ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተረኸበ ሓሽሽን ዘስዓቦ ምፍንቓልን

ምዕራባዊ ክንፊ - ዋይት ሃውስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ኣብ ዋይት ሃውስ ንህጹጽ ምፍንቓል ዘበገሰ ጻዕዳ ንጥረ ነገር፡ ኮኬይን ከምዘለዎ ተረጋጊጹ።

እቲ ንጥረ ነገር፡ ኣብቲ ጥቡቕ ሓለዋ ዝግበረሉ ህንጻ ዝርከብ ቦታ ስራሕ ስሩዕ መርመራ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምዝተረኸበ፡ ኣገልግሎት ድሕነት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ብመባእታዊ መርመራ ኮኬይን ከምዝዀነ ዝተሓበረ ንጥረ ነገር ዝምልከት ጸብጻብ ንመጀመርያ ግዜ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት’ዩ ንምንጭታት ባርዕ ሓዊን ኣኽበርቲ ሕግን ብምጥቃስ ዘርጊሕዎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ስድራኡን ግን እቲ ንጥረ ነገር ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ካብቲ ቤተመንግስቲ ወጻኢ፡ ‘ካምፕ ዴቪድ’ ኣብ ዝበሃል ፕረዚደንታዊ መዕረፊ ቦታ ምንባሮም ይግለፅ።

እቲ ጻዕዳ ሓርጭ "ኣብ ውሽጢ ቦታ ስራሕ" ድሕሪ ምርካቡ፡ ሰንበት ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 20፡45 ምሉእ ህንጻ ዋይት ሃውስ ከምዝተዓጽወ ወሃቢ ቃል ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ኣንቶኒ ጉግሊልሚ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ምጥፋእ ሓዊ ብህጹጽ ከምዝተጸውዐን፡ ነቲ ንጥረ ነገር "ዘይሓደገኛ" ኰይኑ ከምዝረኸቦን እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ገሊጹ።

ንሱ እቲ ንጥረ-ነገር ንተወሳኺ መርመራ ከምዝተላእከን ብኸመይ ናብ ዋይት ሃውስ ከምዝኣተወን ዝምልከት መርመራ ይቕጽል ከምዘሎን ብምሕባር፡ ውጽኢት መባእታዊ መርመራ ብዝምልከት ግን ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ።

ኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕኸን ዜና ሲቢኤስ ኒውስ ሓደ ላዕለዋይ ምንጪ ኣኽበርቲ ሕጊ ተዛሪቡ ክብል ከምዝፀብፀቦ፡ እቲ ንጥረ ነገር ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስን ኣጋይሽን ሞባይል ቴሌፎን ንምቕማጥ ኣብ ዝጥቀሙሉ ኣርማድዮ እዩ ተረኺቡ።

እቲ ንጥረ ነገር ምስ ተረኽበ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብመርመራ ኮኬይን ምዃኑ ከምዝተረጋገፀ ጸብጻብ ሲቢኤስ ኒውስ የመልክት።

ኮኬይን፡ ብሕጊ ቍጽጽር ዝግበረሎም ንጥረ ነገራት ኣብ ዝርዝር ምድብ መድሃኒት-2 (II drug) ከምዝርከብ ምምሕዳር ኣኽበርቲ ሕጊ ምቍጽጻር ዕጸፋርስ ኣሜሪካ ይሕብር።

ምዕራባዊ ክንፊ ዋይት ሃውስ፡ ዓብይን ብዙሕ ደረጃታት ዘለዎን ክፋል እቲ ቤተመንግስቲ ኰይኑ ኣብያተ ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝሓዘ እዩ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ‘ኦቫል ኦፊስ’ ብዝብል ዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብኡ ይርከብ።

ብተወሳኺ ኣብያተ ጽሕፈት ምክትል ፕረዚደንት፡ ሓላፊ ስታፍ ዋይት ሃውስ፡ ጸሓፊ ፕረስን ካልኦት ኣማኢት ሰራሕተኛታትን ይሕዝ።