ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝነበረ እገዳታት ምልዓል ተቓውሞ ኣስዒቡ

ጆን ኪርቢ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ጆን ኪርቢ

ኣሜሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሻት ተራእዩ ብዝብል ምኽንያት ኣንቢራቶ ካብ ዝነበረት ገለ እገዳታት ምልዓላ ተቓውሞታት ኣስዒቡ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ንምቍራጽ ስምምዕ ሰላም ምስተበጽሐ፡ እታ ሃገር ኣብ ምሕደራ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ስለዘርኣየት፡ ገለ ካብቲ ብኣሜሪካ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳታት ክለዓል ከም ዝተወሰነ ኣረጋጊጹ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳን ገደብን ከምዝገበረት ዝዝከር እዩ።

ኣሜሪካ፡ ኵሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸሙ ገሊጻ እያ።

እንተዀነ፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ንምቍራጽ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተመሓይሹ ኣሎ ኢላ ከም እትኣምን ገሊጻ።

እዚ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዝጸንሐት ፖሊስ ምቕያራ፡ ንዓለምለኻዊ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘሐጐሰ ኣይኮነን።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣይፍጸምን ኣሎ ኢሉ ምሕሳቡ ኣዝዩ ከምዘሻቕሎም ገሊጾም።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ምጽራይ ዓሌት ይፍጸም ከምዘሎ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጻ።

ለውጢ ኣብ መርገጽ ኣሜሪካ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ፡ "ንግዚኡ ሓገዝ መግቢ ደው ኣቢልና፡ ካብ ገለ እቲ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳታት ነልዕል ኣለና" ኢሉ።

ምልዓል እገዳታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ሓጋዚ ምዃኑ እውን ገሊጾም።

ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ሰሜን ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢራቶ ዘላ እገዳታት ኣየናይ ምስ ሃብትን ድሕነትን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

ይዅን'ምበር ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ገለ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ፡ ምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ክስታት ምልዓሎም ክገልጻ ቀንየን እየን።

መጽሔት ፎረይን ፖሊሲ፡ ምንጭታት ብምጥቃስ ከም ዝሓበረቶ፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ "ተኸታታሊ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ኣይፍጽምን'ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ንኮንግረስ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተባሪዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተዘርግሐን ገዚፍ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ዘስዓበ ኲናት ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ብኸቢድ ተሃስዩ እዩ።

ብተወሳኺ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ደገፍ ቆሪጻቶ ኣላ።

ካብዚኦም እቲ ብድንጋገ ዕብየትን ዕድልን ኣፍሪቃ (AGOA) ዝፍለጥ ንግዳዊ መደብ እዩ።

በዚ መደብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ካብ ቀረጽ ነጻ ዝኾነ ፍርያት ዓለባን ክዳውንትን ናብ ኣመሪካ ብምልኣኽ ብዙሕ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣታዊ ረኺባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብዙሓት ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢራ።

ይኹን እምበር ኣሜሪካ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ብዝተፈጠረ ኲናት ንኢትዮጵያ ካብ 2022 ጀሚሩ ካብ ተጠቃምነት ኣጎዋ ኣግሊላታ እያ።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ፡ ገለ እገዳታት ምልዓል ኢትዮጵያ ናብ ኣጎዋ ንኽትምለስ ውሕስነት ከምዘይኰነ እዩ ዝግለጽ።

ጆን ኪርቢ፡ ወከልቲ ንግዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ትካላት ንግዲ ብምዃን ኣጠቓቕማ ኣጎዋ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝህብዎ ገምግማ ኣብ መስርሕ ዝርአ ምዃኑ ገሊጹ።

ውሳነ ኣሜሪካ ኣንጻር ክውንነት እዩ

ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣይፍጸምን እዩ ኢላ ዘቕረበቶ መግለጺ ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣቘጢዑ ኣሎ።

ኣብ ዋሽንግተን ዳይረክተር ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ሳራ ያገር፡ እቲ ውሳነ ኣሜሪካ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዕሽሽ ምባል፡ እቲ ውሳነ ገበነኛታት ግህሰት መሰላት ካብ ተሓታትነት ክሃድሙ’ውን ከምዝኽእሉ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ምዃኑ ኣመልኪታ።

ኣብ ኣሜሪካ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣማንዳ ክላሲን ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት እውን እንተኾነ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ገበነኛታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ጭቡጥ ስጉምቲ ከምዘይወሰዱ ጠቒሳ።

እታ ላዕለወይቲ ኣካያዲት ስራሕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ "መንግስቲ ኣሜሪካ ንፍትሕን ተሓታትነትን ተወፋይነት ዘይብሉ፡ ነዚ ፖለቲካዊ ውሳነ ዝወሰደ፡ ነቶም ግዳያት ዕሽሽ ብምባል፡ ቀጻሊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጽ ጸብጻባት እናረኣየ'ዩ፡" ኢላ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ዓለምለኸ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምቍራጽ ስምምዕ ሰላም ምስተኸተመ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምጽናት ዓሌታት ይፍጸም ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ደው ከብሉ ስምምዕ ሰላም ኣብ ፕሪቶርያ ድሕሪ ምፍራሞም፡ ሓይልታት ኣምሓራ ምስ ከባብያዊ ምምሕዳር ብምትሕብባር ተወለድቲ ትግራይ ካብ ምዕራብ ትግራይ ብሓይሊ ክወጹ የገድድዎም ከምዘለዉ፡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ ነይሩ።