ፕረዚደንት ባይደን ኣሜሪካ ንኣፍሪቃ ናይ ቢልዮናት ሓገዝ ከምእትገብር ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ባይደን ምስ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣመሪካ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ብብልዮናት ዶላራት ዝግመት ሓገዝን ወፍርን ክትገብር ምዃና ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘአንግድ ዘሎ ባይደን "ሕቡራት መንግስታት [ኣመሪካ] ኣካል መጻኢ ኣፍሪቃ ክትከውን'ያ" ክብል ነቶም 49 መራሕቲ ሃገራት ቃል ኣትዩሎም።

ኣሜሪካ ድሕሪ 8 ዓመታት ንፈለማ እዋን'ያ ከምዚ ዓይነት ዋዕላ ተአንግድ ዘላ።

ዕላማ ናይቲ ዋዕላ፡ ኣመሪካ ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ጽልዋ ዳግም ብምብርባር ንምትእትታው ቻይናን ሩስያን ንምድራት ምዃኑ ይግመት።

ኣብቲ ዋዕላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝርከብዎም 49 መራሕቲ ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ይሳተፉ ኣለዉ።

ሰብ መዚ ኣመሪካ ንኤርትራ በቲ ዘለዎም ሓርፋፍ ዲፕሎማስያዊ ርክብ፡ ንሶማሊላንድ ከኣ ከም ሃገር ስለዘይፈልጥዎ ከምዘይዓደምወን ገሊጾም።

ብጆ ባይደን ተሳዒሩ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ስልጣኑ ከረክብ ዝተገደደ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝተኸተሎም ፖሊሲታት ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ዝንጽልን ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘነኣእስን ምንባሩ ይዝከር።

ብኣንጻሩ፡ ባይደን ሃገሩ ምስ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ምትእስሳር ከምዘለዋ ብምግላጽ እወታዊ ቃና ከቃልሕ ፈቲኑ'ሎ።

"ኣፍሪቃ ምስ እትዕወት ሕቡራት መንግስታት [ኣመሪካ] ትዕወት። ብሓቂ'ውን ዓለም ብምልእታ'ያ ትዕወት" ክብል ነቶም ዝዓደሞም መራሕቲ ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ተዛሪቡ።

ንዓለም ኣጋጢሞማ ዘለዉ ቅልውላዋት ኣብ ምፍታሕ'ውን፡ ኣፍሪቃዊ መሪሕነት፡ ሓሳብን መሃዝነትን ከምዘድሊ ዘነጸረ ባይደን፡ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ ምምሕዳራት ኣመሪካ ኣብታ ኣህጉር ዝገበርዎ "ኣገዳሲ" ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ከሐይሎ ምዃኑ ገሊጹ።

ከም መርኣያ ናይዚ ድማ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት 55 ቢልዮን ዶላር ክትምድብ ምዃና ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ጄክ ሱሊቫን ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ሎሚ ሓሙስ ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዋዕላ ኣፍሪቃን-ኣመሪካን ካብ ዝዘተየሎም ቀንዲ ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፣

  • 'ኣፍሪቃ ትበልጽግ' - ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዘሎ "ካብን ናብን ንግዳዊ ምትእስሳር ንምብራኽ" ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝተወስደ ተበግሶ
  • ኣብ እዋን ምምሕዳር ቢል ክሊንተን ዝወጸ ፖሊሲ 'ኣጎዋ' (Africa Growth and Opportunity Act- Agoa) - ንፍርያት ኣጭርቕቲ ኣፍሪቃ ናብ ዕዳጋ ኣመሪካ ክኣቱ ሓለፋ ዝህብ
  • 'ጸዓት ኣፍሪቃ'- ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝተኣወጀ፡ ሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ጸዓት ክረኽቡ ዝገብር ተበግሶ

እንተኾነ ግን፡ እዞም ክሳብ ሕጂ ዝተወስዱ ተበግሶታት ዛጊት ከምቲ ዝተነግረሎም ዓወት ኣየመዝገቡን። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣፍሪቃ ሓደ ሚእታዊት ንግዳዊ ንጥፈታት ኣመሪካ'ያ እትውክል። ንሱ'ውን እንተኾነ፡ በቲ ካብ ኣንጎላን ናይጀርያን ዝኣቱ ነዳዲ ዝተዓብለለ'ዩ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ጆ ባይደንን ጆርጅ ዊዓን

ምንጪ ስእሊ, Redwan Hussien/Twitter

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ንምንካይ ነቲ ኣብ ሃገረ በኒን ዘሎ ወሳኒ ወደብ ንምዕባይ 500 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዝግበር ተዛሪቡ።

ብዘይካ'ዚ፡ ንዲጂታላዊ ቁጠባ እታ ኣህጉር ንምድንፋዕ፡ ተወሳኺ 350 ሚልዮን ዶላር ክምደብ'ዩ ኢሉ።

ኣስታት 15 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ስምምዓት ኣብቲ ኣብ ጎኒ ናይቲ ዋዕላ ዝተኻየደ መደረኽ ንግዲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን (US-Africa Business Forum) ተበጺሑ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ።

ኣመሪካ፡ ምስቲ ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ናጻ ንግዲ ኣፍሪቃ ምርዳድ ክትፍርም ምዃና ባይደን ኣሚቱ'ሎ።

ስምምዕ ናጻ ንግዲ ኣፍሪቃ፡ ካብ ኬፕታዉን ክሳብ ካይሮ ንዘለዉ 1.2 ቢሊዮን ሰባት ዝሓቁፍ ኮይኑ፡ ኣቑሑን ኣገልግሎትን ሰራሕተኛታትን ኣብ 50 ሃገራት ኣፍሪቃ ብነጻ ክኣትዉን ክወጹኡን ዘፈቅድ'ዩ።

ኣብቲ ኣህጉር ዘሎ ስእነት ስራሕ መንእሰያት ብምንካይ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸር ዕድል ስራሕ ክፈጥር'ዉን ትጽቢት ይግበረሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዉዉጥ ንግዲ ብምዕባይ ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን ጥረ ኣቕሐ ደልየን ዝመጽኣ ኣህጉር ካብ ምዃን ዘናግፋ'ዉን ክኸዉን'ዩ።

"እቲ ስምምዕ፡ ሓደስቲ ዕድላት ንግዲን ወፍርን ዝኸፍት'ዩ" ክብል ባይደን ገሊጽዎ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ንመራሕቲ ናይተን ኣብ ዓመተ 2023 ሃገራዊ ምርጫታት ዘካይዳ 5 ሃራት ንበይኖም ረኺቡ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ዝህቦ መግለጺ'ውን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባል ቁጠባዊ ምትእኽኻብ ሃገራት ጉጅለ-20 ክኸውን ደገፉ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ናብታ ኣህጉር ምብጻሕ ከምዘካይድ ክሕብር ከምዝኽእል'ውን ኣመታት ኣለዉ።

ምትእስሳር ኣመሪካን ኣፍሪቃን ነባሪ ክኸውን ዝኽእል፡ ኣመሪካ ምስታ ኣህጉር ዘለዋ ርክብ ኪኖ'ቲ ምስእ ቻይናን ሩስያን እትገብሮ ጂፖለቲካዊ ውድድር ብምሕላፍ፡ ስትራተጂካዊ ዝምድና ክትምስርት እንተኺኢላ ጥራይ'ዩ- ብዓይኒ ተንተንቲ።

እዞም ኣብዚ ዋዕላ'ዚ ዝተኣትዉ መብጽዓታትን ሰናይ ትምኒታትን ናብዚ ዘብጽሑ እንተኾይኖም ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕን ዓመታት ክራኣዩን ክምዘኑን ምዃኖም ዘይተርፍ'ዩ።