ኣመሪካ፡ ትራምፕ ስለምንታይ'ዩ ንኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘፈራርሕ ዘሎ?

ምፍርራሕ ትራምፕ ናይ መደራደሪ መይላ ከምዝኾነ ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣባል ናይቲ ትሽዓተ ሃገራት ዝሓቖፈ ውዳበ ብሪክስ፡ 100 ምኢታዊት ቀረጽ ክገብር ምዃኑ ኣፈራሪሑ።

ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ሃገራት ብሪክስ ካብ ዶላር ክርሕቓ ይፍትና ኣለዋ እንዳበልና ደው ኢልና እንከታተለሉ ግዜ ኣብቂዑ’ዩ” ክብል ጽሒፉ።

ዓበይቲ ሓይልታት ዓለም ቻይናን ሩስያን ዝርከባኦ ብሪክስ፡ ብራዚል፣ ሃገራት ህንዲ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኢራን፣ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን’ውን ኣባላት እቲ ኪዳን እየን።

ኣብቲ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ብዓብላሊ ድምጺ ዝተዓወተ ትራምፕ፡ ልዑል ቀረጽ ተግባራዊ ክገብር ከምዝዀነ ጎስጓስ ኣካይዱ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብርቱዕ ቀረጽ ክኽፈል ዝብል ስግኣት ኣጋዲዱ ኣሎ።

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 20 ጥሪ ስልጣኑ ዝርከብ ትራምፕ፡ እቲ ዳሕረዋይ መልእኽቱ ንኣባል ሃገራት ብሪክስ ዒላማ ዝገበረ’ዩ።

መራሕቲ ፖለቲከኛታት ብራዚልን ሩስያን ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ዓብላልነት ዶላር ኣመሪካ ንምንካይ ባጤራ ብሪክስ ክፍጠር ሓሳብ ኣቕሪቦም። እንተኾነ ኣብ ውሽጦም ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ነቲ ሓሳብ ኣዝሒልዎ’ዩ።

ዶናልድ ትራም “እዘን ሃገራት ዶላር ኣመሪካ ንምትካእ ሓድሽ ባጤራ ብሪክስ ከምዘይፈጥራ ኢሉ’ዉን ካልእ ባጤራ ከምዘይድግፋ መረጋገጺ ንደሊ ኢና። እንተዘይኮይኑ ግን 100 ምኢታዊት ቀረጽ ከምዘጋጥመንን ናብቲ ብርቱዕ ቁጠባ ኣመሪካ ዝሸጥኦ ፍርያት ከምዘይህልወንን ክፈልጣ ኣለወን” ክብል ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሒፉ’ሎ።

ገለ መሻርኽቲ ትራምፕ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ መግለጺታት ናይ ድርድር ሜላታት ምዃኑን፡ ካብ መብጽዓ ንላዕሊ መኽፈቲ ጨረታ ምዃኑን ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ትራምፕ ክጥቀመሉ ዝሓሰቦ ኣጠቓቕማ ቀረፅ ኣመልኪቱ ዝተሓተተ ሪፓብሊካዊ ሰነተር ቴድ ክሩዝ፡ "ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮን ካናዳን ዘሎ ስግኣት ቀረጽ ሽዑ ንሽዑ ፍረ ኣፍርዩ" ክብል ኣብ መደብ ሲቢኤስ ኒውስ ፌስ ዘ ኔሽን ገሊጹ።

ብዓርቢ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ናብ ኣመሪካ ግዝኣት ፍሎሪዳ ብምምጻእ ምስ ትራምፕ ተራኺቡ።

ትራምፕ ንጉዳያት ፋይናንስ እታ ሃገር ክመርሕ ዝመዘዞ ስኮት ቤሰንት፡ ትራምፕ ዓቢ ወሰኽ ታሪፍ ክገብር ምዃኑ ዘፈራርሕ ዘሎ ኣካል ናይቲ ናይ ድርድር ስትራተጂኡ ምዃኑ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ቤሰንት ቅድሚ ነቲ ሕጂ ተሓርይዎ ዘሎ ስልጣን ቅድሚ ምሕጻዩ ብዛዕባ ትራምፕ ኣመልኪቱ ምስ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ “ሓፈሻዊ ኣረኣእያይ ከይዱ ከይዱ ትራምፕ ነጻ ነጋዳይ እዩ” ኢሉ።

ቀረፅ ከመይ ይሰርሕ?

ቀረፅ ወይ ድማ ታሪፍ ማለት ኣቑሑት ናብ ሃገር ምስ ኣተዉ ዝኽፈል ውሽጣዊ ግብሪ ኮይኑ፡ ምስ ዋጋ እቲ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ተመጣጣኒ እዩ።

ስለዚ 50 ሽሕ ዶላር ዋጋ ዘለዋ ናብ ኣሜሪካ እትኣቱ መኪና፡ 25 ምኢታዊት ቀረፅ ዝኽፈላ እንተኰይኑ፡ 12,500 ዶላር ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።

ታሪፍ ዓንዲ ሑቐ ቁጠባዊ ራእይ ትራምፕ ኮይኑ ቁጠባ ኣሜሪካ ንምዕባይ፡ ሸቕሊ ንምውሳኽን እቶት ግብሪ ንምዕባይን ዝሕግዝ መንገዲ ገይሩ እዩ ዝሪኦ።

ኣቐዲሙ’ውን እዚ ግብሪ’ዚ “ናትካ ወጻኢታት ዘይኮነስ ናይ ካልእ ሃገር ወጻኢታት’ዩ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

እዚ በቶም ኪኢላታት ስነ-ቑጠባ ከም መደናገሪ’ዩ ዝቑጸር።

እቲ ክፍሊት ብኣካል ዝኽፈል እቲ ንብረት ካብ ወጻኢ ዘእቱ ናይ ውሽጢ ሃገር ኩባንያ እምበር እቲ ናብ ወጻኢ ዘሰድድ ናይ ወጻኢ ኩባንያ ኣይኮነን።

ስለዚ ናይ ውሽጢ ሃገር ትካላት ኣመሪካ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዝኸፍልዎ ቀጥታዊ ግብሪ እዩ።

ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ብርክት ዝበሉ ቀረጻት ዘንበረ ኮይኑ ብዙሓት ካብኣቶም ብተካኢኡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ቦታኦም ጸኒሖም ኣለዉ።

ቁጠባዊ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ መብዛሕትኡ ቁጠባዊ ጾር እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ኣመሪካ ዝዓልብ’ዩ።