እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ሓማስ ዝዘርግሖ’ መፈራርሒ ቪድዮ ሓቂ ድዩ ወይስ ሩስያ እያ?
ሓደ ኣባል ሓማስ እዩ ዝተባህለ ዕጡቕ ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ፓሪስ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽም ከፈራርሕ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ተዘርጊሑ ኣሎ።
እቲ ስፖርታዊ ውድድር ንምዝራግ ዝዓለመ ክሊፕ ግን ብሩስያውያን ዝተሰርሐ ክኸውን ከምዝኽእል ብቢቢሲ ዝተኣከበ መርትዖታት ይሕብር።
እቲ ቪድዮ፡ ቅድሚ’ቲ ኣብዚ ዓርቢ 26 ሓምለ ዝኽፈት ኦሎምፒክ ፓሪስ መዓልታት ኣቐዲሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሚልዮናት ሰባት ተራእዩ።
እቲ ዕጡቕ ሓማስ ዝበሃል ዘሎ ገጹ ተሸፊኑ፡ ነቲ ፈረንሳ ንእስራኤል ብምድጋፍ ዝፈጸመቶ ገበናት ሕነ ከም ዝፈዲ ይዛረብ።
“ብጐደናታት ፓሪስ ዝሓልፍ ሩባታት ደም” ከም ዝህሉ ድማ ብቛንቋ ዓረብ የጠንቅቕ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ቪድዮ፡ እቲ ዕጡቕ፡ ብደም ዝተሸፈነ ርእሲ ናይታ ትእምርቲ ሪፓብሊክ ፈረንሳ ዝዀነት ምስሊ ማርየን ሒዙ ይርአ።
እቲ ቪድዮን ኣብኡ ዝርአ ነገራትን ግን ሓሶት ይመስል።
ዘይምስምማዕ ቅዲን ቋንቋን
እቲ ሓጺር ቪድዮ፡ ብዛዕባ ሓማስ ብግልጺ ዝጠቐሰ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ነቲ ቪድዮ ዝተዘርግሓሉ ሕሳባት ማሕበራዊ ሚድያ ኤክስ ግን ምስቲ ጕጅለ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ከምዝተመሳሰሉ ይግለጽ።
እዚ ይዅን ግን፡ ፖለቲካዊ መሪሕነት ሓማስ፡ እቲ ክሊፕ ዝተፈብረኸ ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ እዩ።
ቢቢሲ ክፍሊ ምርግጋጽ ሓቅነት፡ ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ተንቲኑ፡ ኣብ መንጐ እቲ ክሊፕን ቅድሚ ሕጂ ብሓማስ ብወግዒ ዝተዘርግሑ ቪድዮታትን ኣብ ቋንቋን ቅዲ ኣቀራርባን ብዙሕ ዘይሰማማዕ ነገራት ከምዘሎ ረኺቡ።
እቲ ጕጅለ ኣብ ቴሌግራም ንጡፋት ቻነላት ኣለዉዎ፤ ኣብኡ ብዛዕባ ኲናት ቓዛ መግለጺታትን ቪድዮታትን ክዝርግሕ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።
ንኣብነት እቲ ዕጡቕ ሰብ፡ ላህጃኡ ብፍሉይ ፍልስጤማዊ ኣይመስልን።
መሰረታዊ ቃላት፡ ኣደማምጻኡ፡ ኣብ ወግዓዊ ቋንቋ ዓረብ ብቕዓት ከም ዘይብሉ ዝሕብር ኣሰራት ይስማዕ፤ እዚ ድማ ካብ ኣዘራርባን ኣጠቓቕማን ኣፈኛታት ሓማስ ኣመና ዝተፈልየ እዩ።
እቲ ምሉእ ብምሉእ ጸሊም ዝተኸድነ ሰብ፡ ምስቲ ወሃቢ ቃል በራጊድ ኣልቐሳም - ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ - ዝኽደኖ ዝውቱር ክዳን’ውን ኣይሰማማዕን።
ኣቀማምጣ ባንዴራ ፍልስጤም እውን ካብቲ ልሙድ ዝተፈልየ እዩ።
እታ ባንዴራ ብተለምዶ ኣብ ኣጅገ እቲ ወሃቢ ቃል ዕጡቕ ሓማስ ትረአ ኰይና፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ መፈራርሒ ቪድዮ ግን ኣብ ኣፍልቢ እቲ ውልቀሰብ ተለጢፋ ትርአ።
ካልእ ቪድዮ ‘ሓማስ’
እቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንኦሎምፒክ ፓሪስ ዒላማ ዝገበረ መፈራርሒ ቪድዮ ምስ ካልእ ብሓሶት ምስ ሓማስ ዝተኣሳሰሩ ዝተባህሉ ‘ቫይራል’ ዝዀኑ ክሊፓት ተመሳሳልነት ኣለዎ።
እዚ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ካብ ሓማስ ዝዀኑ ዝተባህሉ ውልቀሰባት ንፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንፍልስጤማውያን “ቀረብ ኣጽዋር” ስለዝገበረ - ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝቐረበ ናይ ሓሶት ክሲ - ከመስግኑ ዘርኢ’ዩ።
እዚ ትረኻ ኣካል ናይቲ ብክረምሊን ዝተዘርግሐ ናይ ሓሶት ወፍሪ ምዃኑ ነቲ ቪድዮ ዘቃልዑ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ካሮላይና ይገልጹ።
ቢቢሲ ኣብ ክልቲኡ ቪድዮታት “ሓማስ” ዘሎ ድምጽታት፡ ዩኒፎርምን ቦታታት ፊልምን ተመሳሳልነት ከምዘሎ ኣስተብሂሉ።
ክልቲአን ክሊፓት ዝተጠቕማሉ ደባን ድሕረ ባይታ ተመሳሳሊ ኰይኑ ትሑት ንጻረ ዘለወን እየን።
እዚ ኸኣ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክወጽእ ዝጸንሐ፡ ኣዝዩ ልዑል ብቕዓት ኣጠቓቕማ ድሕረባይታ፡ ስክሪን ብሓፈሻ ቀረጻ ዘንጸባረቐ ወግዓዊ መግለጺታት ቪድዮ ጕጅለ ሓማስ ዝጻረር ምዃኑ ይርአ።
ስለዚ ድሕሪ እዚ ቪድዮ ደኣ መን እዩ ዘሎ?
ገለ ወሃብቲ ርእይቶታት፡ ኣብዚ ቪድዮ “ሓማስ”፡ እስራኤል ክትህሉ ከም እትኽእል ይገልጹ፤ ዘቕርብዎ መርትዖታት ግን የለን።
ይዅን እምበር፡ እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ንምዝርጋሕ ዝተራእዩ ገለ ሜላታት ናብ ክረምሊን ገጾም ከምዘመልክቱ ክኢላታት ይገልጹ።
እታ ጸረ-ፈረንሳ ዝዀነት ቪድዮ፡ ፈለማ ብ 21 ሓምለ ዝተዘርግሐት ኰይና፡ ብሕሳብ ኤክስ [@endzionism24] ዝተለጠፈት እያ፤ “ተጋዳላይ ሓማስ” ዝብል ስም ቪድዮ ድማ ነይርዋ።
እዛ ሕሳብ ትዊተር [ኤክስ] ቅድሚ ሕጂ ብሰብሰርሖ ብልሒ [ኤኣይ] ዝተሰንዑ ምስልታት ትፍኑ ነይራ፤ ደሓር ግን ኣቋሪጻ።
ድሒሩ፡ እታ ክሊፕ ምስ ሩስያ፡ ዓረብን ፈረንሳ ምዕራብ ኣፍሪቃውያንን ቅርበት ኣብ ዘለወን ማዕከናት ዜና ከም ዝተዘርግሐትን ብድሕሪኡ ኣብ ቴሌግራም ከምዝተዘርግሐትን ፕሮፌሰር ዳረን ሊንቪል ካብ ዩኒቨርሲቲ ክሌምሰን -ደቡብ ካሮላይና ይገልጽ።
ካብተን ቀዳሞት ዝዘርግሓኣ ቻነላት ቴሌግራም፡ ብእንግሊዝኛ ዝፍኑ ቻነል ናይቲ “ኣውስትራልያዊ ኮዛክ” ዝበሃል - 80 ሽሕ ተኸታተልቲ ዘለዎ ኣብ ሲድኒ ዝመደበሩ ሩስያዊ ፕሮፖጋንዲስት ሲሚዮን ቦይኮቭ፤ ከምኡ’ውን ብቛንቋ ሩስያ ዝፍኑ ደጋፊ ክረምሊን ዝዀነ፡ ኣስታት 170 ሽሕ ተኸታተልቲ ዘለዎ ቻነል “ጐሎስ ሞርዶራ” ተዘርጊሓ።
ኣብ ዝቐጸሉ ሒደት ሰዓታት ድማ፡ ተመሳሳሊ ቃል ብቓል ብቛንቋ ሩስያ ዝተጻሕፈ ጽሑፍን ኣሳእልን ኣብ ካልኦት ሕሳባት ሩስያውያን ተዘርጊሓ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተኸታተልቲ ኣብ ቴሌግራም ተቐባቢሎምላ።
“[እዚ] ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ንሳቶም [ደገፍቲ ክረምሊን] ብስሩዕ፡ ደገፍቲ ሩስያ ብዝዀና ሕሳባት ኣቢሎም ዝጥቀሙሉ ኣገባብ እዩ። እዚ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ቅሩብ ምቕያር ቅኒት ብምግባር ጥራይ እዮም ዝጻወቱ” ይብል ፕሮፌሰር ሊንቪል።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሰበስልጣን ፈረንሳ ብዛዕባ’ቲ ሩስያ ንኦሎምፒክ ፓሪስ ንምድኻም ክትዝርግሖ ዝጸንሐት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከጠንቅቑ ጸኒሖም’ዮም።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ሩስያ ‘ፈረንሳ ነቲ ጸወታታት ከተአንግድ ዓቕሚ የብላን ወይ ድማ ኣብ ሓደጋ ክወድቃ እዩ’ ዝብል ትረኻ ክትዝርግሕ ትፍትን ከም ዘላ ገሊጹ ነይሩ። ሩስያ ግን ነዚ ክሲ ትነጽጐ።
ብሰንኪ እቲ ኣንጻር ዩክረይን ዝተኻየደ ኲናት፡ ሩስያን ቤላሩስን ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ከይሳተፋ ተኣጊደን እየን።
ገለ ስፖርተኛታት ዜጋታት እዘን ሃገራት ግን ብውልቂ ብዘይባንዴራ ክወዳደሩ ከምዝዀኑ ይፍለጥ።
‘ምዝርጋሕ ፍርሒ’
ብጠለብ ኤንቢሲ ኒውስ ነታ ክሊፕ ዝተንተነ ‘ማእከል ትንተና ስግኣት’ ማይክሮሶፍት፡ ነዚ ጉዳይ ምስ ሩስያዊ ጕጅለ “ህቦብላ-1516” ኣተሓሒዝዎ'ሎ።
ብመሰረት ተመራመርቲ ማይክሮሶፍት፡ እቲ ጕጅለ ምስቲ ኣብ ሩስያ ዝመደበሩ መሓውር ሚድያ ናይቲ ብየቭገኒ ፕሪጐዚን ዝምራሕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ጕጅለ ቫግነር ዝተኣሳሰሩ ውልቀሰባትን ትካላትን ርክብ ዘለዎ እዩ።
ዕላማ ናይቲ ጕጅለ “ብምዕራባውያን ዝግበር ሓገዝን ደገፍን ኣጽዋር ንዩክረይን ንምድኻም” ከምዝዀነ ማእከል ትንተና ስግኣት ማይክሮሶፍት ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ሓሓሊፉ ግን ንኻልእ ግን ከኣ ምስኡ ዝተኣሳሰር ዕላማታትን ጽልዋ ሩስያ ንምሕያልን ዝዓለመ ንጥፈታት የካይድ፤ ከም ንናይ ውሽጢ ዓዲ ተቓወምቲ ምጽላም፣ ፍርሒ ብምዝርጋሕ ድማ ንከም ውድድር ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ምዝራግን።”
ምዝራግ ውድድራት ኦሎምፒክ ንፈረንሳ ከም ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ሓይሊ ዒላማ ዝገበረ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ንዩክረይን ኣብ ምድጋፍ ካብ ዝጸንሓ ተራ ዝነቅል ምዃኑ፡ ኣብ ኢንስቲትዩት ጂኦፖለቲካ ፈረንሳ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ሩስያ ኬቪን ሊሞኒየር ይገልጽ።
ሩስያውያን ኣብቲ ሎም ዘበን ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ጸወታታት ኦሎምፒክ ምኽንያት ገይሮም ናይ ሓሶት ወረታት ክዝርግሑ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።
ደገፍቲ ክረምሊን ዝዀና ቻነላት ቴሌግራም፡ ነቲ ጸወታታት ዝነቕፉ ተኸታተልቲ ፊልምታት ኣብ 2023 ብንጥፈት ዘርጊሐን ነይረን።
እታ ቀዳመይቲ “ኦሎምፒክስ ወዲቓ” እትብል፡ ብኤኣይ ዝተሰርሐት ንህቡብ ተዋስኣይ ቶም ክሩዝ ተጠቒማ ዝተዘርግሐት ናይ ሓሶት ፊልም ክትከውን እንከላ፡ ካልኦት ድማ ንኤሎን መስክ ኣመሳሲለን ዝተሰርሓ ነይረን።
ማእከል ትንተና ስግኣት ማይክሮሶፍት እተን ፊልምታት ምስ ካልእ ብሩስያዊ ጕጅለ ፕሮፖጋንዳውያን ምስ ዝፈረዩን ዝተዘርግሑን ተመሳሰልቲ ቪድዮታት ምትእስሳር ከምዘለወን ኣረጋጊጹ።
ኣብቲ እዋን፡ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ክሲ ማይክሮሶፍት “ዝዀነ መሰረት ዘይብሉ ባዶ ነቐፌታ” ክብል ገሊጹ።