ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝተሸለሞ ዓለምለኻዊ መዳልያ ኣግሪኮላ እንታይ እዩ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሮማ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ እቲ ዝለዓለ ሽልማት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO) ዝዀነ መዳልያ ኣግሪኮላ ተሸሊሙ’ሎ።

ወከልቲ ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነስርዓት ሽልማት’ዩ ካብ ኢድ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ኪዩ ዶንግዩን መዳልያ ፋኦ ተቐቢሉ።

መዳልያ ኣግሪኮላ ዝዓበየ ሽልማት ፋኦ ኮይኑ፡ ድኽነት ኣብ ምንካይ፣ ውሕስነትን ቀረብን መግቢ ኣብ ምርግጋጽ ንዝሰርሑ ፍሉጣት ሰባት ኣፍልጦ ዝህብ ሽልማት እዩ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብዛዕብኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ሽልማት ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተወሃቦ "ንውሕስነት መግብን ዝተመጣጠነ ቀረብ መግብን ብዘርኣዮ ኣመራርሓ፣ ተወፋይነትን ራእይን" ከምኡ እውን "ብምህርቲ ስርናይ ዓርስኻ ኣብ ምኽኣል ብዝተኸተሎ ፈጠራዊ መፍትሒ እዩ” ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነቲ ሽልማት ድሕሪ ምቕባሉ ብማሕበራዊ መራኸቢኡ "ፋኦ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ንዝገበርናዮ ጻዕሪ ክቡር መዳልያ ኣግሪኮላ ስለዝሸለመና ምስጋናይ ክገልጽ እፈቱ" ኢሉ።

ዋና ዳይሬክተር ፋኦ ኪዩ ዶንግዩን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ልምዓት ገጠርን ቍጠባን ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ሓምላይ ኣሰር ብዝገበሮ ውልቃዊ ጻዕሪ ዝተዋህቦም ሽልማት ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ዋና ዳይሬክተር ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ከበድቲ ዞባውን ዓለማውን ብድሆታት ኣብ ዝተረኣየሉ እዋን ብናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር "ውጽኢታዊ፡ ተሓታትነት ዘለዎን ርጉእን ኣመራርሓ" ዘደንቕ ምዕባለ ኢትዮጵያ ርኢና ኣለና ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ መሬት ሕርሻ ብ50 ሚእታዊ ክውስኽ ከምዝተገበረ እዚ ድማ ምህርቲ ስርናይን ሩዝን ብዝለዓለ መጠን ንምዕባይ ከምዘኸኣለ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊጹ ይብል ፋኦ።

ካብዚ ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ክመጽእ ከሎ፡ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ድሌታታ ንምምላእ ስርናይ ካብ ወጻኢ ከተእቱ ከምዝጸንሐት፤ ካብ 2023 ጀሚሩ ግን ጠለባታ ኣማሊኣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ስርናይ ክትሰድድ ከምዝጀመረት ኣብቲ መድረኽ ምዝራቡ መግለጺ ፋኦ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ፋኦ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሽልማት ምስ ሃበ ናይ ተቓውሞ ድምጺታት ተሰሚዑ’ሎ።

ብዙሓት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢን "እዚ ሽልማት ንመራሒ ናይታ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሓገዝ ዝጽበዩ ዜጋታት ዘለዉዋ ሃገር ዝግባእ ኣይኰነን" ብምባል ድምጾም ኣስሚዖም።

ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 28 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም።

ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ፡ ግጭት፡ ሕማም፡ ምውሳኽ ዋጋ መግብን ሸቐጣትን ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ዝተፈላለየ ዓይነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም እቲ ትካል ይገልጽ።

ሓንቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ፋኦ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ እዚ ሽልማት ምሃቡ “ገጽ ናይቶም ኣብ ሓደጋ ጥምየት ዝርከቡ 30 ሚልዮን ከም ምጽፋዕ እዩ” ኢላ።

ብዙሓት ሰባት፡ ውሕስነት መግቢ ናይቶም ሚልዮናት ዜጋታት ኣብ ዘይተረጋገጸሉ እዋን እቲ ሽልማት ንቀዳማይ ሚኒስተር ምሃብ ግቡእ ከምዘይኰነ እኳ እንተገለጹ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እታ ሃገር ጠለብ ስርናይ ውሽጢ ዓዲ ካብ ምምላእ ብተወሳኺ ልዕሊ 30 ሚልዮን ኩንታል ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ዘኽእላ ዓቕሚ ከምዝፈጠረት ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ 1945 ዝተመስረተ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም (FAO) ጥምየት ንምጥፋእ፡ ቀረብ ዝተመጣጠነ መግቢ ንምምሕያሽን ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን ንዝካየድ ጻዕሪ ዝመርሕ ትካል ሕቡራት ሃገራት እዩ።

መዳልያ ኣግሪኮላ ዝበሃል ሽልማት ከኣ ቅድሚ ሕጂ ንብዙሓት መራሕትን ጸለውቲን ከምዝተዋህበ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ዋና ዳይረክተር ፋኦ ቺዩ ዶንግዩን ኣብ 2019 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ነቲ ሽልማት ዝተቐበለ ናይ መጀመርታ መራሒ ኰይኑ’ሎ።

ቅድሚ ሕጂ ንጉስ ታይላንድ ነበር ባሁሚቦል ኣዱልያደጅ፣ ሊቀ ጳጳስ ሮማዊት ካቶሊክ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ሑስኒ ሙባረክ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ነበር ጆሴ ማርያ ኣዝናር፡ ፕረዚደንት ጀርመን ነበር ዮሃንስ ራኡ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ዣክ ሺራክን ፕረዚደንት ቻይና ነበር ጂያንግ ዘሚንን ካብቶም ነቲ ሽልማት ዝወሰዱ ይርከብዎም።