ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ ዘለዋ ድሌት ብምጥቃስ፡ ኣብ 1959 ዝተኸተመ መግዛእታዊ ስምምዕ ብምጥቃስ፡ ካብ ማያት እቲ ሩባ ዝበዝሐ ብጽሒት ዝህባ እዩ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ እንታይ ኢሉ ነይሩ?

ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ነቲ ሰበስልጣን ግብጺ ብቐጻሊ ዝብልዎ፡ 'ድሕንነት ማይ ንግብጻውያን ናይ ህልውና ጉዳይ ምዃኑ' ብምጥቃስ እዩ፡ ንሓባራዊ ሃብቲ ማይ ዝምልከት ዓለማዊ ሕግታት ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ሃገሩ ኣብ ሩባ ናይል (ኣባይ) ዘለዋ ብጽሒት ማይ ክንኪ ከም ዘይትፈቅድ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣልሲሲ ከምኡ ዝበለ፡ ብሰሉስ 12 ነሓሰ 2025፡ ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ኣልኢትሓድያ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ እዩ።

ኡጓንዳ ሓንቲ ካብ ኣባላት ሃገራት ተፋሰስ ናይል እያ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ብቤትጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ን105 ሚልዮን ዜጋታትናን ኣብ ሃገርና ዝርከቡ 10 ሚልዮን ወጻእተኛታትን ብህይወት ዘጽንሕ ማይ ክንኪ ፈጺምና ከም ዘይንፈቅድ ንግብጻውያን ዳግማይ ከረጋግጸሎም እደሊ፡" ኢሉ።

ንህንጸት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ከምኡ'ውን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ሓሙሻይ ግዜ ምምላእ ማይ ብትሪ ዝዀነነ ኣልሲሲ፡ ኣብቲ ሓበራዊ መግለጺኡ፡ ሃገሩ ኣብ ጉዳይ ናይል ዝውሰድ በይናዊ ስጕምቲ ከም ዘይትቕበል ኣረጋጊጹ።

"ግብጺ ኣብ ልዕሊ ውሕስነት ማያ ንዘጋጥማ ናይ ህላወ ሓደጋ ሸለል ኢላ ክትሓልፎ እያ ኢሉ ዝሓስብ እንተ'ልዩ ተጋግዩ። ነቲ ኵነታት ብቐረባ ክንከታተሎ ኢና፤ ብመሰረት ዓለማዊ ሕጊ ህላወኣዊ ጸጋታት ህዝብና ንምሕላው ዝዀነ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና፡" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ሙሴቨኒኸ እንታይ ኢሉ?

ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ዘዘራርብ ኣጠቓቕማ ማይ ሩባ ኣባይ ዝምልከት፡ ብዙሕ ዘካትዑ ጉዳያት ዝለዓሉ ኰይኖም፡ ዞባዊ ሓባራዊ ዘተ ኰነ ሕግታት ንምፍጣር ዝተገብረ ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰመረን።

ኣብ መንጐኡ ድማ እዚ ኣስታት 15 ዓመታት ዘቝጸረ ፕሮጀክት ህዳሰ ግድብ ተወሲኹዎ ኣካታዓይነቱ ቀጺሉ ኣሎ።

ፕረዚደንት ናይታ ምንጪ ጻዕዳ ናይልን ን15% ትሕዝቶ ማዩ እተበርክትን ኡጓንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ፡ ምስ ግብጻዊ መዘናኡ ብዛዕባ መጻኢ ሩባ ናይል ዝገበሮ ዘተ ብምጥቃስ፡ ርእይቶኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣስፊሩ።

"ኵነታት ኣባይ ብዝሰፍሐ ኣጠማምታ ክንርእዮ ኣለና። ሓድሓደ ግዜ ካብ ናይ ገዛእርእስና ኣቀራርባ ዝነቐሉ ጸገማት ይፍጠሩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ታሪኻዊ መሰላት ነተኵር፡ ኣህጉራዊ ረብሓ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ኣብ ግምት ከነእቱ ይግባእ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ጽሑፉ ዝጠቐሶ፡ "ኣተኵሮ ኣብ ታሪኻዊ መሰላት፡" ዝርዝሩ ኣይገለጸን።

እንተዀነ ኢትዮጵያ፡ እቲ ብ1959 ዝተፈረመ መግዛእታዊ ስምምዕ ጕዝጓዝ ብምግባር ንማያት እቲ ሩባ ምሉእ ብምሉእ ብዝለዓለ ንበይና ናይ ምጥቃም ድላይ ከም ዘለዋ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ስምምዕ ኣብ ርእሲ ዘይምእታዋ፡ ግብጺ 55.5 ቢልዮን ክዩቢክ ማይ ከምኡ'ውን ሱዳን 18.5 ቢልዮን ኪዩቢክ ማይ እናረኸባ፡ እታ ን86% ትሕዝቶ ማይ ሩባ ናይል እተበርክት ኢትዮጵያ ኣግሊሉ ብዘይ ማይ ዘትርፍን ዘይፍትሓውን ምዃኑ ክግለጽ ይስማዕ።

ካብቲ ዓመታዊ ካብ ዝውሕዝ 84 ቢልዮን ሜትር ኪዩቢክ ማይ እቲ 12% ብሰንኪ ምህፋፍ ዝጠፍእ ኰይኑ፡ ነታ ኣብቲ ግዜ'ዚ ንግብጺ ትገዝእ ዝነበረት ዓባይ ብሪጣንያ ንእተፈርዮ ዝነበረት ጡጥ ከም ዝተጠቕመትሉ ይፍለጥ።

ትራምፕኸ

ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ዝካየዱ ዝነበሩ ስሉሳዊ ድርድራት'ዉን መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ፍረ ክብተኑ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

ንግብጺ ወጊኑ ርእይቶ ብምሃብ ዝፍለጥ ትራምፕ፡ ካብተን ብሰለማእ ከብቅዕ ዝገበረን ኲናታት ሓደ ከምዝዀነ እዩ ዝጠቅስ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት "ብሰንኪ እቲ ዓብዪ ግድብ ኣብ ጐንጺ፡" ከም ዝነበራ ብምግላጽ እቲ ግድብ "ኣብቲ ዘገርም ፈለግ ናይል ጽልዋ ኣለዎ፡" ክብል ጽሒፉ።

ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት፡ "ሰላም ኣሎ፤ ብናተይ ሸምጋልነት ብውሑድ [ሰላም ኣሎ]። ከምኡ ኢሉ ክቕጽል'ዩ፡" ብምባል ድሕሪ ናይ 12 ዓመታት ዘይምቅዳው ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ገሊጹ።

ትራምፕ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምስ ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኣመሪካ [ንግድብ ሕዳሰ] "ብገንዘብ ደጊፋ'ያ፡" ብምባል "ናብ ናይል ዝኸይድ ማይ ዝዓጹ'ዩ፡" ክብል ኣካታዒ ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ።

"ኣነ ግብጺ እንተዝኸውን፡ እቲ ኣብ ፈለግ ኣባይ ዘሎ ማይ ክህልወኒ ምደለኹ። ኣብኡ ይሰርሓሉ'የ ዘለዅ፤ እቲ ጸገም ፍታሕ ክረክብ'ዩ፡" ኢሉ።

ግብጺ ንቃላት ትራምፕ ብሓጐስ ክትቅበሎ ከላ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ግን ወጥሪ ከጋድድ ዝኽእል ሓደጋ ከም ዘለዎም ገሊጾም።

ከምኡ ድማ እቶም ሰብስልጣን፡ ነቲ 'ብገንዘብ ኣመሪካ እዩ ተሃኒፁ' ዝብል ርእይቶ ትራምፕ፡ ብቕሉዕ ነፂጐም።