ትግራይ: ኣባል መሪሕነት ዞባ ደቡብ ተቐቲሉ

ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ ትማሊ ለይቲ ከምዝተቐተለ ቤት ፅሕፈት ዞባ ደቡብ ትግራይ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

ኣይተ ሳምሶን ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊን ውድባዊን ሓላፍነት ተዋፊሩ ከምዘገልገለ ታሪኽ ህይወቱ ይገልፅ።

ኣይተ ሳምሶን ናብ ዝዘናገዐሉ ዝነበረ ቦታ ድሕሪ ምኻዱ ሓደ ውልቀሰብ ናብ ደገ ፀዊዑ ብሽጉጥ ከምዝቐተሎ ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ዞባ ደቡብ ኣብ ኣለሻን ክትትልን ይርከብ።

ኣስከሬን ንምርመራ ናብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ከምዝተልኣኸ ድሕር ምርመራ ሎሚ ድሕር ቀትሪ ናብ ማይጨው ከምዝተፋነወ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይ ገሊፁ።

ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ ምንባሩ ድሕር ባይታኡ የዘንቱ።

ኣብቲ ክልል ስርዓተ-ኣልቦነት ነጊሱ ከምዘሎን፡ ሰብመዚ ዘይፈልጥዎ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከይተረፈ ከምዘሎ ግዝያዊ ፕረዚደንት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ'ዩ።

እቲ ኣቶ ጌታቸው ዝመርሖ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ምሉእ ብምሉእ መንግስታዊ ቁመናኡ ክሕዝ ዘይምኽኣሉ'ውን ነቲ ኩነታት ከምዘጋደዶ ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ሓይሊ ፖሊስ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ንውልቀ ሓለፍቲ ዘይኰነስ ንህዝቢ ደው ዝብል ኰይኑ ከም ብሓድሽ ተወዲኑ ክቐውም ዘኽእል ምትዕሪራይ ከምዝተጀመረ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ኣብ ጸጥታ ዝርአ ዘሎ ጸገም ፖለቲካዊ ሕመቕ ከምዝዀነ ዝገልጽ ኣቶ ጌታቸው፡ ውድቀት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምነዩ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ዘለዎም ውልቀሰባት ኣለዉ ክብል ከሲሱ ነይሩ።

"ብመሰረት ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ትግራይ መንግስቲ ዘይፈልጦም ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዉ።

"ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝተዋፈሩ ሰባት ምእሳር ጀሚርና ኣለና፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ድማ ብወፍሪ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክነእትዎም ኢና" ኢሉ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት'ውን፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ጽምብላ፡ ኣባላት ጸጥታ ንሓደ ሓረስታይ ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ ብበትሪ ወቒዖም ከም ዝቐተሉዎ ስድራ መዋቲ ገሊጾም ነይሮም።

ኣባላት ጸጥታ፡ ነቲ ሓረስታይ ኣብ ምሻጥ ጠያይት ተዋፊርካ ኢሎም ከም ዝሓዝዎ'ዩ ይግለጽ፤ እንተኾነ ግን ኣብ ምሻጥ ጠያይቲ ብዛዕባ ምውፋሩ ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣይነበረን።