እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅድሚ 55 ዓመታት ዝጠሓለት መርከብ ተረኺባ
ኣውስትራልያ ስብርባር ናይታ ቅድሚ 55 ዓመታት ዝጠሓለትን 21 ሰባት ዝሞቱላን መርከብ ኤምቪ ኑንጋህ ረኺባ።
እታ 71 ሜትሮ ዝንውሓታ ናይ ጽዕነት መርከብ ብ1969 ኣብ ገማግም ባሕሪ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሓጺን ጽዒና ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዘጋጠማ ህቦብላዊ ኵነታት ኣየር ከምዝጠሓለት ይግለጽ።
እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኣለሻ ትሕቲ ባሕሪ ክካየድ ምኽንያት ኰይኑ።
ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 26 ሰራሕተኛታት እቶም ሓሙሽተ ሽዑ ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ካብ ማይ ክወጽኡ ከለዉ፤ ካብቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ግን ሓደ ሬሳ ጥራይ እዩ ተረኺቡ።
ሕጂ ድማ ትካል ሳይንስ ኣውስትራልያ ዝለዓለ ደረጃ ጽርየት ዘለዎ ካርታ ትሕቲ ባሕሪን ቪድዮን ተጠቒሙ ስብርባር ናይታ መርከብ ዝርከበሉ ኵነታት ኣነጺሩ ኣሎ።
እታ መርከብ ብ25 ነሓሰ 1969 ናይ ሓደጋ ምልክት ምስ ሰደደት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኣብቲ ዓሚቝ ባሕሪ ጥሒላ።
ሽዑ ንጉሳዊ ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ፡ ነፈርቲ፡ ሄሊኮፕተራትን ካልኦት ብርክት ዝበላ መራኽብን ሰፊሕ ምድላይ ከካይዳ ጀሚረን። ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን እውን ዝዀነ ምልክት ናይ ዝደሓኑ ሰባት ንምርካብ ሓያል ጻዕሪ ኣካይዶም።
ኣብ ዝቐጸሉ 12 ሰዓታት ከኣ ክልተ ሰባት ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ጀላቡ ህይወት ኣድሕን ካልኦት ሰለስተ ድማ ኣብ ጣውላ ዕንጸይቲ ተጣቢቘም ከም ዝረኸቡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ነይረን።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከኣ ዕጫ ዝተረፉ ሰራሕተኛታትን ባዕላ እታ መርከብን ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ዓሚቝ ማይ ገማግም ባሕሪ ሳውዝ ዌስት ሮክስ - ኣስታት 460 ኪ.ሜ (286 ማይልስ) ንሰሜን ካብ ሲድኒ - ስብርባር ኣካል መርከብ ብምርኣዮም ንሰበስልጣን ሓቢሮም።
ንነዊሕ እዋን ኣካል ናይታ ኖንጋህ ዝተበሃለት መርከብ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረታት'ኳ እንተነበረ፡ ነታ መርከብ ንምልላይ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ወይ ናይ ምጥላቕ ፍልጠት ግን ኣይተረኽበን ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ብትካል ሳይንሳዊን ኢንዱስትርያዊን ምርምር ሓባራዊ ሃብቲ እትውነን ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ዘለዋ መርከብ ተወሳኺ መርመራ ክትገብር ተላኢኻ።
ሽዑ ነታ ዝዓነወት መርከብ ዝዓበየ ኣካላ ከምዘይተበላሸወትን ኣብ 170 ሜትሮ ትሕቲ ባሕሪ ትኽ ኢላ ኮፍ ኢላ ረኺቦማ። ኵሎም ቀንዲ ምልክታታ ከኣ ምስ መርከብ ኖንጋህ ዝሰማማዕ ከምዝነበረ እቲ ትካል ገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ፡ ካብቲ ቦታ ተወሳኺ ምስልታት ንምእካብ ናይ ምጥላቕ መደብ ዝተትሓዘ ኰይኑ እዚ ድማ እታ መርከብ እንታይ ኰይና ከም ዝጠሓለት ዘረድእ ፍንጪ ክህብ ተስፋ ይግበር።
"እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝኽሪ ብዙሓት ክፋል ሕብረተሰብ ዘሎ’ዩ" ይብል ማት ኪምበር ካብ ትካል ሳይንሳዊን ኢንዱስትርያዊን ሓባራዊ ሃብቲ ምርምር።
ኣባላት ስድራቤት እቶም ሰራሕተኛታት ንኮርፖሬሽን ብሮድካስቲን ኣውስትራልያ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ርኽበት እፎይታ ዝህብ ምዃኑ ገሊጾም።
“ኵሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮይ’ዩ ነይሩ” ትብል ፓሜላ ሄንዲ - በዓልቲ ቤት ካፒተን ሊዮ ቦትስማን።