ብሊንከን፡ ጽልዋ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ዝዓለመ ዑደት ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ጽልዋ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ዝዓለመ፡ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ዘካይዶ ምብጻሕ ብደቡብ ኣፍሪቃ ጀሚሩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ኣብቲ ሃገሩ ምስ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት ድጋፍ ንምርካብ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ምክያዱ ዝዝከር እዩ፡፡
ሃገራት ግብጺ፡ ኮንጎ ብራዛቪል፡ ዩጋንዳን ኢትዮጵያን ላቭሮቭ ዝገሸለን ሃገራት እየን፡፡
ኣብ ጕዕዞኡ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ሕጽረት ስርናይ ኣመልኪቱ ዝተዛረበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ነቲ ዘጋጠመ ሕጽረት ምግቢ ምዕራባውያን ሃገራት ተሓተትቲ እየን ኢሉ ነይሩ፡፡
"ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ልዕልና ንምርካብ ይፍትና ኣለዋ" ብምባል ድማ ነቲ ሃገሩ ኣብ ዓለም ሕጽረት ምግቢ ከጋጥም ጠንቂ ኰይና ዝብል ክሲ ነጺጕ፡፡
ሩስያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ብፍላይ ኣብ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ከቢድ ሕጽረት ምግቢ ኣስዒቡ እዩ፡፡
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ክዅንና ምዕራባውያን ዘውጽኣኦ ጻውዒት ብምንጻግ፡ ዘይሻራዊት ኰይና እያ ጸኒሓ፡፡
ብሊንከን ድሕሪ ፕሪቶርያ ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ርዋንዳን ክበጽሕ እዩ፡፡
ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ጎንጺ ዓሲልሉ ኣብዘሎ እዋን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







