ግብጺ፡ ኣብ ጉዳይ'ቲ ኢትዮጵያ ከተመርቖ ትዳለወሉ ዘላ ግድብ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ሃገሩ ኣብ ሩባ ናይል (ኣባይ) ዘለዋ ብጽሒት ማይ ክንኪ ከም ዘይትፈቅድ ኣጠንቂቑ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ነዚ ዝገለጸ፡ ሰሉስ 12 ነሓሰ 2025 ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ኣልኢትሓድያ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ እዩ። ኡጓንዳ ሓንቲ ካብ ኣባላት ሃገራት ተፋሰስ ናይል እያ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ብቤትጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ን105 ሚልዮን ዜጋታትናን ኣብ ሃገርና ዝርከቡ 10 ሚልዮን ወጻእተኛታትን ብህይወት ዘጽንሕ ማይ ክንኪ ፈጺምና ከም ዘይንፈቅድ ንግብጻውያን ዳግማይ ከረጋግጸሎም እደሊ፡" ኢሉ።

ንህንጸት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ከምኡ'ውን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ሓሙሻይ ግዜ ምምላእ ማይ ብትሪ ዝዀነነ ኣልሲሲ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ሃገሩ ኣብ ጉዳይ ናይል ዝውሰድ በይናዊ ስጕምቲ ከም ዘይትቕበል ኣረጋጊጹ።

"ግብጺ ኣብ ልዕሊ ውሕስነት ማያ ንዘጋጥማ ናይ ህላወ ሓደጋ ሸለል ኢላ ክትሓልፎ እያ ኢሉ ዝሓስብ እንተ'ልዩ ተጋግዩ። ነቲ ኵነታት ክንከታተሎ ኢና፤ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ህላወኣዊ ጸጋታት ህዝብና ንምሕላው ዝዀነ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣልሲሲ ነዚ ዝገለጸ፡ ኢትዮጵያ፡ 14 ዓመታት ዝወሰደን ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ዝወድአን ሓምሻይ ምዕራፍ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ተዛዚሙ ክምረቕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጻ'ዩ።

ፕረዚደንት ናይታ ምንጪ ጻዕዳ ናይልን ን15% ትሕዝቶ ማዩ እተበርክትን ኡጓንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ፡ ምስ ግብጻዊ መዘናኡ ብዛዕባ መጻኢ ሩባ ናይል ዝገበሮ ዘተ ብምጥቃስ፡ ርእይቶኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣስፊሩ።

"ኵነታት ኣባይ ብዝሰፍሐ ኣጠማምታ ክንርእዮ ኣለና። ሓድሓደ ግዜ ካብ ናይ ገዛእርእስና ኣቀራርባ ዝነቐሉ ጸገማት ይፍጠሩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ታሪኻዊ መሰላት ነተኵር፡ ኣህጉራዊ ረብሓ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ኣብ ግምት ከነእቱ ይግባእ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ጽሑፉ ዝጠቐሶ፡ "ኣተኵሮ ኣብ ታሪኻዊ መሰላት፡" ዝርዝሩ ኣይገለጸን።

እንተዀነ ኢትዮጵያ፡ እቲ ብ1959 ዝተፈረመ መግዛእታዊ ስምምዕ ጕዝጓዝ ብምግባር ንማያት እቲ ሩባ ምሉእ ብምሉእ ብዝለዓለ ንበይና ናይ ምጥቃም ድላይ ከም ዘለዋ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ስምምዕ ኣብ ርእሲ ዘይምእታዋ፡ ግብጺ 55.5 ቢልዮን ክዩቢክ ማይ ከምኡ'ውን ሱዳን 18.5 ቢልዮን ኪዩቢክ ማይ እናረኸባ፡ እታ ን86% ትሕዝቶ ማይ ሩባ ናይል እተበርክት ኢትዮጵያ ኣግሊሉ ብዘይ ማይ ዘትርፍን ዘይፍትሓውን ምዃኑ ክግለጽ ይስማዕ።

ካብቲ ዓመታዊ ካብ ዝውሕዝ 84 ቢልዮን ሜትር ኪዩቢክ ማይ እቲ 12% ብሰንኪ ምህፋፍ ዝጠፍእ ኰይኑ፡ ነታ ኣብቲ ግዜ'ዚ ንግብጺ ትገዝእ ዝነበረት ዓባይ ብሪጣንያ ንእተፈርዮ ዝነበረት ጡጥ ከም ዝተጠቕመትሉ ይፍለጥ።

ሙሰቨኒ፡ "ዕላማና ንዅሉ ዘበልጽግ፡ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝህብን ንመስኖን ዝስተ ማይን ዘጠቅምን ክኸውን ኣለዎ፡" ኢሉ። "እዚ ኵሉ ዕላማታት ብስነፍልጠታውን ፍትሓውን ኣገባብ ብምጥቃም ክዕወት ይኽእል እዩ፡" ክብል ኣስሚሩሉ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኣብ መስከረም ከም ዝምረቕ ገሊጹ።

ኣብ ምምላእ እቲ ግድብን ካብ ግድብ ዝወጽእ መጠን ማይን ብዝምልከት ምስ ሃገራት ተፋሰስ ናይቲ ሩባ ብሕጊ ቀያዲ ዝዀነ ስሉሳዊ ስምምዕ እንተ ዘይተፈሪሙ፡ ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ ክትቅጽል ከም ዘይብላ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትገልጽ ዝጸንሐት ግብጺ፡ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቓ።

ምኒስተር ሃብቲ ማይ ግብጺ ሃኒ ስዋይላም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሩባ ናይል፡ "ዝውሰድ በይናዊ ስጕምቲ፡" ከም እትቃወም ገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኤልሲሲ፡ ሙሰቨኒ "ኣብ ኡጋንዳ፡ ግብጺ ማለት ስፍራ ኣትክልቲ ማለት'ዩ፡" ኢሉ ከም ዝነገሮ ኣዘኻኺሩ።

"እዚ ስፍራ ኣትክልቲ ብዘይካ ሩባ ናይል ካልእ ምንጪ ማይ የብሉን። ዝናብ የብልናን። ግብጺ ክትገድፎ እያ ኢልካ ምሕሳብ ህይወትና ምሕዳግ'ዩ፣ እዚ ድማ ፈጺሙ ኣይክኸውንን'ዩ፡" ብምባል ንነዊሕ እዋን ናይል መሰረት ህላወ ግብጺ'ዩ ዝብል መርገጺኡ ኣቃሊሑ።

"እቶም ዝናብ ዘለዎም ሰባት፡ ቃንዛ ናይቶም ዘይዘንቦም ከቶ ኣይስምዖምን እዩ፡" ኢሉ።

"ግብጻውያን ብዛዕባ ጉዳይ ማይ ኣዝዮም ይሻቐሉ ኣለዉ፡" ዝበለ ኤልሲሲ፡ "ምስ ከም ብዓል ሙሰቨኒ ዝኣመሰሉ ለባማት መራሕቲ ብምትሕብባር፡ ንህይወት ግብጻውያን ዘይጐድእ ፍታሕ ንምንዳይ ክሰርሕ ሓላፍነት ኣለኒ፡" ኢሉ።

ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዛዕባ እቲ ግድብ ዝካየድ ዘሎ ስሉሳዊ ዝርርብ ደው ኢሉ ብምህላዉ፡ ነፍሲወከፍ ወገን ነቲ ዝርርብ ንምፍሻል ነቲ ካልእ ይወቅስ።

ማይ ካልኦት ዕላማታት ንምዕዋት መሳርሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልከተ ኣልሲሲ፡ "ነዚ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና፡" ክብል ኣስሚርሉ።

ወሲኹ፡ "ኵሉ ግዜ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሰባት ምትእትታው፡ ውዲትን ዕንወትን ንቃወም ኢና። ሃገራት ኣፍሪቃ ንዓመታት እኹል ኲናትን ግጭታትን ኣጋጢምወን'ዩ፣ ስለዚ ኣብ ጐድኒ ህንጸት፡ ምትሕብባርን ልምዓትን ደው ንብል፡" ኢሉ።

ኢትዮጵያ ብጽሒት ሩባ ናይል ብዘረጋግጽ መንገዲ ኣብ ፍትሓውን ርትዓውን ኣጠቓቕማ ስምምዕ ክግበርን እቲ ህንጸት ንውሕስነት ማይ ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምዃኑን ክትጠልብ ጸኒሓ እያ።