ኣብ ኢትዮጵያ ክንደይ ዝኣኽሉ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ይጽበዩ ኣለዉ?

ኣብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ኣብ ዝተሃስያ ሽዱሽተ ክልላት ዝርከቡ ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮም ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብታ ሃገር ንዝገብሮ ደገፍ ብቕልጡፍ ሓገዝ ገንዘብ ክወሃቦ’ውን ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ዝመጽእ ምወላ "ኣዝዩ ዝደንጎየ" ከምዝኸውን ድማ ወሲኹ ኣጠንቂቑ።

ብመሰረት መግለጺ ኦቻ፡ ብዘይካ ውሕስነት መግቢን ከቢድ ሕጽረት መግብን፡ ኣብ ድርቂ ኣብ ዝተሃስየ ዞባታት ዝተኸሰቱ ለበዳታት ዓሶ፡ ዕንፍሩርን ሕማም ሸሮኽን ነቲ ኵነታት የጋድድዎ ኣለዉ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብዘን ክልላት ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ድርቂ ንምምካት ዝተዋደደ ብዙሕ ዝመዳያቱ ምላሽ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

በዚ ምኽንያት ድማ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገብሩ ኣካላት ኣብ ጥሪ ደገፎም ክውስኹ ጸዊዑ።

"ኣብ ስቓይን ጸገምን ዝርከቡ ብዙሓት [ሰባት]፡ ጸገማቶም ምስ ተጋደደ፡ ካብ መጋቢት ክሳዕ ሚያዝያ ዝመጽእ ገንዘብ ኣዝዩ ዝደንጐየ ክኸውን'ዩ" ብምባል ኣብ ኣድላይነት ህጹጽ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣስሚሩ።

ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ኦሮሚያ፡ ዓፋር፡ ደቡብ ኢትዮጵያን ደቡብ ምዕራብን ዝርከቡ ዜጋታት ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝርከቡ ጠቒሱ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ኣብ ዝርከባ 36 ወረዳታት ድርቂ ኣጋጢሙ ኣሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝሕረስ መሬት 49 ሚእታዊ ጥራይ ዝለምዐ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ቀውዒ ካብ ዝተዓጽደ ዝራእቲ ድማ 37 ሚእታዊ ጥራይ ከምዝተረኸበ ኦቻ ይገልጽ።

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ መንግስቲ ፈደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ንምምካት ኢዶም ክዝርግሑ ምጽውዑ ይዝከር።

እቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኵነታት ከምቲ ኣብ 1977 ዝነበረ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ጌታቸው፡ "ኣብ ትግራይ ጥሜትን ሞትን ኣንጸላልዩ ኣሎ" ብምባል ነበርቲ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዘለዉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ እውን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ፡ ኣስታት 223 ሽሕ ተምሃሮ ትምህርቶም ንምቍራጽ ከምዝተቓረቡ ኣፍሊጡ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስቲ፡ መሻርኽቱን ሓይልታት ትግራይን ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱ ይግመት።

እቲ ኲናት፡ መነባብሮ፡ ሕርሻ ንኽዓንዉ መንቀሊ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ንኽነብሩ ስለዝተገደዱ ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ማሕበረ ቍጠባዊ ጸገማት ከምዝተቓለዐ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ዘጋጠመ ድርቂ፡ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ተወሲኽዎ ነቲ ኵነታት ከምዘጋደዶ ይንገር።

ብዘይካ’ዚ ሕጽረት ዝናብ ስለዘጋጠመን ትካላት ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብ ኣቋሪጾም ስለዝጸንሑን ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ሰብመዚ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት እቲ ክልል ብዘጋጠመ ድርቂ፡ ብሚልዮን ዝቝጸር ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓለዐ ሰብ መዚ እቲ ክልል ኣፍሊጦም’ኳ እንተዀኑ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራል ግን “ጥሜት ኣሎ” ንዝብል ነጺጐምዎ እዮም።

ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ "ሰብኣዊ ሓገዝ ብእዋኑ እንተዘይተዋሂቡ፡ ብሰንኪ ድርቅን ሕጽረት መግብን ብቕልጡፍ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ከምጽእ ከምዝኽእል ሰበስልጣን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣተሓሳሲቦም" ይብል።

ብኣንጻሩ ኮሚሽን ምሕደራ ሓደጋ ሓደጋ ኢትዮጵያ፡ ካብ ጥሪ ክሳዕ መጋቢት ኣብታ ሃገር ዘሎ ጠለብ ንምሽፋን እኹል ምድላዋት ከምዝተገብረ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ኮሚሽነር ኣምባሳደር ሽፈራው ተኽለማርያም ኣብዘን ኣዋርሕ ድጋፍ ንዝግበረሎም 6.6 ሚልዮን ዜጋታት ብመንግስትን መሻርኽትን 9.2 ቢልዮን ብር ዝግመት 1,118,700 ኩንታል ምግቢ ከምዝተዳለወ ይገልጽ።