እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ‘ንፑቲን ክሓቶ እደሊ፡ ስለምንታይ'ዩ ንወደይ ቀቲልዎ?’
ሓይልታት ሩስያ ድሕሪ ምዝላቖም፡ ሓራ ኣብ ዝወጸ ከባቢታት ዩክረይን ንዝተፈጸመ ግፍዕታት ዘመላኽቱ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለው። ኣብ ከተማ ባላክሊያ፡ ሰብ መዚ ንኣስከሬን መራሕ ታኽሲ ፔትሮ ሸፐል ፍሒሮም ከውጽኡ እንከለው፡ ሓይልታት ሩስያ ካብታ ከተማ ኣብ ዝወጽኡላ መዓልቲ ከምዝቐተልዎ ይኣምኑ። ኣዲኡ ቫለንቲና፡ ፍትሒ ካብ ምሕታት ከምዘይተቋርጽ ትዛረብ።