'ኣማእቲ ኣባላት ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም' - እስራኤል

እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣማእቲ ኣባላት ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወትን ንመርመራ ናብ ግዝኣታ ከምዝወሰደቶምን ገሊጻ።

ገለ ካብቶም ጥርጡራት ምስ ሰላማውያን ሰባት ተሓቢኦም ዝተረኸቡን ብሰላም ኢዶም ዝሃቡን ምዃኖም እቲ መግለጺ ይሕብር።

እስራኤል፡ ሓማስ ንምውጋድ ኣብ ቃዛ ሕነ-ምፍዳይ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ኣስታት 700 ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ከምዝኣሰረት ትገልጽ።

ኣብ ቃዛ ብውሕዱ 20 ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለት ጸብጻባት ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም።

ሓማስ ከምዝብሎ ድማ መብዛሕትኦም ብእስራኤል ዝቕተሉ ዘለዉ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።

ቢቢሲ ነዚ ኣሃዛት ብውልቁ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

እስራኤል ኣብ ተካይዶም ስርሒታት ሲቪላት ከይጉድኡ ትጥንቀቕ ምዃና’ኳ እንተገለጸት፡ ሓማስ ኣብ ጽዑቕ ህዝቢ ዝርከቦም ከባቢታት’ዩ ዝሕባእ ዘሎ ክትብል ግን ትወቅስ።

ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 20 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከምዝሞቱን 53 ሽሕ ድማ ከምዝቖሰሉን ይሕብር።

እቲ ሚኒስትሪ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መግለጺ ድማ፡ ተወሳኺ 201 ሰባት ከምዝተቐትሉን ቅድሚኡ እውን 368 ሰባት ከምዝተቐተሉን የመልክት።

ሕቡራት ሃገራት፡ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛኡ ዝዀነ ወዲ 56 ዓመት ኢሳም ኣልሙግራቢ ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ከምኡ’ውን 70 ኣዝማዱን ብደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተቐትለ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እስራኤል እውን ተወሳኺ ሓሙሽተ ወተሃደራታ ከምዝተቐትሉ ትገልጽ።

እዚ ድማ ድሕሪ ምጅማር ስርሒት ኣጋር ሰራዊት ዝሞቱ ወተሃደራት እስራኤል 144 በጺሑ ኣሎ ማለት’ዩ።

ብቀዳም እስራኤል ሓሳሕ ኣስትራሽ ዝተበሃለ ናብ ቃዛ ኣጽዋር ከምዘእቱ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝተቐትለ እኳ እንተገለጸት፡ ሓማስ ግን ብዛዕባ’ዚ ዝዀነ መረጋገጺ ኣይሃበን።

ኣብ ካልእ ዜና፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብተሌፎን ተዘራሪቦም ኣለዉ።

ባይደን ብዛዕባ "ህይወት ሲቪላት ምሕላው፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡን ሲቪላት ካብ ዞባታት ኲናትን ክወጹ ምግባር" ብዝምልከት ከምዝተዛተዩ መግለጺ ዋይት ሃውስ ይሕብር።

ቤንያሚን ኔታንያሁ ብወገኑ፡ እስራኤል ዕላምኣ ክሳብ እትፍጽም ነቲ ኲናት ክትቅጽሎ ምዃና ብንጹር ከምዘስመረ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ሰሜናዊ ቃዛ ምሉእ ስርሒት የካይድ ከምዘሎን ናብ ደቡባዊ ቃዛ ኣንፈት ይቕጽል ከምዘሎን እውን ኣፍሊጡ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቃዛ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ይቕጽልን ሰላማውያን ሰባት ድማ ካብቲ ቦታ ክወጹ የጠንቅቕን ኣሎ።

እስራኤል ሰላማውያን ሰባት ክወጹ ኣብ ዝኣዘዘትሉ ከባቢ ኣስታት 150 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከምዝነብሩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።