ኣብ ትግራይ ዝጋደድ ዘሎ ስግኣት ጥሜት

    • Author, ኣሌክስ ደ ዋል
    • Role, ተንታኒ ኣፍሪቃ

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ኢትዮጵያ ጥሜት ብሰላሕታ የስፋሕፍሕ ኣሎ፤ ቀንዲ ማእከሉ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዘላ ክልል ትግራይ እዩ።

ካብ ጽልዋ እቲ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዘይሓወዩ ሓረስቶት ብኸቢድ ድርቂ ተጠቒዖም ኣለዉ።

ብኣማኢት ዝቝጸሩ ህጻናት ብጥሜት ይሞቱ ከምዘለዉ ካብ ርሑቕ ከባቢታት ይስማዕ።

እቲ ዝኸፍአ ዝገብሮ ድማ እዚ ቅልውላው ገና ኣብ መጀመርታ እቲ ወቕቲ እዩ ዘጋጥም ዘሎ። ኣብ ትግራይን ጎረቤት ክልል ኣምሓራን ኣብ ሕዳር እዩ እኽሊ ዝኣቱ፤ እዚ ወቕቲ ድማ ብዙሕ እኽሊ ዝህልወሉ ክኸውን ይግባእ ነይሩ።

እንተዀነ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መንግስቲ ፈደራል ነቲ ጥሜት ዘይተርፍ እዩ ዝብል ግምት ኣይቅበሎን፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ይገልጽ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝሰርሑ ሰባት ግን እቲ ቅልውላው ምስቲ ኣብ 1984 [ኣ.ኣ] ዘጋጠመ፡ ድርቅን ኲናትን ዘበገሶን ክሳብ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝቐተለን ጥሜት የነጻጽርዎ ኣለዉ።

ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮምን እቶም ሲሶ ጥራይ ይረኽቡ ከምዘለዉን ይገልጽ። ብፍላይ ኣብ ትግራይ እቲ ኵነታት ኣስጋኢ እዩ።

ሰብመዚ ትግራይ፡ 3 ሚልዮን ህዝቢ ማለት እውን ልዕሊ ፍርቂ ነበርቲ እቲ ክልል፡ ንምሉእ ዓመት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊጾም ነይሮም።

እቶም ክልተ ኢድ ሓረስቶት ክዀኑ እንከለዉ ሓደ ሲሶ ድማ ብሰንኪ ኲናት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ዛጊት ናብ መንበሪኦም ዘይተመለሱ እዮም። ካልኦት 1.7 ሚልዮን ሰባት ድማ ኣብ ዝዀነ ወቕቲ 2024 ሓገዝ ከምዘድልዮም ኦቻ የመልክት።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዝተኻየደ ኲናት ንትግራይ ናብ ፍጹም ድኽነት ክትወርድ ምግባሩ እዩ።

እቲ ኲናት ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኰይኑ ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት ኣውሪዱ።

ወተሃደራት እኽሊ ብምስራቕን ብምቅጻልን፣ ዝሕረሱ ኣብዑር ከይተረፉ እንስሳት ብምሕራድ፣ መሰረተ ልምዓታት ማይ ብምዝራፍን ብምዕናውን ይኽሰሱ፤ ሰብመዚ ግን ነዚ ክሲ ይነጽግዎ።

ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ብኣስገዳድ ተፈናቒሎም፤ ብፍላይ ካብቲ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከብ ልሙዕ ተሓራሲ መሬት ዘለዎ ምዕራብ ትግራይ።

መብዛሕትኦም ሓረስቶት ትግራይ ንእሽቶ መሬት እዩ ዘለዎም፤ መንእሰያት ኣብ ከተማ ስራሕ እናተቘጸሩ ወይ ኣብ ንግዳዊ ሕርሻታት ወቕታዊ እናሰርሑ እዮም ህይወት ዝመርሑ።

ናይቲ ክልል ቊጠባ ግን ወዲቑ እዩ፤ ፋብሪካታት ተዘሪፎምን ዓንዮምን፣ ቱሪዝም ናብ ዜሮ ወሪዱ፣ ልሙዕ መሬት ሕርሻ ተወሲዱ።

ኣብ ልዕሊኡ እቲ ክልል ኣብ ዕጽዋ ኣትዩ። ንግዲ ደው ኢሉ። ንጣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ጥራይ ክኣቱ እዩ ዝፍቀድ ነይሩ።

ባንክታት ተዓጽዮም ነይሮም፤ ሓረስቶት ልቓሕ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ናብቲ ክልል ዝለኣኽ ገንዘብ ደው ኢሉ፤ ውሑዳት ደፋራት ጥራይ ናብቲ ክልል ገንዘብ ከሰጋግሩ ክኢሎም።

ኣስታት 130 ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ መሃያ ኣይተኸፈሎምን፤ 90 ሽሕ ጥሮተኛታት፡ ደሞዝ ጥሮታ ኣይተወሃቡን። ሰባት ቊንጣሮ ዝዓቘርወን በሊዖም፡ ክቡራት ንብረቶም ሸይጦም እዮም። ናህሪ ዕዳጋ፡ ዋጋ ምግቢ ዘይልከፍ ገይርዎ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ውዕል፡ እቲ ዕጽዋ ዝልቕ ኢሉ እዩ። እንተዀነ ኣዝዩ ንእሽቶ ህንጸት እዩ ተጀሚሩ። ሕጂ እውን ውሑድ ንግዳዊ ምንቅስቓስን ቍጻርን እዩ ዘሎ።

እቲ ናይ መወዳእታ ጸገም ድማ፡ ዝናብ ጠፊኡ።

ካብ 97 ወረዳታት እተን 36 ብከቢድ ድርቂ ተጠቒዐን፤ ዝተረኽበ ዝናብ ካብቲ ልሙድ ዳርጋ ሲሶ እዩ።

ኣብዚ መንጐ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭትን ድርቅን ፡ ኣብኡ እውን ጠለብ ምግቢ ክውስኽ ዝገብር እዩ።

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ተደጋጋሚ ድርቂ እውን ማሕበረሰባት ሰበኽ ሳግም ናብ ደረጃ በተኽነት ኣውሪድዎም እዩ።

ኣብ ጥቅምቲ ዝወጸ ሓበራዊ ጸብጻብ ቅድመ መጥንቀቕታ ጥሜት ትካል ዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝ ኣሜሪካን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ነዚ ኣቃሊሑ።

ካብቶም ሓሙሽተ ደረጃታት ሓደጋታት ውሕስነት ምግቢ፡ ካብ ደረጃ ሓደ (ንቡር) ክሳብ ደረጃ ሓሙሽተ (እቲ ዝኸፍአ) ክግምገም እንከሎ፡ ኣብ 2024 መብዛሕትኡ ኣብ ትግራይን ካልኦትን እውን፡ እቲ ህጹጽ ዝበሃል ደረጃ ኣርባዕተ ከምዝኸውን ይግመት።

እዚ ደረጃ ካብ ዓጸቦ ብሓደ ዝነኣሰ እዩ፤ እንተዀነ እቲ ጥሜት ኣብ ድኻታት ስድራቤታት ህጻናት ብጥሜትን ሕማምን ክሞቱ ዝገበር እዩ።

እቲ ጽብጻብ ኣመና ኣሰካፊ ትሕዝቶ'ውን ኣለዎ።

“እቲ ኣብ መጀመርታ 2024 ቀስ እናበለ ዝጅምር ዕደላ ምግቢ፡ ኣብቶም ተጠቀምቲ ዘሎ ሕጽረት ኪሎ ካሎሪ ዘመሓይሽ እምበር፡ ከቢድ ጸገም ውሕስነት ምግቢ ብዝፈትሕ ቅልጣፈን ብዝሕን ኣይኮነን።”

ጸሓፍቲ ናይቲ ጸብጻብ፡ ብልዙብ ቃላት፡ ትካላቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጣፈን ብዝሕን ከቕርቡ ከምዘለዎም እዮም ዝሕብሩ ነይሮም።

ናይዚ ኵሉ ምኽንያት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ገዚፍ ጉሕለት ረድኤት ከምዝተፈጸመ ምቅለዖም እዩ።

እዚ መጀመርታ ኣብ ትግራይ እዩ ተፈሊጡ፤ መንግስቲ ፈደራልን ሰብመዚ ትግራይን ናይ ረድኤት እኽሊ ጥሒኖም ኣብ ዕዳጋ ይሸጡ ከምዘለዉ ዝገልጽ ክሲ ቐሪቡ።

ኣብ እዋን እቲ ኲናት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብቐጻሊ እኽሊ ረድኤት እናወሰዱ ንመዓልታዊ ቀለቦም ክጥቀሙሉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ይዕዘቡ ነይሮም። ሓደ እዋን ድማ ምሉእ ክፍለ ሰራዊታት ኤርትራ ዩኒሴፍ ንህጻናት ኢሉ ዘምጸኦም ቀረባት ጸባ ኣብ ሳናጡኦም መሊኦም ይንቀሳቐሱ ምንባሮም ይንገር።

ኣብቲ እዋን፡ ካብዚ ውሱን ጥራይ እዩ ዕላዊ ተገይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ሰብመዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ክዘርፉ ተራእዮም፤ 186 ሰረቕቲ ተታሒዞም። ስድራቤታት ድማ ካብታ ወርሓዊ እትወሃቦም 15 ኪሎ፡ ነፍስወከፍኩም ክትቅልብዎ ዝግባእ ወተሃደር ኣባል ስድራቤት ኣለኩም ብዝብል፡ 2 ኪሎ ክህቡ ግዴታ ነይሩዎም።

እቲ ጸገም ስርቂ ሃገራዊ እዩ።

ዋላኳ ውጽኢት እቲ ምርመራ ዕላዊ እንተዘይኮነ፡ ሓደ ምርመራ ግን “ዝተዋደደን ገበናዊ ውጥንን” ብምባል ካብተን ትሸዓተ ክልላት ኣብተን ሸውዓተ ከምዝተርኣየ ገሊጹ።

ሓደ ዲፕሎማት ድማ ካብ ናይ ረድኤት እኽሊ ዝተጥሓነ ሕሩጭ ናብ ኬንያን ሶማልያን ሰደድ ተገይሩ ምባሉ ተጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ትካል ልምዓት ኣሜሪካን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን መስርሕ ኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምዕራይ ዕደላ ደው ኣቢሎም። ትሑት መጠን ዘለዎ ዕደላ ኣብ ሕዳር'ኳ እንተጀመረ፡ መጠኑ ግን ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

ኣብዚ መንጎ፡ ድኻታት ሓረስቶት መወዳእታ ዝተረፋ ኣጣሎም ሸይጦም ወይ ዝተረፈኦም ዘርኢ በሊዖም ኣለዉ። ኣብ ገለ ከባቢታት ህጻናት ጠምዮም እዮም። ኣብ ጥቅምቲ ደወል መጠንቀቕታ ምስተሰምዐ'ውን ሓገዝቲ ኣካላት ትልሚታቶም ኣየቀላጠፉን።

ከይጓየዩ ምኽንያት ዝዀነ፡ መንግስቲ እቲ ኵነታት ደሓን እዩ ምባሉ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ብምህርቲ ስርናይ ርእሳ ክኢላ ጥራይ ዘይኮነስ ሰደድ (ኤክስፖርት) ትገብር ኣላ ክብል ብኹርዓት ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ወሃቢ ቃል መንግስቲ፡ “ተደጋጋሚ ድርቂ” ከምዘሎ ቅድሚ ምእማኑ ኣብ ትግራይ ሓደጋ ጥሜት ከምዘየለ ተዛሪቡ።

ኣቢይ ኣሕመድ 10 ቢልዮን ዶላር ንመስርሒ ቤተ መንግስቲ፡ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ድማ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ የውጽእ ኣሎ። እታ ንኢትዮጵያ ዝበዝሐ ሓገዝ እትህብ ኣሜሪካ፡ ሓገዝ ትቕንስ ኣላ።

ቅድሚ ኣርባዓ ዓመት፡ ስራሕ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ሚካኤል በርክን መሓመድ ኣሚንን ስቕታ ሰብመዚ ንምስባርን ኣእምሮ ማሕበረሰብ ዓለም ንምብርባርን ክኢሉ ነይሩ።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን እቲ ዘሎ ቅልውላው ሕጽረት ምግቢ ክጋደድ ዘይኮነስ ክመሓየሽ ተስፋ ይገብሩ።

ሓላፊ ህጹጽ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊዝ ግን ህይወት እንተደኣ ክድሕን ኰይኑ “ ጉዳይ ግዜ ወሳኒ ነገር እዩ” ኢሉ።

(ኣሌክስ ደ ዋል፡ ፈጻሚ ስራሕ ናይቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተፍትስ ኣሜሪካ ዝርከብ ዎርልድ ፒስ ፋውንደሽን እዩ)