እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለም ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ውሕስቲ ነይራ - ስቴፈን ሎቭግሮቭ
ሃገራት ምዕራብ፡ ምስ ሩስያን ቻይናን እኹል ዝርርብ ዘይምግባረን ናብ ኲናት ኒዩክሌር ክኣትዋ ከም ዝኽእላ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ብሪጣኒያ ተዛሪቡ።
ስቴፈን ሎቭግሮቭ፡ ተነሓናሕቲ ሓይልታት ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ብዝሓሸ ኵነታት ንሓድሕደን ተረዳዲአን ይኸዳ ነይረን፤ ሕጂ ግን ሰኣን ዝርርብ ግጉይ ውሳነታት ክገብራ እየን፡ ኢሉ።
“ከምቲ ቸርችል ዝበሎ፡ ዝርርብ-ዝርርብ እምበር ኲናት-ኲናት ኣይንደልን” ክብል እቲ ኣማኻሪ ተዛሪቡ።
ወሲኹ፡ ዝያዳ ሓደገኛ ኣጽዋራት ብሰፊሑ ኣብ ዝርከብሉ ሓድሽ ምዕራፍ ኢና ንርከብ ኢሉ።
እዚ፡ ፕረደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ዢ ጂንፒንግ ብስልኪ ክዘራረብ ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ዝተዋህበ ርእይቶ እዩ። ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ ወርሒ መጋቢት ፈጺሞም ኣይተዘራረቡን።
ኣብዚ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዝርርብ ድማ፡ እቶም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ታይዋን፣ ከምኡ'ውን ኣብ እዋን መሪሕነት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣቝሑ ቻይና ዝተነብረ ቀረጽን ክዘራረቡ’ዮም።
ኣብ ማእከል ዓለምለኻዊ መጽናዕታትን ስትራተጂን ተረኺቡ ኣብ ጉዳይ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ዘለዎ ትርጕም ኣመልኪቱ ዘረባ ዘስምዐ ስቴፈን፡ ኣብቶም ዝሑል ኲናት ዝነበረሎም ዓሰርታት ዓመታት፡ ሃገራት ምዕራብ “ብዛዕባ ሰረተ-እምነትን ዓቕምን ሶቭየት ዘለና ግንዛበ ነመሓይሽ” ኢለን ብምዝርራበን ተጠቀምቲ ኰይነን እየን ኢሉ።
“እዚ ኸኣ፡ ናብ ኒዩክሌራዊ ኲናት ዘምርሕ ግጉይ መገዲ ከይንኽተል ልዑል ርእሰ ተኣማንነት ፈጢሩልና’ዩ። ሕጂ ግን ተመሳሳሊ መሰረት የብልናን፤ እኳ ደኣ ብዙሓት ብዛዕባ መጻኢና የፈራርሓና ኣለዋ - ብፍላይ ቻይና። ብዝርርብ ዝተሃንጸ እምነትን ግልጽነትን፡ ብቐሊሉ ዘይምእዙዝነትን ሕማቕ ባህርን ከነለሊ ይሕግዘና” ይብል።
ሩስያ፡ ብተደጋጋሚ ዝኣተወቶም ውዕላት ከተፍርስ እንከላ፣ ከምኡ’ውን ቻይና ስምምዓት ምቍጽጻርኑክሌር ኣጽዋር ንጐድኒ ገዲፋ ኒዩክሌር ከተስፍሕ፡ ስግኣት “ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ጎንጺ” ክዛይድ ከም ዝገበረ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ቴክሎኖጂ ብቕልጡፍ ይዓቢ ምህላውን ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣዝዮም ዘመናውያን ኣጽዋራት ይውንና ምህላወንን ዘለዎ ሓደጋ እውን ኣልዒሉ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣባል ሃገራት ኔቶ ስግኣታት ኣብ ዝንክዩ ስትራቴጂያዊ ስርሓት ከተኵሩ ኣተሓሳሲቡ።
“ዘይምትእምማን፡ ፍርሒ፡ ወጥርን ጎንጽን ዝንክዩ ስጕምታት ንምህናጽ ዘኽእሉ ስጕምታት ክንወስድ ኣለና” ይብል።