ትራምፕ ተኸሲስዎ ብዝነበረ ገበን ምጽላም 83.3 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተበይንዎ

ብውሳነ ቤት ፍርዲ ዘንጸርጽር ዘሎ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ 2019 ንጸሓፊ ኢ ጂን ካሮል ብምጽላሙ፡ 83.3 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ከምዘለዎ ወሲኑ።

ብመሰረት እቲ ፍርዲ፡ እቲ 18.3 ሚልዮን ዶላር ንካሕሳ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ 65 ሚልዮን ዶላር ከኣ መቕጻዕቲ እዩ።

ትራምፕ ኣብ ዝቐደመ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ 1990ታት ንወ/ሮ ካሮል ከምዘጸለመን ጾታዊ ትንኮያ ከምዘብጽሓላን ተገሊጹ ኔሩ።

ነዚ ዳሕረዋይ ውሳነ ይግባይ ከምዝብል ዝፈከረ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ትራምፕ፡ ነቲ ፍርዲ "ፍጹም መስሓቕ!" ክብል ገሊጽዎ።

ትራምፕ ዝሃቦም ርእይቶታት ኣብ ዝናን ስነልቦናዊ ጥዕናን እታ ሰበይቲ ጉድኣት ከምዘብጽሐ እቲ ቤትፍርዲ ብምእማኑ እዩ ነቲ ካሕሳ በዪኑላ።

እቲ ናይ መቕጻዕቲ ብይን ከኣ ትራምፕ ኣንጻር እታ ሰበይቲ ምዝራብ ከይቅጽል ንምግታእ ብዝብል ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ 7 ደቂ ተባዕትዮን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ዝሓቖፈ መጋባእያ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ውሳነ ንኽበጽሕ ሰለስተ ሰዓታት ዘይመልእ ግዜ እዩ ወሲዱሉ።

ከሳሲት ሚስ ካሮል ድሕሪ እቲ ውሳነ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እዚ ንዝተደፍአት ግን ድማ መሰላ ንምኽባር ብጽንዓት ንዝተቓለሰት ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ዓቢ ዓወት'ዩ፡ ተመኪሖም ደቂ ኣንስትዮ ንዝጭቑኑ ሰባት ድማ ናይ ስዕረት መዓልቲ’ዩ” ኢላ።

ጠበቓኣ ሮቢ ካፕላን ብወገኑ፡ "እዚ ናይ ሎሚ ፍርዲ፡ እቲ ሕጊ ንኹሉ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሰብ፡ ዋላ ንሃብታማት፡ ዋላ'ውን ንፍሉጣት፡ ዋላ'ውን ንፕረዚደንታት ነበር ዝዳኒ ምዃኑ ዘረጋግጽ'ዩ" ኢሉ።

ሚስተር ትራምፕ ዝኾነ በደል ከምዘይፈጸመዩ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ። ምስ ሚስ ካሮል ተራኺቡ ከምዘይፈልጥ’ውን ኣብቲ ናይ ትማሊ ዓርቢ መጋባእያ ተዛሪቡ።

"ኣነ ምስ ክልቲኡ ውሳኔታት ምሉእ ብምሉእ ኣይሰማማዕን እየ" ኢሉ ዝጽሓፈ ትራምፕ "እዚ ብባይደን ዝምራሕ ኮይኑ ኣብ ልዕለይን ኣብ ሰልፊ ሪፓብሊካንን ዘተኮረ ሽርሒ’ዩ" ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ "ሕጋዊ ስርዓትና ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ፡ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ድማ ይጥቀመሉ ኣሎ። እዚ ኣሜሪካ ኣይኮነን!" ክብል ኣንጸርጺሩ።

ከሳሲት ዓምደኛ መጽሄት ካሮል ኣብ ኣፍደገ ቤት ፍርዲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውሳነ ቤት ፍርዲ፡ ትራምፕ ኣብ 1990ታት ኣብ መቐየሪ ክዳን ሚስ ካሮል ንዝተባህለት ጸሓፊት ዓምዲ መጽሔት ጾታዊ ትንኮያ ከምዘብጽሓላ ተረጋጊጹ ኔሩ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ትረምፕ ክስታት ናይታ ዓምደኛ ‘ሓሶት’ዩ ብምባሉ'ውን ብገበን ጸለመ ተሓታቲ ስለዝገበሮ ኣስታት 5 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍላ ተኣዚዙ እዩ።

እቲ ብዓርቢ ዝተዛዘመ ጉዳይ፡ ኣብ 2019 ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ዝተፈላለየ ጸለመ ዝመልኦ ርእይቶታት ዘተኮረ እዩ።

ብ91 ጉዳያት ዝተኸሰሰ ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብገበን ዝተኸሰሰ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት እዩ።

እንተኾነ ትራምፕ እቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ጉዳያት ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ዝዳሎ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይገልጽ።