እቲ ኵናት ናብ ሩስያ ገጹ ይምለስ ኣሎ ድዩ?

ሩስያዊ ወተሃደር እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሉ ቦታ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ሞስኮ ዝተፈጸመ መጥዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) እቲ ኵናት ናብ ሩስያ ገጹ ይምለስ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።

ዘለንስኪ፡ ኣብ ግዝኣታት ሩስያ ዝፍጸም መጥቃዕቲ “ክውገድ ዘይኽእል፡ ግድነታዊን ፍትሓውን” እዩ ኢሉ።

ሚኒስትር ምክልኻል ሩስያ፡ ካብተን ሰንበት ዩክረይን ዝለኣኸተን ድሮናት እተን ሰለስተ ከም ዝተወቕዓ፤ እተን ክልተ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ከም ዝወደቓ ኣፍሊጡ።

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ከተማ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ቭኖኮቮ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ደው ኢሉ ነይሩ።

ሩስያ ነቲ ብሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ንዩክረይን ከሲሳ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ “መሪሕነት ሩስያ እቲ ‘ፍሉይ ወተሃደራዊ ወፍሪ’ ዝበሎ ኵናት ኣብ ሒደት ሰሙናት ክዛዘም’ዩ ኢሉ’ኳ እንተወጠነ፡ ድሮ 522 መዓልታት ኣቝጺሩ ኣሎ።

ቀስ ብቐስ እቲ ኵናት ናብ ሩስያ እዩ ዝምለስ ዘሎ፤ ናብ ታሪኻውን ወተሃደራውን ማእከላት ይኸይድ ኣሎ። እዚ ኸኣ ክውገድ ዘይክእል፡ ግድነታውን ፍጹም ፍትሓውን’ዩ” ኢሉ።

ዩክረይን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሩስያ ንዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ሓላፍነት ካብ ምውሳድ ትዕቀብ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።

ሕጂ ግን ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብርእሰ ምትእምማን ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸቕጢ ከሕድር ይኽእል እዩ።

ከምዚኦም ዓይነት መጥቃዕትታት ድሮን፡ ዘለንስኪ ንህዝቢ ሩስያ መልእኽቲ ንኸሕልፍ ዝሕግዝ’ዩ።

መብዛሕትኦም ሩስያውያን፡ ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ቅኑዕ’ዩ ኢሎም’ዮም ዝኣምኑ።

ፕረዚደንት ሩስያ ነበር ዲምትሪ መድቨደቭ፡ ዩክረይን ጸረ-መጥቃዕቲ ትቕጽል እንተዀይና፡ ሩስያ ኑክሊየር ክትጥቀም ይግባእ ክብል ብሰንበት ተዛሪቡ።

ምክትል ኣቦ ወንበር ባይቶ ድሕነት ሩስያ ዝዀነ ፕረዝደንት ነበር መድቨደቭ፡ ዩክረይን “ መሬትና ” እንተ ወሲዳ “ካልእ ኣማራጺ” የብልናን ኢሉ።

ሰብመዚ እታ ሃገር በቲ ብቐዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝወረደ ጉድኣት የለን ክብሉ እንከለዉ፡ ከንቲባ ከተማ ሞስኮ ሰርጌይ ሶብያኒን ብድሮን ዝተወቕዑ ክልተ ኣብያተ-ጽሕፈት መጠናዊ ማህረምቲ ከም ዘለዎም ሓቢሩ።

ዝተዘርግሑ ኣሳእል፡ መሳዅቲ እቶም ህንጻታት ተሰባቢሮም የርእዩ።

ሊያ ዝተበሃለት ምስክር ዓይኒ፡ ሓውን ትክን ከም ዝረኣየት ንሮይተርስ ተዛሪባ።

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ከተማ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ቭኑኮቮ ንዝተወሰነ ግዜ ኣገልግሎት ደው ኣቢሉ ብምንባሩ፡ ነፈርቲ ኣብ ካልእ መዕርፎ ነፈርቲ ክዓልባ ተገይሩ ነይሩ።

ሩስያ ንዩክረይን ካብ ትወርር ንነጀው፡ ካብ ዶብ ዩክረይን 500 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ትርከብ ሞስኮ፡ ኣብ ቀረባ እዋን’ያ ዒላማ መጥቃዕቲ ኪቭ ኰይና።

ሩስያ ድማ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ዩክረይን ኣብ ርእሰከተማ ሞስኮ ዝረከቦ ብዙሕ ግዝኣታታ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ትፍጽም ኣላ ብምባል ትኸስስ ኣላ።