እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሻቐለሉ ዘሎ ኒዩክለራዊ ትካል ዩክረይን ዝተቛረፀ ኤለክትሪክ ተመሊሱ
ኣብ ዩክረይን ዝርከብ መብላዕልዒ ኒኩሌር ዛፖሪዝዝያ ካብ ሃገራዊ መከፋፈሊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ፅዓት ክረክብ ከምዝጀመረ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጠማቲ ኒኩሌር ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ ዝተተኮሰ ከቢድ ብረድ ናብቲ ከባቢ ዝሓልፍ መስመር ሓይሊ ኤሌትሪክ ዓንዩ’ዩ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ሩስያ ዝርከብ ትካል ዝተመሓየሸ ኮይኑ እንተኾነ ግን ሓደገኛ ኮይኑ ከምዝቐጸለ ተቖጻጻሪ ኒኩሌር ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ጉጅለ ሰብ ሞያ ኒኩሌር ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ካብ ኤውሮፓ ዝዓበየ ትካል ኒኩለር ዛፖሪዝዝያ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ተጓዒዞም ከምዝነበሩ ይዝከር።
ዩክረይን ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ከባቢ ደብዳብ ምክያዱ ስዒቡ ውሑስ ምርመራ ክግበር ተደጋጋጋሚ ጻዊዒት ብምግባሮም’ዩ እቶም ሰብ ሞያ ናብቲ ከባቢ ዝኸዱ።
ሩስያን ዩክረይንን ኣብቲ ከባቢ ንዝተፈጸመ ደብዳብ ነንሓድሕደን ክካሰሳ ይረኣያ።
እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መደብራት ኒኩሌር ዝቖጻጻር ትካል ሓንሳብ ምብጻሕ ምስኣካየደ ነቲ ኩነታት ንምዕዛብ ኢሉ ኣብቲ ከባቢ ብቐዋምነት ከምዝዝጸንሕ ኣፍሊጡ’ዩ።
እቶም ሰብ ሞያ ካብቶም ኣርባዕተ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዓንዮም ዝነበሩ ዓንድታት ተቐበልቲ ሓይሊ ኤሌትሪክ እቲ ሐደ ጽገና ተገይርሉ ካብ ሃገራዊ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ጽዓት ክቕበል ከምዝጀመረ ትማሊ ቀዳም ገሊፁ።
ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ናይ ጅምላ መቓብር ስለዝተረኸበ መሪሕነት ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ገበናት ኵናት ምርመራ ክግበር ዓለም ለኻዊ ጻዊዒት ኣቕሪቡ’ሎ።
ሓይልታት ሩስያ ኣዝሊቖም ኣብ ቁጽጽር ሰራዊት ዩክረይን ዝኣተወ እቲ ከባቢ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣስከሬናት ተረኪቦም’ዮም።
መብዛሕቲኦም ድማ ሰላማውያን ኮይኖም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምዝርከብዎም ተፈሊጡ።
ዩክረይን ኣብቲ ከባቢ ገበናት ኵናት ከምዝተፈጸመ እያ እትኣምን።
ንኤውሮፓዊ ሕብረት ብግዝያዊነት ዝመርሕ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቸክ ሪፐብሊክ ጃን ሊፓቪስኪ “ኣብ መበል 21 ከፍለዘበን ከምዚ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ሰለማዉያን ሰባት ዘቕንዐ መጥቃዕቲ ዘይሕሰብ’ዩ” ኢሉ።
ንሱ ኣስዒቡ “ነቲ ብወራር ዝተፈጸመ ገበን ዘጽንዕ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ብቕልጡፍ ክጣየሽ ይጽውዕ። እቶም ገበናት ኵናት ዝፈጸሙ መቅጻዕቶም ክረኽቡ ብሓንሳብ ደው ክንብል ኣሎና” ኢሉ።
ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ እትሕግዞም ተነጸልቲ ሓይልታት እትርከብ ዶኔቴስክ ኵናት ተጎሃሂሩ ዝቐጸለ ኮይኑ ብሰንኪ ደብዳብ ሓይልታት ዩክረይን ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ናይቶም ተነጸልቲ ሓይልታት ከንቲባ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ብኣንጻሩ ብዩክረይን ዝተመደብ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ድማ ሓይልታት ሩስያ ብዝፈጸምዎ ደብዳብ ከቢድ ብረት ቀረብ ማይ ከምዝትቛረጸ ከሲሱ።
ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ኣንጻር ሓይልታት ሩስያ ዝጀመርዎ ጸረ መጥቃዕቲ ኣሐይሎም ከምዝቐጸልዎ ሚኒስትሪ ሓይልታት ምክላኻል ዓባይ ብሪጣንያ ገሊጹ።