ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ የጋጥም ንዘሎ ቅልውላው ምግቢ ንምዕራባውያን ከሲሱ

ንሽድሽተ መዓልትታት ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሰርጌይ ላቭሮቭ ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ እንከሎ፡ ምስ ሰብመዚ ኢትዮጵያን ዲፕሎማሰኛታትን ተራኺቡ።

ንሱ፡ ሎሚ ረቡዕ ንዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋታት ምግቢ ዝተርኣየ ፀገም፡ ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮቪድ-19፡ ሃገራት ምዕራብ ብዘይ ዝኾነ ፅኑዕ ምኽንያት ዋጋ ቢልዮናት ዶላራት ምግቢ ብምዕዳገን ዝመፅአ ምዃኑ ገሊፁ።

“ንፀብፃብ ውድብ ምግቢ ዓለምን ትካል ምግቢ ሕርሻን እንተ ኣንቢብኩም፡ ፀገማት ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ምግቢ ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ ጀሚሩ። እቲ ምኽንያት ከኣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ጃፓንን ብዘይ ዝኾነ ቁጠባዊ መርትዖ፡ እቲ ለበዳ ንነዊሕ ግዘ እንተፀኒሑን ዕፅዋ እንተመፀን ብምባል ንሳዕቤናቱ ንምቅላስ ብዝብል ናይ ሸሞንተ ትሪልዮን ዶላር ተልእኾ ጀሚረን፣ ነቲ ገንዘብ ከኣ ምግብን ካልእ ነገራትን ብምዕዳገን ዝሰዓበ እዩ” ክብል ከሲሱ።

ብርግፅ፡ ኩነታት ዩክረይን ንዕዳጋ ምግቢ ተወሳኺ ፅልዋ ኮይኑ’ዩ ዝበለ ላቭሮቭ ግና "ብሰንኪ ስርሒት ሩስያ ዘይኮነ ሃገራት ምዕራብ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ንህላወ መግቢ ኣብ ዕዳጋታት ዕሽሽ ብምባል እገዳታት ብምእዋጀን ዝሰዓበ እዩ" ኢሉ።

ላቭሮቭ ወሲኹ፡ ወሰኽ ዋጋታት ድዅዒ ብሰንኪ እቲ ዘይ ሓላፍነታዊ ክብል ዝገለጾ ‘ሓምላይ ምስግጋር’ ዝበሃል ፖሊሲ ሃገራት ምዕራብ ምዃኑን እዚ ኣብ ልዕሊ’ቶም ልሙድ ምንጭታት ፀዓት ኣድልዎ ዝገብር ምዃኑን ገሊፁ።

ኣፍሪቃ ካብ እተህልዀ መጠን ስርናይ፡ ነቲ 40 ሚእታዊ ካብ ዩክረይን እያ ክተእቱ ፀኒሓ።

ኣብዚ እዋን ግና ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ሩስያ ንዩክረይን ምውራራ ስዒቡ ዝተወልዐ ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ምንኩልላፍ ኣጋጢምዎ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰደድ ኣእኻል ግና ተስፋ ፈጢሩ ኣሎ።