እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒውዚላንድ ንመጻኢ ወለዶታት ሽጋራ ዝእግድ ሕጊ ኣጽዲቓ
ኒውዚላንድ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ እገዳ ትምባኾ ክትገብር ወሲና።
እቲ ትማሊ ሰሉስ ብባይቶ እታ ሃገር ዝጸደቐ ሕጊ፡ ድሕሪ 2008 ዝተወልደ ሰብ ሽጋራ ወይ ፍርያት ትምባኾ ፈጺሙ ክገዝእ ከምዘይገዝእ ዝገብር'ዩ።
ትምባኾ ክገዝኡ ዝኽእሉ ሰባት ድማ በብዓመቱ ክንኪ እዩ።
ንኣብነት ኣብ 2050 ዓ.ም. ሽጋራ ክገዝኡ ዝኽእሉ ሰባት ዕድመኦም ልዕሊ 40 ዓመት ዝኾኑ ጥራይ እዮም።
ነቲ እማመ ዘቕረበት ሚኒስተር ጥዕና ኣየሻ ቨራል፡ እዚ "ናብ ካብ ምትካኽ ነጻ ዝኾነ መጻኢ" ዝወስድ ስጉምቲ'ዩ ኢላ።
ዶክተር ቨራል፡ "ኣሽሓት ሰባት ነዊሕ፡ ጥዑይ ህይወት ክነብሩ እዮም፡ ስርዓተ ጥዕና ድማ ነቶም ብሰንኪ ሽጋራ ምትካኽ ዝመጹ ሕማማት ንምሕካም ዘወጽኦ ዝነበረ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከትርፍ'ዩ" ትብል።
መጠን ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ኒውዚላንድ ድሮ ኣብ ትሑት ደረጃ እዩ ዝርከብ። ብመሰረት ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝወጸ ኣሃዝ መንግስቲ፡ ካብ ዓበይቲ ሰባት 8 ሚእታዊት ጥራይ መዓልታዊ ሽጋራ የትክኹ። ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኸኣ 9.4 ሚእታዊት ቀኒሱ እዩ።
እቲ እማመ ትኪ ዘይብሉ ከባቢታት፡ ነቲ መጠን ክሳብ 2025 ናብ ትሕቲ 5 ሚእታዊት ከጉድሎን ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ተግባር ጠቕሊሉ ከወግዶን ተስፋ ይግበር።
ብተወሳኺ እቲ እማመ ኣብ መላእ እታ ሃገር ቁጽሪ ናይቶም ፍርያት ትምባኾ ክሸጡ ዝኽእሉ ካብ 6000 ናብ 600 ንምድራትን፣ ኣብቶም ፍርያት ዝርከብ መጠን ኒኮቲን ብምንካይ ወልፊ ንኸየትሕዙ ንምግባርን ዝተዳለወ'ዩ።
"ኒኮቲን ወልፊ ናብ ዘይኮነሉ ደረጃ ክወርድ’ዩ ማለት እዩ፡ ማሕበረሰባት ድማ ካብቶም ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ፍርያት ትምባኾ ዒላማ ዝገብሩን ዝሸጡን ናጻ ክኾኑ እዮም" ትብል ዶክተር ቨራል።
እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ነቲ ካብ ሽጋራ ንላዕሊ ኣብ መንእሰያት ወለዶታት ኣዝዩ ዝያዳ ተፈታዊ ዝኾነ ፍርያት 'ቬፕ' (ኤለክትሮኒክ ሽጋራ) ኣይእግድን።
ኣብቲ ባይቶ 10 መናብር ዝሓዘ ሰልፊ ኤሲቲ (ACT) ሓዊሱ ነቐፍቲ ናይቲ እማመ፡ እቲ ፖሊሲ ንጸሊም ዕዳጋ ፍርያት ትምባኾ ከጋድድን ንኣሽቱ ድኳናት ክቐትልን ከምዝኽእል የጠንቅቑ።
ምክትል መራሒት ኤሲቲ፡ ብሩክ ቫን ቨልደን፡ "ሰባት ሽጋራ ከትክኹ ክርኢ ዝደሊ ሰብ የለን፡ እቲ ክውንነት ግን፡ ገሊኦም ክትኽኹ እዮም፡ እቲ ክልከላ ድማ ጸገም ከስዕብ'ዩ" ትብል።